Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

1.ትርጉም ነጻነት (Independence) ብዘይ ዝኮነ ሓርነታት(Liberty and freedom) ደቒ ሰባት ባዶሽ እዩ። እዚ ክብሃል ከሎ ግን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ መግዛእቲ (Colony) የለን እንታይደኣ ጭው ዝብለ ምልኺ- ሕገ-ኣልቦ ዝኮነ ስርዓት ኣጋጢሙና ናይ ታሪኽ ሓደጋ ወዲቑና ኣሎ። እንተኮነ ግን በዚ ተስፋ ከይቖረጽና ከም'ቲ ብዘይተሓለለ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ዝተረጋገጸ ሓርነታት ደቒ ሰባት ወይ'ውን ዲሞክራሲያዊ ቕዋማዊ መንግስቲ ዝተረጋገጸላ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና፤ ኩሉ ኤርትራዊ ናተይ፤ ሃገረይ ኢሉ ዝምክሓላ ኤርትራ ትነግሰሉ ክትመጽእ ምኳና ምልክትን ተስፋን እትህበና ዕለት ምኳና እያ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚ ተስፉ ዝህቡ ግጥምታት ክግጠሙ። ተስፉ ዝህቡ ደርፍታት ክሕተሙ፤ ተስፉ ዝህቡ ማሰታት ክፍነዉ እላቦ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚኣ ጓይላ ጌርካ ሰልሶ ከይበልካ ገዲፍካዮ ኬድካ ድሓር ማለት ኣብ ግዜ ምልኡነት ነጻነት ክንብሎ ኢና እትብለሉ ባህሊ ክጥረ እላቦ።