Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isuኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ  ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።

Isuኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ  ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።

ሰላም ! ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን ደቂ ዓደይ፣ እናታይ ክግበር ሎሚ ብዛዕባ ጹሉላትን ጽላለን ኢና ክንዛረብ፣ እንታይ ተረኺቡ ጥዑያትዶ ከይኮና ብዛዕባ ጹሉላት ንዛረብ ዝብል ለባም ሓታቲ ኣይሰኣንን፣

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን

<ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣- ኣብ ዝብል 1ይ ክፋል ጽሑፈይ ኣመንጕየ ነይረ፣ እንሆ ሕጂ ድማ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ ሰናይ ንባብ፣-

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ኣሻማዊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ረስኒ ወሲኹ ኣብ ኩሉ ናይ ክትዕ መአንገዲ ቦታታት፣ ፓልቶክ፣ ሰሚናራት፣ ወብሳይታት እንተላይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይተረፈ ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ።

EPDPብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

Isaias palpotብቀዳምነት ኣሕዋት ኤርትራውያን! ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስድራ፣ ተጋዲሎም ዝተጋደሉ ብህይወቶም ዘሎው ዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን ጀጋኑ ሞጎስ ይኹንኩም እብል። ብምቕጻል ነቲ ተቓሊሱ ዝተቓለሰ ኣጋር ሰራዊቱ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብጽሓካ ክብል እፈቱ።

Melottiቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ  ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።

ethio oppositionመራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስርዓቱ ንዝምልመሉን ዝንቀሳቀሱን  ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ጎልጅ  ዝመደበሮም ልዕሊ ትሽዓተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዘካየደሎም ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸ ምንጭታት ሓቢሮም።

Isaias Afewerqiመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ቤት በይኑ ይነብር ነበረ።ካብ ብዙሓት ዝናብ ዝዘነበሎም መዓልታት ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘኒቡ እታ ዓዲ ብማይ ኣዕለቕለቐት።ንሱ ገና እንታይ ይከውን ከምዘሎን፡ክመጽእ ዝኽእል ኣፍልጦ ይኹን ግምት ኣይነበሮን።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ንኣባላት ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ተኸታታሊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ሲኞር ፔየር ጃኒ ፕሮስፐሪኒ < www.l’espreso >

1)ቀዳማይ ሚንስተር ሲልቪዮ በርልስኮኒ፡ድሕሪ ንርእሱ ዝከላኸል ሕጊ ኣውጺኡ ብፈራዶ ኣካል ድሕሪ ምንጻጉ፡ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ተባሂሉ ኔሩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ኣብ ብዙሓት ቅትለታት ዝተሳተፈ ማፍያ፡ማርቸሎ ኡርቲ ዝበሃል ሽርካ ሲልቪዮን ሲልቪዮ በርልስኮኒ ምስ ማፍያ ርክብ ከምዘለዎም ተናዚዙ።ድሕሪ ሲልቪዮ ዝመርሖ መንግስቲ ህላዌኡ ኣጠራጣሪ ስለዝኾነ፡ንዝመጽእ ምርጫ ምቅርራብ ብዝብል መደብ ኣባላት ሰልፊ ንምውዳብ ብዕለት 13-12-09 ስንበት መዓልቲ ኣብቲ ማእከል ሚላኖ ዝርከብ ዱዎሞ ዝተባህለ ቦታ መደረ ኣስሚዑ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 19.12.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ካብ ማሓዙ ኣሰና ዶት ኮም፡ ከም ክቡር ሓው ኢሳያስ ስዩምን ተስፊት ክፍሉን፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ እሞ፡ “ንምሕያልን ምትብባዕን ነጻ ናይ ዜና ማዕከን“ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና።

 

 ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

ታሪኽ ሃገርና ይኹን ታሪኽ ናይ ዝኾኑ ኣህዛብን ማሕበረሰባትን፡ከከም ኩነታቱን ከከም ደስ ዝበለካን ዝተራእየካን ዝለዋወጥ ወይ ዝማዛበል ተርእዮ ኣይኮነን። ታሪኽ ታሪኽዩ ነናቱ ኣሉታውን ኣውንታውን ጎድንታትን በሰላን ሓድግን ገዲፉ ድማ ይምርሽ። ደስ ስለዘይበለካ ወይውን ዊን ኢሉካ ኣብ ኣፍካ ከከምዝመጽልካ ንታሪኽ ምጽብባቕ ወይውን ምንእኣስ፡ ኣብ ልዒሊ ህዝብኻን ሰዓባይ ወለዶን ምድንጋር ምፍጣርን ገበንውን እዩ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንተወፋይነትን ጅግንነትን ስውኣት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እናኣልዓልካ ኣብቲ እትደልዮ ዕላማ መብጽሕን መደልደሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ምግባርን ልሙድ ኮይኑ’ሎ።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ቦታን ስልጣንን ምቅይያራት ገይሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።

wl

ናይ ማይን ከባብን ሚኒስተር ነበር፡ ወልደሚካአል ገብረማርያም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝርከብ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን፡ ጠለብ ሰራዊት ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ምርግጋእ ክሰፍንን፡ ብዘርእዮ ተሓባባርነትን ቆራጽነትን ኣብዚ ጊዘዚ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ዓቢይ ህቡብነት ስለዘጥረየ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በዚ ህቡብነትዚ ከምዝተሻቐለን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወልደሚካኤል ዝውርወር ዘለፋ-ሓዘል ዘይእርኑብ ቃላት ከስምዕ ከምዝተራእየን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

isu

ከመይ ቀኒኻ ከይብለካ፡ ከመይ ትነብር ከምዘለኻ ዝጠፍኦም ሰባት ሒዶት ክኾኑ ከምዝኽእሉ መጠን፡ ንይምሰል ካብ ዝሓተካ ርዱእ ንውሰዶ። ደብዳበ ንክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ውን ኩነታት ጥዕናኻ ኢዩ።

Redbeeውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣልሚሱ በታ ውልቃዊ ንብረቱ ዝኾነትን ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራን ናስ ኣየር ዝተባሃለት መንገዲ ኣየር ተኪእዋ። በዚ መሰረት እዚ ካብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2009 ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንፍርንክፈርትን ኣምስተርዳምን ተካይዶ ግዕዞ ከምዘቋረጸቶን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ገለ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ይሓቱ ገለ ድማ ናብ ናስ ኣየር ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ሓንቲ ናይ ቻይና ናይ መካይን ፋብሪካ ሓደ  ቢልዮን ዶላር ከምዘዋፈረ ምስ ኣንበብኩ፡ ብዙሕ ኣተሓሳሲቡኒ፡፡ ኣብ ናይ ነዊሕ ዓመታት-ቃልሲ ንናጽነት ይኹን፤ ከምኡውን ኣብ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ንዝተዋጽአ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ህዝቢ ከኣ ተዘኪሩኒ።

piaኣርባዕተ ሓለዋ (ቦዲጋርድስ) ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሓደጋ መኪና ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ፈላጥ ብዙሕ ኣይዛረብን። ፈላጥ አብዘይምልከቶ ነገራት’ውን ኣየውደኽኽን። ፈላጥ ሰብ ብዛዕብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ካልኦት ህልውናን ሰብኣውነትን’ውን ይሓሰብ። ናይ ፖለቲካ ኪኢላታት’ውን ድዛረብዎን ከስዕቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ክሳራታት ብውልቃዊ ረብሓታቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ብክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ዓይኒ ኢዮም ዝጥምትዎ።

kabineኣብቲ ካብ 12 ክሳብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ብኽፍሊ ጸጥታ ዝቐረበለይ መጽናዕታዊ ሓበሬታ”፡ ኢሉ ዘቕረቦ ነቲ ተዋዓዊዑ ዘሎ ምልዕዓል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣስደሚሙዎን ኣሰምቢዱዎን። እቲ ምልዕዓል ብጎነጽ ክፍታሕ ኢሳያስ ዝመረጾ መርገጺ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ደገፍትን ተቓውምትን ተገማሚዑ፡ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ።

ከምቲ ትፈልጦ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብሰላምን ራህዋን ምንባር ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከቢድ
መስዋእቲ ከፊሉ ድማ ናጽነቱ አረጋጊጹ። ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ሃገሩ ንኽሃንጽ ካብኡ
ዝድለይ ኩሉ ብምውፋይ እኳ ድኣ አብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ዘይርኣይ ወፈያ ገንዘብን ጉልበቱን ከበርክት ዓለም
ምስክሩ እያ።

ኣቐዲመ፡ኣብዚ ቕንያት በዓላትን ምቕያር ሓድሽ ዓመትን ብዝምልከት ምስ ስድራ ቤትካን ደቅኻን ሰናይ እዋን፤ሩሑስ ብዓልን ቅንያትን ክኾነልካ ይምነይ።ቐጺለ ከም ዜጋን ኣባል ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ብሞያውን ከምጋዜጠኛ፡ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ብጽሞና ከተንብቦ ብትሕትና ጊዜኻ ይሓትት።

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።