Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

Boneግህሰት መሰል ኤርትራውያን  ንኸብቕዕን  እቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን ዘይተፈልጠ ጐዳጉድን ዝበልዩ ዘለዉ ኤርትራውያን እሱራት ንኽፍትሑን ዘመልከተ ኣብ ቦን  ብ17 መስከረም 2010 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡

isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Womenብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዕለት 06.03.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ በዓል ብርክት ዝበለ ብዝሒ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣርየስ ላቲኖስ ዝተባህለት ባህላዊት ጉጅለ ላቲን ኣመሪካ ማሓዛ ማሕበር ተበግሶ ዝተሳተፍዎ በዓል’ዩ ነይሩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ  ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።

ኣብ ማያዊ ክሊ ማልታ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጻላልዩዎም ዝነበረ ‘ሞ ብሓለዋ ባሕሪ ማልታ ዝደሓኑ 106 ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያን  ምዃ’ኖም ዝእመነሎም ስደተኛታት ማልታ ኣትዮም ከምዘለዉ ብዝተፈላያ ማዕከናት ዜና ማልታ ተረጋጊጹ። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብ ታሕቲ ተመልክቱ።

የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣካያዲ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ

Yemaneሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ስርሑ ደሪቡ ንሚኒስትሪ ዜና ከካይድ ብኢሰያስ አፈወርቂ ክምዘዝ ክሎ፡ ግዝያዊ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ዓሊ ዓብዱ፡

in

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ነባሪ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ዝርከቡ ኤርትራውያን “ ንጽምብል ናጽነት በበይንካ ተኸፋፊልካ ምብዓል የብቅዕ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓድነታዊ ጭርሖ ኣጽሊሉ፡ ብመሪሕነት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዘቖማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽማግለ ዕዉት በዓል ናጽነት ከምዘሕለፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ። 

pia

መራሒ ኤርትራ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቕ ዝህቦ ዘሎ መልስታት፡ ከምቲ ልሙድ ብሓሶትን ባዶ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ውጥናትን ዝተረቕሐ ኮይኑ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዖ ምእንቲ፡ በቲ ምእዙዝ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ተመሪጹን ተቘንጪሉን ንሃልኪ ውሽጢ ይቐርብ ከምዘሎ ምንጪታት ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጦም። 

Cabin

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።

መበል 17 ብዓል ነጻነት: ኣብ ለንዶን; ኣቀራርባ ዜና ዝእመን ኮይኑ ክቐርብ ይግባእ። ለበዋ ንኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ- ዜና ኪዳን

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ-ሰለስተ መዓልታት ብወገን ራስ-ዱሜራ ዶብ ጥሒሶም ናብ ጅቡቲ ብምእታው
መከላኸሊ ዕርዲ የዳልዉ ከምዘለዉ ንሓደ “ስሙ ክንገረሉ ዘይደለየ” በዓል ስልጣን ጅቡቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና
ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣማኑኤልኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ ኣብ ስነጽሑፍ ሃገርና ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣብርክቶ ዝገበረ ክንብሎ እንኽእል ሰብ እዩ። ሕጂ ካብ ጋዜጣታት ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ምፍላዩ፣ ዓቢ ጽፍዒት ንሚንስትሪ ዜና እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።