Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።

ብኣንቶንዮ ተስፋይ – 15 መከረም 2010

 ብዕለት 11 መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንጉዳይ ዋዕላ መብርሂ ክህብን ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብ ሓደ ወሳንን ኣገዳስን ጠማርን ጉዳይ ምስክርነት ቀሪብሉ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ብርሃን ብምቅልዖም ዓይኖም ከምዝዓወሩ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። 

eriእቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።

ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።

asህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።

እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።