ድሕሪ መሪር ኩሉ ጎድናዊ ቃልሲ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1991 ብዓውቱ ተዛዚሙ፡፡ ብዛዕባ`ዚ ብዙሓት ጸሓፍቲ ጽሒፎም ተሪኾሚዮም፡፡ ካብ 1991 ክሳብ 2008 ልዕሊ 17 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ 17 ዓመታት እዚ ውጽኢት ድኻምናን ፍረ ናጽነትናን ሃገርና ኣብ ኩሉ ሜዳታት ምዕባሌ ከተርኢ ምተገብኤ ኔሩ። እንተኾነ ከምቲ ሓደ ገጣማይ ዝበሎ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ኣጋጢሙና ንድሕሪት ገጽና ተመሊስና፡ በሪስና፡ዓኒና፡ ተሰዲድና፡ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጨንገራሕ ኢልና፡፡
ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ መጥን ሸርፊ ዶላር ብ መንጽር ናቕፋ ብ 50% ከም ዝወሰኸ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ መሰረት፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዋጋ ሓደ ዶላር ኣሜርካ ኣብ መንጎ 19ን 21 ክገላበጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 28 ክብ ኢሉ ኣሎ። ዋጋ ናቕፋ ብ መንጽር ኤሮ ድማ ናብ 39 ደይቡ። 