Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

mubarekኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡

Human rights Assennaአብዚ መሰል ደቂ ሰባት ንክኽበር ዝዕድም መዓልቲ ዓለም ለካዊ ትካል ናይ ሕቡራት መንግሥታት በዚ አርእስቲ’ዚ ክንጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነ ብዛዕባ ሰብአዊ መሰልን አጀማምራኡን ንሕዝቢ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ዜጋን ሕብረተሰብን ንምሃብ ዘተዀረ ጽሑፍ ኢዩ።

historyቀዳማይ ክፋል – ውዮ ድኣ ኣነዋሪ ክፋል ታሪኽ ሃገር ብጽሑፍ ሰፊሩ: ኣብ መዝገብ ታሪኽ ካብ ምጉሓፉ ሓሊፍካ: ኣብ መዓልታዊ ዕላላትን መደረታትን ንኽተልዕሎ ዘየነይትን ዘየሕብንን ስለዝኾነ፣ ተሰኒዱ ዝተርፍ ኮይኑ እምበር: ከምኡ እንተዘይኸውን ነይሩስ፣ እዚ ሕጂ ብፐሎቲካውያን መራሕቲ ሃገርናን ብገለ ሃይማኖታውያን  መራሕቲ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ዝግበር ዘሎ ናይ ትሕተ ሃገራውነት ተግባራት: ደግሲ ናይቲ ብ1940ታት ዝተፈጸመ ገስረጥ ታሪኽ ምዃኑ ንማንም ዜጋ ጐሊሑ መተራእዮ ነይሩ::

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ቤት በይኑ ይነብር ነበረ።ካብ ብዙሓት ዝናብ ዝዘነበሎም መዓልታት ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘኒቡ እታ ዓዲ ብማይ ኣዕለቕለቐት።ንሱ ገና እንታይ ይከውን ከምዘሎን፡ክመጽእ ዝኽእል ኣፍልጦ ይኹን ግምት ኣይነበሮን።

ንሓደ ዓመት ዝኸውን ድሕሪ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ጠጠው ምባለይ፡ ብእኩብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ልክዕ ንምዃን፡ ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 1995 ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ እዋን፡ ድምጻዊ ኢንጅነር ኣስጎዶም ወልደሚካኤል ሓንቲ ናይ'ቲ ግዜ ህብብቲ ዝኾነት ደርፊ ንመሸጣ ቀሪቡሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ እታ፦ "ሃንደበት ኮይኑ መገሻኺ" ዝተሰምየት ካሴት፡ ኣብ ዕዳጋ ምውራዳ ዝሕብር ንግዳዊ ምልክታ ዝዝርጋሓሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ምጅማር ናይ'ታ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 1996 ንምጽንባልን ንምፍናው፡ ናይ'ታ ዕለታ ትዛዝም ዝነበረት ዓመተ 1995 ንምብዓል፡ ኣብ'ቲ ዋንነት ናይ ደጃች ተስፋሃንስ በርሀ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ከም መዘናግዒ ማእከል ዝፍለጥ ገፊሕ ኣዳራሽ ኩዋ፡ በታ ናይ'ቲ እዋን፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝቖመት፤ ድምጻዊት ሄለን መለስን፡ ድምጻዊት ፋጥና ኢብራሂምን፡ ስውእቲ ናይ መድርኽ ኣቕራቢት ምጽላል ኣርኣያን ብዝርከበኣን ህቡባት ጉጅለ ባህሊ ካናሪ ምዝንጋዕ ክካየድ ስለ ዝተሓበረ፡ ብውርይቲ ናይ ቅዲ ክዳን ኪኢላ ዝኾነት፡ ወይዘሮ ትርሓስ ዝተባህለት ኤርትራዊት ዝውንነን፡ "ትርሓስ ዲዛይን ኢንተርፕራይዝ"፡ ዝተባህለ ትካል ዝተዳለወ ናይ ጽባቐ ኣልባሳት፡ "ፋሽን ሾው" ምርኢት ንምዕዛብን፡ በቲ ዝቐርብ ጣዕመ ዜማ ንምዝንጋዕ፡ ነባር በዓልቲ ቤተይ ዘላቶ ናብ ኣዳራሽ ኩዋ ዘምራሓሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ፍጻመ'ታ ዕለት ሕጂ ኮይኑ ይረኣየኒ።

Is

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መስርሕ ቃልሱ ንናቱ ስልጣን እምበር ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ይህቦ ከምዘይነበረ ሓቢረ ነይረ፡፡ ካብዚ ድርኺት’ዚ ነቒሉ ሓደ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዚመስረተ ‘ውን ተኸታቲልና፡፡ ኣብ 1977 ዓ.ም. ድማ ሓቅን ፈጠራን ደባሊቑ ነቲ ናይ ሰልፊን ናይ ውድብን ዝሰመዮ ጉባኤታቱ ከምዘካየዶ ርኢና፡፡

isuይትረፍዶ ነቲ ኣብ ሜዳ ዘይነበረ፡ ነቲ ኣብ ህ.ግ ተሰሊፉ ከብቅዕ፡ ግን ኣባል ናይ’ቲ ምስጢራዊ ስርርዕ፡  “ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ“ ዘይነበረ ኤርትራዊ‘ውን እንተኾነ ነቲ ረቂንቕን ሕልኽልኽ ዝበለን አገባብ አሰራርሓ ናይቲ ውድብ ክርድኦ ቀሊል አይኰነን፡፡ ንኣሰራርሓ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ምፍላጥ፣ ነቲ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ  ኣገባብ ኣካይድኡ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን ኢለ ስለዝኣምን እንሆ ንምብርሁ ወሲነ ኣለኹ፡፡  ንኣንባቢ ከይስልችዎ መታን ድማ ጽሑፈይ ብኽፋላት ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡

zereiብሃር ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፡ ብራዚል፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ንሳልሳይ ግዜ ናይ ፍርቂ ማራቶን ሽምፕዮን ዝተዓወተ ቀዳማይ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ከኣ ታሪኽ ሰሪሑ።

ሕሉፍ ታሪኽና ናብ ናይ ጽባሕ ወለዶታት ክመሓላለፍ መታን ክንውከሶን፡ ክንመሃረሉን ብግቡእ ክስነድ ይግባእ። ኩሉ መዳያቱ ክንፍትሾ’ውን ግቡእ ኢዩ።

saidስዒደ ካብ ገጹ ፍሽኸታ ዘይፍለዮ ተባዕን ህርኩትን ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።ኩሉ ግዝየ ድማ አብ ጋዚጣ ሓዳስ አድማስ ዘውጹ ጽሑፋተ ብጥንቃቄ አብ ምድላው ለይተን ቀትርን ምስ ጸዓረ እዩ ነይሩ።ኣብ ዝተፈላለይ ኣጋጣሚታተ ስዒደ ከም ነጻን በሕታወያንን ጋዚጠኛታተ መጠነ ሓድነተ ህዝበን ሃገርን ዘትርር እንበር ዘዕኑ ጸሑፋት አብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ነከይነወጽእ ብትኹረት ክንሰርሕን ሓላፍነት ክንስከምን የሕብረና ነይሩ።