Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Genevaኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ምምህር ተስፉ ዘውደ፡ኣብ ህለው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ዞባናን ኣመልኺቱ ሰፊሕ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምግለጺ ክገብር ኢዩ። ምምህር ተስፉ ከም ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ መጠን፡ንታሪክ ሰውራ ኤርትራ ኣመዓባብልኡን ኣብ ጉዕዞ ሰውራታት ዘጋጠመ ፍጻሜታት፡ብጠቅላላ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ብፍላይ ድማ ነዚ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ተርክቦ፡መብገሲኡን ኣመጻጽእኡን፡ብኸምይ ምፍትሒ ከምዝርከቦ ብዕምቆት ክድህስስ ኢዩ።

musieሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።

መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዘለዎ ሓበረታ ግጉይ ስለዝኾነ ነቲ ቅኑዕ ሓበረታን ስእሊን ንምሃብ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ንምቕራብን ኣብ ዝለዓለ ኣካል በጺሕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ተሰማሚዕና ነዚ ጉዳይ እዚ ትመርሕ ሽማግለ መዚዛና ስራሓ ጀሚራ ኣላ።ነዛ ሽማግለ እዚኣ ንምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ክለዓል ንጽውዕ።