Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

enoughኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

Wikiእዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ካብቲ ብዊኪሊክስ (Wikileaks) ዝለሓዀ ብ ኣምባሳደር ሮናልድ ከይ ሙክሙለን ካብ ኣስመራ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሰደዶ ዝተተርጎም’ዩ። ንትሕዝትኡ ኻኣ ሰናይ ንባብ፡ ተፈደሉ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ፍልስፍና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ሃደ ደርቢ ንኻልእ ደርቢዝምዝምዘሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትወሉ መሳርሒ’ዩ። እዚ ትርጕም’ዚ ብፍላይ ኣብ ስሳታት ብዅላቶም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ወይ ንዓታቶም ዝስዕቡ መንእሰያትን ከም ቃል ኣምላኽ ዝውሰድ ዝነበረ’ዩ።

ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ዓንዳሪ ፖሊሲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2009 ማሕብረሰብ ዓለም ማዕቐብ ካብ ዝበየነሉ ግዜ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ’ዩ።እዚ ማዕቐብ’ዚ፡ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሩ ዝተፈ ፈላለ ማዕቐብ ውሽጢ ወሪዱዎ፡ሎሚ ኣብዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን፡ንሰዓት ናህሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዕንወት ሃገር ኣብዝረኣየሉ ክፉእ እዋን ስለዝተበየነ፡ክትቅበሎስ ይትረፍ ክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል’ዩ።

ሰርናዮ ስቕታ ሰጊርናዮ ከውታ፡ኣብ መበል ዒይስራን ሓሙሽተን ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ከም ጭርሖ ዝተወስደ ፍሉይ ኣርእስቲ ኢዩ።እቲ ጭርሖ፡ምስ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ፍርቂ ኣካል ኅብረ ተሰብ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ሕይወት ተራእዩ፡ካብ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ካልእ ክህልዎ ዝኽእል ኣይነበረን።

             

                ተጣቕዑ ዘለኹም ንዓማጺ ንቀታሊ

               ገለኹም ብግርህነት ገለኹም ብዕሊ

                ነባሪ ዝመስለኩም ህግደፋዊ ሓይሊ

                ረጊፉዩ ዘሎምስ ሓሪሩ ከም ቆጽሊ

                ናብ ሓቂ ተመለሱ ናየቦኹም ባህሊ

               ዕኑዳት አይትኾኑ ከም አድገበቕሊ

ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሳላ ተባዓትን ህርኩቱታን ኤርትራውያን ዜጋታት ዘካይድዎ ዘሎው ዘይሕለል ጻዕርታት ህሉው ኩነታት ሃገርና ይሕቡሩና ኩነታት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘጋጥሞም ዘሎ ኣደራዕ ይሕቡሩና

ድሕሪ መሪር ኩሉ ጎድናዊ ቃልሲ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1991 ብዓውቱ ተዛዚሙ፡፡ ብዛዕባ`ዚ ብዙሓት ጸሓፍቲ ጽሒፎም ተሪኾሚዮም፡፡ ካብ 1991 ክሳብ 2008 ልዕሊ 17 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ 17 ዓመታት እዚ ውጽኢት ድኻምናን ፍረ ናጽነትናን ሃገርና ኣብ ኩሉ ሜዳታት ምዕባሌ ከተርኢ ምተገብኤ ኔሩ። እንተኾነ ከምቲ ሓደ ገጣማይ ዝበሎ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ኣጋጢሙና ንድሕሪት ገጽና ተመሊስና፡ በሪስና፡ዓኒና፡ ተሰዲድና፡ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጨንገራሕ ኢልና፡፡