Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አሰናዳኢ ሽማግሌ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ አብ ዋዕላ ናይ  ዝቐርቡ መጽናዕታዊ  ጽሑፋት ምእራምን ብምጽፋፍ ናይ መወዳእታ መልክዑ አትሒዙዎ ይርከብ፡፡

 

Oaklandሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክርሳዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና እነሆና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ጉዱሳት ኤርትራዉያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም።

ንሰንበት ዕለት 30.05.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ እንሆ ልኡኽ ኣሳናዳኢት ኮሚተ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ምስ ተቐማጦ ከተማ ኰሎን‘ን ከባቢኣን፡ ክፉት ኣኼባ ናይ ህዝቢ ክገብር፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኰሎን-ን ከባቢኣን፡

Rotterdamንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 19.12.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ካብ ማሓዙ ኣሰና ዶት ኮም፡ ከም ክቡር ሓው ኢሳያስ ስዩምን ተስፊት ክፍሉን፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ እሞ፡ “ንምሕያልን ምትብባዕን ነጻ ናይ ዜና ማዕከን“ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና።

 

 እምባአር ከስ፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንዓርቢ ዕለት 24.10.2008 ዓ.ም.ፈ፡ አቦ ወንበር ውድብ ,,ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ,“፡ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና። እዛ ናትና „Chat Room“ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ ምዕራብ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ ዘጅምረሉ ግዜ ካአ፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንቀዳም፡ ዕለት 11. 10. 2008 ዓ.ም.፡ ክቡር ሓው Dr.
ደሳለኝ አብራሃ ገብረኪዳን፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ከም associate professor ናይ ንግዲ ምሕደራ (of
business administration) ኮይኑ አብ ዩኒቨርስቲ ናይ Sköde (ሽወደን/Sweden) ዝምህር፡ ጋሻ
ናይ „Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ፡ እሞ ,,ቑጠባ
ሜላ (economy policy) ናይ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል,, አብ ዝብል አርእስቲ ክንዛተ፡ ዓዲምናዮ
አሎና።

እዚ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ፡ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ፡ ምስ ክቡር ሓው አምባሳዶር አድሓኖም ገብረማርያም፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ንኹሉኹም/ኽን ደቂ ሃገር ብኽብሪ ንዕድም።

ቀጺለና ደጊም፡ አቶ ሙሴ ኤፍሪም፡ አቦ ወንበር ሰ.ዴ.ኤ.፡ ንቀዳም ዕለት 23.08.2008 ዓ.ም.፡ ጋሻ
„Eritrean Room For Strong And United Opposition“ ኮይኑ፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን
(Paltalk) ከምሲ፡ ብወድዓዊ ኩንታት ህዝብናን ሃገርናን ምሳና ክዛተን ክላዘብን እዩ። እዛ „Room“ እዚአ
እተኽፈተሉ እዋን፡ ብማእከላይ ምዓራብ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ አቶ ሙሴ ኤፍሪም
ዝጅምረሉ ግዜ ካአ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ንቀዳም ዕለት 07. ወርሒ 06. 2008 ዓ.ም.፣ ክልተ ደቂ ሃገር ካብ አሜሪካ፣ አቶ ሰመረ ተ. ሃብተማርያም
ካብ ዳላስ (Dallas)፤ አቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ካብ ሳን-ዲያጎ (San-Diago/ California)፤
አጋይሽ ናይ „Eritrean Room For Strong And United Opposition“ ኮይኖም ከምስዩ
ዓዲመናዮም አሎና።

ን-ቀዳም ዕለት 17.05.2008 ዓ.ም፡ ሓው Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ መምህር አብ ክፍሊ ናይ
„Sociology and Social Policy“ አብ „south Bank University. London“፡ አብ
ፓለቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for Strong and United opposition”
ኮይኑ ከምሲ፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ቀጺልና፡ ንቀዳም 5 ጥሪ፡ 2008 (Saturday, January, 2008), ስዓት 21፡00 ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ: ተስፋልደት አለም ማሓረና፡ መስራትን አቦ ወንበርን ናይ „asmarino.com“ አብ መራኸቢ ብዙሓን „Paltalk: Eritrean Room for strong and united opposation“ ሕዝናልኩም ክንቀርብ ስለ ዝኾና፡ ምሳና ክተምስዩ/ያ ብኽብሪ ንዕድም::