Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 እምባአር ከስ፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንዓርቢ ዕለት 24.10.2008 ዓ.ም.ፈ፡ አቦ ወንበር ውድብ ,,ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ,“፡ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና። እዛ ናትና „Chat Room“ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ ምዕራብ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ ዘጅምረሉ ግዜ ካአ፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንቀዳም፡ ዕለት 11. 10. 2008 ዓ.ም.፡ ክቡር ሓው Dr.
ደሳለኝ አብራሃ ገብረኪዳን፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ከም associate professor ናይ ንግዲ ምሕደራ (of
business administration) ኮይኑ አብ ዩኒቨርስቲ ናይ Sköde (ሽወደን/Sweden) ዝምህር፡ ጋሻ
ናይ „Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ፡ እሞ ,,ቑጠባ
ሜላ (economy policy) ናይ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል,, አብ ዝብል አርእስቲ ክንዛተ፡ ዓዲምናዮ
አሎና።