Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Torontoልኡኽ ቶሮንቶ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ድሕሪ ናብ ቶሮንቶ ምምላስ፡ ኮሚቴ ቶሮንቶ ብዛዕባ ውጽኢታት ሃገራዊ ዋዕላ መብርሂታት ክህብን ዘተታት ከካይድን ስለዝኾነ ከምኡውን ናይ መጻኢ ዕማማት ክቕይስ መደብ ስለዘለዎን ኩሉኹም ኤርትራውያን ናብዚ መኣዲ ዘተ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።

‘መንግስቲ ኤርትራ’ ከም ኣመሓዳሪ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተመርሖ፡ ኣባ ዶስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብመርበባት ዜና ኤርትራ ተዘአርጊሑ ከምዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት፡ ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ድሕሪ ዘጋጠሞ ተቓውሞታት ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

ብኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴን ኣባል ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሽማግለን ተጋዳላይ ኑር መሓመድ እድሪስ ዘካይድዎ ዘለው ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደት ብምቅጻል ጥቅምቲ 18 ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኬባ ኣካይዶም።ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ትኹረት ዝተዋህቦም ናይ ምይይጥ ነጥብታት (ዛዕባታት) ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕቡ ነበሩ።

ባይቶ ጸጥታ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከብቅዕ ትማሊ ውሳኔ ድሕሪ
ምውሳዱ፡ እቲ ውድብ ነቲ ናይ ምውጻእ ውሳኔ ሎሚ ሓሙስ ከተግብሮ ከምዝጀመረ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

darfurባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።