Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።

ጠለብ ዘለናዮ እዋን፡ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ውድድር ውድበይ ውድብካ፤ ሰለፈይ ሰልፍካ አይኮነን።

ዝኸበርኩም መራሕቲ ዉድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሳዊ ኪዳን ተካፈልቲ ኣኼባ ጥሪ 15, 2008፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም፡፡ ከም’ዉን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምጥቃም እንቋዕ ናብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ንክትሰጋገሩ ኣብቕዓኩም ንብል፡ ዓመት ሰላምን ፍቅርን፡ ዓመት ራህዋን ፍትሕን ክዀነልና ዘሎና ሰናይ ትምኒት ድማ ንገልጽ።