Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

bay aireaህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።

 እምባአር ከስ፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንዓርቢ ዕለት 24.10.2008 ዓ.ም.ፈ፡ አቦ ወንበር ውድብ ,,ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ,“፡ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና። እዛ ናትና „Chat Room“ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ ምዕራብ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ ዘጅምረሉ ግዜ ካአ፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንቀዳም፡ ዕለት 11. 10. 2008 ዓ.ም.፡ ክቡር ሓው Dr.
ደሳለኝ አብራሃ ገብረኪዳን፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ከም associate professor ናይ ንግዲ ምሕደራ (of
business administration) ኮይኑ አብ ዩኒቨርስቲ ናይ Sköde (ሽወደን/Sweden) ዝምህር፡ ጋሻ
ናይ „Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ፡ እሞ ,,ቑጠባ
ሜላ (economy policy) ናይ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል,, አብ ዝብል አርእስቲ ክንዛተ፡ ዓዲምናዮ
አሎና።

እዚ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ፡ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ፡ ምስ ክቡር ሓው አምባሳዶር አድሓኖም ገብረማርያም፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ንኹሉኹም/ኽን ደቂ ሃገር ብኽብሪ ንዕድም።

ቀጺለና ደጊም፡ አቶ ሙሴ ኤፍሪም፡ አቦ ወንበር ሰ.ዴ.ኤ.፡ ንቀዳም ዕለት 23.08.2008 ዓ.ም.፡ ጋሻ
„Eritrean Room For Strong And United Opposition“ ኮይኑ፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን
(Paltalk) ከምሲ፡ ብወድዓዊ ኩንታት ህዝብናን ሃገርናን ምሳና ክዛተን ክላዘብን እዩ። እዛ „Room“ እዚአ
እተኽፈተሉ እዋን፡ ብማእከላይ ምዓራብ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ አቶ ሙሴ ኤፍሪም
ዝጅምረሉ ግዜ ካአ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ን-ቀዳም ዕለት 17.05.2008 ዓ.ም፡ ሓው Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ መምህር አብ ክፍሊ ናይ
„Sociology and Social Policy“ አብ „south Bank University. London“፡ አብ
ፓለቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for Strong and United opposition”
ኮይኑ ከምሲ፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ኣብ ከተማ ከለን ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን፡ መበል 17 ዓመት ናጽነት ሃገርና ንምጽንባል ድሙቕ ባህላዊ ሳዕስዒትን ጸወታን ኣዳልዩ ንኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ይዕድም።