Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrean Sportእቲ ብሰንበት 3 ሓምለ ኣብ መሪት ካሌጅ ዝጀመረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ሰኑይ፣ ሰሉስን ሮብዑን ማዓልታት’ውን ኣብ ኢስት በይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ስፖርት ቀጺሉ ድሕሪ ሙውዓሉ እተን ቡሉጻት ሸሞንታ ጋንታታት ናብቲ ሓሙስ ዝግበር ርብዒ ፍጻመ ሓለፋ።

Lemlemጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ Harry Jerome International Track Classic ቅድድም 800 ሜትሮ ድሕሪ ምዕዋታ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት ምህላዋ The Province ዝተባህለ ጋዜጣ ብኣድናቖት ይገልጽ።

Californiaብመጀመርያ ቅድሚ ናብ ጸብጻብ ምኻደይ ድምጺ ኣሰና ንዓና ንሰማዕታ ንምሕጓስ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታት ኣርቢሓ  ስለዝመጸት፥ ንኹልና ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ፈተውታን ሰማዕታን ኣሰየ ኣሰና እንቋዕ ሓጎሰና ክብል ይደሊ።

Londonበየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።


ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።


ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።

zereiብሃር ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፡ ብራዚል፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ንሳልሳይ ግዜ ናይ ፍርቂ ማራቶን ሽምፕዮን ዝተዓወተ ቀዳማይ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ከኣ ታሪኽ ሰሪሑ።

tadeseናይ ኦሎምፒክ ማዳልያ ተሸላሚ ኮይኑ ንኤርትራ ኣብ ዓለም ዘጸውዐ በሃር ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብዚ ቐረባ
እዋን ኣብ ጉዳይ ስፖርት ነቐፌታዊ ርእይቶታት ብምቕራቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ስለዝተኸልከለ ሎሚ 21
መስከረም ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዘርላንድስ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ “ዳም ቱ

ዳም” ክሳተፍ
ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ሎሚ ሰንበት (30 መጋቢት) ኣብ ኢደንብራ፡ ስኮትላድ ኣብ ዝተኻየደ ጉያ መሮር ሳልሳይ ወጺኡ።

zerisenayበሃር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኢድንብራ (ዓዲ እንግሊዝ) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9.3 ኪ.ሜ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ጉያ (Bupa) (cross-country championship ) ዝነኣድ ቅድድም ብምክያድ ካልኣይ ደረጃ ወጺኡ።

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።

zereiኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዋና ከተማ ኣልጀርያ ኣልጀሪስ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ።