Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብታ ዝሓለፈት ሓሙስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2009 ቃለ መጠይቕ ኣቶ ዕሊ ዓብዱ ምስ ረድዮ ኣመሪካ ተከታቲለ ነይረ።ጀሚሩ ስጋብ ዝውድእ ሓሶት ምስ ሓሶት እንዳላገበ መእሰሪ ዘይብሉ ዘረባ ክዘሩ ሰሚዕዮ።እንታይ ክብል ከምዝደለየ እዝግሄር ዋንኡ።ንዓይ ምውሓጥ ዝኣበየኒ ነገር ግን፡ ዓሊ ተግባሪ መብጽዓን ልቡ ኻኣ ሰፈር ሓወልቲ ስወኣት ገይሩ፡ ነዛ ነብሱ ዘይናታ ከሰክማ ሰሚዐዮ። 

                         ካብ ምህሮስ የእምሮ ቢሂል ኣለና

                         ምሳሌኡ ሓቂ ኣይንኽሕዶን ኢና

                         ዋላ ሓሶት ተወሓጀ የለን ዝፈላልየና

                         ብዘይካኹም ሓደዩ ትጽቢት ዕላማና

ንኢትዮጵያዊ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ብኣካል ኣይፈልጦምን እየ።ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሰነዳትን፤ከምኡውን ምስ ብዙሓት ምስዝፈልጥዎምን መጋድልቶምን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ህወሓትን ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ብዝካየድክዎ ዕላላትን ወግዕን ከምዝተረዳእኽዎ ግና ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ጅግና ሓርበኛ፤ተባዕ ወዲ ህዝቢ ምዑት ተጋዳላይ እዮም ነይሮም።

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ናጽነት ንስኻ ኢኻ ‘ሞ ብነብስኻ ተሓበን ! ርሑስ ኣውድኣመት ይግበረልካ ! ..ዝተቐየረ እንተተቐየረ፡ ርክብካ ምስዞም ጀጋኑ ቀዋሚ እዩ። እምነትካ ኣብኣቶም ጽኑዕ እዩ። ነባሪ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ጽቡቕ መብጽዓ ስለዝኾኑ ክብሮም ዓቅቦ። መሰረት ክብረትካ እዮም፡ ክዳን ክብረትካ ግን ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ተድምቖ፡ ንስኻ ተህስሶ፡ ንስኻ ተሐድሶ።