Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብወገነይ፡ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤ ናይ ኪዳን፡ ክርስትያን ክዕብሉሉና ይደልዩ ኣለዉ ብዝብል ምፍርራሕ፡ ናይ እስላማውያን ውድባት ደገፍ ረኺቡ፡ ንውድቡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንምስራዕ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ግምት ጥራሕ ኢዩ። ነፍስወከፍኩም ድሕር’ዚ ሓተታ’ዚ ምንባብ ከም ናተይ ይኹን ካብ ናተይ ዝተፈልየ ግምታት ክህልወኩም ከምዝኽእል ኣይስሕቶን ኢየ።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።