Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

swissሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ።  ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

waelaሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።

Bostonዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Canada congከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።

ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።

Mihret ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት  ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።

ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ኣብ ስዊስ ብቀዳም ዕለት 18.09.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ጻብጻባ ንህዝቢ ኣቕሪባ። ካብ ስዊስ ሰለስተ ወከልቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ተሳቲፎም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርሖ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ህጽር ዝበለ ጸብጻብ ምቕራበይ ገገለ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ክጠቕስ እፈቱ።

Los angeles ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብዕለት 22 ግንቦት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡባዊ ካሊፎኒያ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰሚናር ተጌሩ ውዒሉ።

Waelaልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ትማሊ 23 ግንቦት ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ሰፊሕን ክፉትን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ? ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ?   ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ   ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ ሓድነት ከም ሰለስተ ኣይቁጸርንዩ   ፈላጥየ ዝብል ንዓይ ጥራይ ስምዑ ዘይተባህለ ዘንብብ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓኹም ኣናኢሱ ከምዘይትበቕዑ ጸላዕላዕ

READ MORE

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።

EDPኣብዚ እዋንዚ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብዝነበሩ ሰባት፡ ስም ሰዲኤን ማእከላይ ባይቶን ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሰልፊን ወጻኢን፡ ኣንጻር ሰዲኤን ውሽጣዊ ሓድነቱን ዝቐንዐ፡ ጽዑቕ ጎስጓስን ዘመተን ይካየድ ምህላዉ ንኩሉ ዝከታተል ሰብ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ።

29.05.07