Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaiasኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ፈታውየይ ስልኪ ደዊሉ ኣብታ ንህግደፍን ኮራኹሮምን ጥራሕ እተተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ብዛዕባይ ብሓደ <ዶክቶር> ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ዝተባህለ ግለ-ሰብ  ብቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ ከምዝጠቐሰኒ ምስ ሓበረኒ ነቲ ጽሑፉ ብጽሞና ኣምቢበዮ ናይ ብሓቂ ክኣ ገሪሙኒ፣፣

አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ድሕሪ’ቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕ/ሃ፡አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐድሽ ዓመት፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝሃቦ ቃለመጠይቅን መደረን: አሰልካይን ራኢን ሐቅነትን ዝጎደሎ፡ ከምኡ’ውን ንእዋናዊ ሕሱም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘየንጽባርቅ ኮይኑ ረኪበዮ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዜና ኣሰና ከምዝተኸታተልኩሞ፡ እቲ ህድግለነ ዘይብሉ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ብምባል ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ድግዲጊቱ ዓጢቑ ተተሓሒዙዎ ዘሎ እከይ ተግባር፡ ን 22 ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያንን ኦርቶዶክስ ንብረተን ራስዩን ኣብሪሱን ናብ ቤትማእሰርትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ንምቕያር ውዲት ኣሊሙ ‘ሎ።

ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ናይ ህይወት ግድነት (necessity)  ዝርኢ ‘መራሒ’፡ ድምጺ ናይቲ ክመርሖ ዝሕልን ህዝቢ ምስማዕ ክኣቢ፡ ንሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ክስእን ኸሎ፡ ንህዝቢ ጥፍኣት ንነብሱ ኸኣ ዕዳ ታሪኽ ከምዝፈረደ የረጋግጽ። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ሹም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከኣ ሽም ስኢኑ ዘሎ።