Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መተሓሳሰቢ ንኹሉኹም ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉ

ኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ትኸይድ ኣላ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገርና ብሰንኪ ማዕቀብ ውድብ ሕቡራትሃገራት ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ስለ ዘላ፡ ሃገር ንምድሓን፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኢና፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን፡ ብፍቓድና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ምዕማጽ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ ኣይፍጸምን ኢዩ፡ ኣብ ሃገርና ኮብሊልኩም ወይ ስግረዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ የለዉን ኢልኩም ፈርሙ እንዳበለ ከተዓሻሹን ከፈራርህን ይርከብ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ሃገር ዕቁባ ከትረኽቡ ዝሃብኩሞ ምኽንያት ጽሒፍኩም ሃቡና ኢሉ ይሓትት ኣሎ።

እዚ ንኹሉ ሓታቲ ዕቁባ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዕቁባ ዘኸልክልን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብዚ ንሂወቱን ሂወት ኤርትራውያን ኣሕዋቱን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ምሙላእ ፎርም ክቁጠብ ነተሓሳስብ። እቲ ትመልእዎ ፎርም ምስ ሙሉእ ሓበሬታኹም ተሰኒዱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕቁባ ዝህባ ሃገራትን ተላኢኹ ከም ምስክርነት ኣንጻርኩም ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉን ንኽትጥረዙ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ጭቖናን፡ ምብትታንን፡ ውርደትን ሞትን ድፋጭኡ ዘስትዮ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዘይፍርሂ ከቃልዖ ድኣ እምበር ክሸፋፍኖ ፈጺሙ ኣይግባእን። እቶም ገበነኛታት ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስክርነቱ ክህብ ብትብዓት ደው ክብል ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

ኤምዲሰመ

ጥሪ 2016

ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • keshi mars January 7, 2016

    እዋናዊን ኩሉ ክፎልጦ ዝግባእ መተሓሳሰቢ። እሞ ኢደይ ኢድካ ንበላ፡ ብፈይስ ቡክ፣ ብኢመይል፣ ንዘርጋሓያ።

  • kebary January 8, 2016

    zhatsere entay tsegemna shigrna nredadaalu mbal terifu n aserte amet zakl kab abmesarie kofzblu trwetsi zhashe endatebahle seb tegahgihu hji temeliska ezi kzhato nhzbi aygdn

  • AHMED SALEH !!! January 8, 2016

    HGDF intelligence (SELEYA) might share the information of people who
    signed with South African government . Learn from Eritrean community
    in Ethiopia how they exposed them to Weyane and declare war without
    giving consideration for disastrous consequences of their people .
    Only a fool trust these coward thugs that declared war against own
    people .

  • berie haqi January 9, 2016

    ገረብ ብሓኽላ : ኤርትራዊ ካብ ናይ ኣንድነት ታሪኽ ተማሂርናስ : ንቕሓትና ኣበሪኽና ሃገራውነት ኣብ ካልእ ጸሊም ኣፍሪቃ ዘየሎ ነዲቕና : እዚ ወርቃዊ ሓድነትና ንሰብ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ምሕላፍ ስለዝኸልኦም : ብናይፖለቲካ ሞት ዝሞቱ ብሃሰስ ረኺቡ : ኣፎም ክሳብ ዝዓፍሩ ንከዳህዩ ዓሲቡዎማ ኣሎሞ ሓሕ ንበሎም ኣይናትናን እዮም :
    እቶም ዘይደናገሩ ከይደናገሩ ትኲርነትና ነዛይድ : ኣብ መንጎና ዘለዉ ጉራቘን ነለልዮም : ወረጦና ሎሚ እያ ተድልየና ዘላ’ሞ ንስርሓላ :
    ዓወት ንሓፋሽ !
    ብርዒ:

POST A COMMENT