Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮስ አነድ ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ፣ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሰነድ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘዳለዎ፣ ምሉእ ስምን ኣድራሻን ቁጽሪ ቴለፎንን ኢመይልን ስደተኛታት፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡሉ ኣገባብን ዑቕባ ክረኽቡ ዘቕረቡዎ ምኽንያትን ዝሓትት ቅጥዒ፣ እቶም ኤርትራውያን ነቲ መርማሪ ኮምሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ ምስክርነቶም ብምሃብ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ክኹንኑዎ መምርሒ ዝህብ እዩ።

እቲ ’ሓሶታትን ክስታትን ምቅላዕ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እቶም ስደተኛታት ንስርዓት ህግደፍ እናነኣዱን እናድነቑን፣ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ሓሶት ምዃኑ ክምስክሩ ብዘይ ሕብእብእ ዝጠልብ ቅጥዒ፣

ንኣብነት ኣብቲ ጭቆናን ግህሰትን ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፣

  • ኣብ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ወይ ቅልውላው ከምዘየሎ
  • ህዝብን መንግስትን ተሳንዩ እናተመላልአ ከምዝኸይድ፣ ንኣብነት ናይ መንግስቲ ዘውጽኦ መደባት ህዝቢ ብንቕሓት ተረዲኡ ናቱ ምዃኑ ኣሚኑ ከምዝሳተፍ
  • ዝኾነ ይኹን ናይ መሰል ግህሰት ኣብ ዝረኣየሉ ድማ ህዝቢ ንዝምልከቶ ከምዝሕብርን ከምዝእርምን፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ መሰሉ ከምዝረክብ ብኣብነት ምጥቃስ ….ዝብል ዝርዝር መምርሒ ይርከቦ።

ኣብቲ ግዱድ ዕዮን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝብል ክፋል ድማ፣

  • ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዙርያኻ ምግላጽን ንህዝቢ ዘርብሕ ዝተሳተፍካዮ ማእቶታዊ ስርሓትን ዝፈጠረልካ ዕግበትን ምግላጽ
  • ኣብ ኣገልግሎት ዝቐሰምካዮ ሞያዊ ክእለት፣ ትምህርቲ፣ ተመክሮ፣ ሓልዮት፣ ስኒት፣ ሌላ ምስ ካልኦት ብሄራትን ክፍልታት ሕብረተሰብናን (ምግላጽ) ዝብሉ መምርሒታት የጠቓልል።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ግጉይ ዕላማታት ኣገባባትን ኮምሽን ምቅዋም ዝብል መዛዘሚ ክፋል፣

«ብመሰረት ናተይ ተምክሮን ፍልጠትን፣ ብኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መሰረትን ሓቅታትን ዘይብሉ ከምዝኾነ ምስክርነተይ እቕርብ ኣለኹ (እዝን እዝን ክስታት ብምባል ክስታት ብምጥቃስ ይጸሓፍ) ይብል።

ምንጭታት ከምዝገለጹዎ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ 6 ሽሕ ፊርማታት ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናይ ዝተሰደዱ መንእሰያት ክእክብ እዩ ዝጓየ ዘሎ።

እዚ ኸኣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጸብጻብን ቀጻሊ መርመራታቱን ርዒዱ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ እዩ።

ብተደጋጋሚ ከምዝገለጽናዮ፣ እቲ ስርዓት ብቐጥታ ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ስልቲ ብዘይካ ‘ቲ ንሃገርን ህዝብን ዘለዎ ጉድኣት፣ ኣብ ርእሲ ‘ቶም እንተ ብፓስፖርት እንተ ብእዋናዊ ማሕበራዊ ምኽንያታት ተገዲዶም ኣብዚ ናይ ሓሶት ሰነድ ዝፍርሙ ኤርትራውያን ዜጋታትን ስድራቤታትን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገብሩዎ ሕቶ ዑቕባ፣ እቲ ስርዓት ናይ ፖለቲካ ሽግር ከምዘይብሎም ከም መመስከሪ እናቕረበ ዕድሎም ክሰብረሎም ከምዝኾነ ብምዝካር ኣብቲ ሰነድ ፌርማኦም ካብ ምንባር ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ።

እቲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ምስላጥ ቅንጣብ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ብሰንኪ ብልሹው ፖለቲካዊ ምሕደራኡን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ከም ብዓል ሱዳንን እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ተጻጊሞም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ርግኣትን ቅሳነትን ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፣ ወትሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ጸቢብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ዘገልግል ሕሱር ሜላታት እናመሓዘ ቅሳነት ከሊኡ መሊሱ ጸቕጢ ከብዝሓሎምን ሸገርገር ከብሎምን ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰነድ ምስክርነት፣

Form_1

Form_2

Form_3

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • ኣርዓዶም January 6, 2016

    እታ ኩዕሶ ኣብ እግሪ እቶም መላእቲ ፎርም ኢያ ዘላ፡ ነታ ፎርም መሊኦም ን ኤርትራ ክምለሱ ተኮይኖም፡ ይምልእዋ፡ ያእ ንሕና ተወጺዕና ኢና መጺና ዝብሉ ተኾይኖም ድማ፡ ኣብ ዘለውዎ ሃገራት ይመክቱ። ምክንያቱ ብፍላይ ኣብ ኢሮፕን ኣመሪካን ዝቕመጡ ህዝቢ፡ነዚ ፎርም ተመሊኦም፡ እታ ትስዕብ፡ እንድሕሪ ጽቡቕ ኣሎ ኢልኩም ትምስክሩ ኣሊኹም፡ ናብ ሃገርኩም ትከዱልና ኢዩ ክከውን።
    ኣዕቖብቲ ሃገራት እዚ ንክብሉ ግን ኩሉ ደላይ ሓርነት ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ነዞም ጽቡቕ ኣላ ኢሎም ዝመልኡ ኣባላት ህግደፍ ከቃልዕምን ኣብ ሕጊ ከቕርቦምን ክጽዕር ይግባእ።

  • wedi keren January 9, 2016

    ሰላም ክቡራት ኣሕዋት\ኣሓት እዚ ፎርም’ዚ ብናይቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝቅመጡ መሳኪን ዜጋታት ፌርማ ኣንጻር’ቲ መርማሪት ሽማግለ ዝገበረቶ ጎስጓስን እተበጽሐ ሓቅታትን ጭብጥታትን መርትዓታትን ንምሽቃጥ እተማህዘ ፎርም ኢዩ ስለዚ እቶም ንመርማሪት ሽማግለ ኣዕጊብኩም ስራሓ ጀሚራ ኣብ ዓወት ክትበጽሕ ዝተሓጋገዝኩም ሕጂ’ውን ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ነዚ ፎርም ብኩለን ህያዋት ቋንቋታት ተርጒምኩም ንህግደፍ ከትቃልዑ በርቲዕኩም ክትጽዕሩ ብኣኽብሮት ይምሕጸነኩም ሰናይ ቅነ

  • wedi Bete Chen January 13, 2016

    ሰላም ክቡራት ኣሕዋት\ኣሓት እዚ ፎርም’ዚ ብናይቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝቅመጡ መሳኪን ዜጋታት ፌርማ ኣንጻር’ቲ መርማሪት ሽማግለ ዝገበረቶ ጎስጓስን እተበጽሐ ሓቅታትን ጭብጥታትን መርትዓታትን ንምሽቃጥ እተማህዘ ፎርም ኢዩ ስለዚ እቶም ንመርማሪት ሽማግለ ኣዕጊብኩም ስራሓ ጀሚራ ኣብ ዓወት ክትበጽሕ ዝተሓጋገዝኩም ሕጂ’ውን ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ነዚ ፎርም ብኩለን ህያዋት ቋንቋታት ተርጒምኩም ንህግደፍ ከትቃልዑ በርቲዕኩም ክትጽዕሩ ብኣኽብሮት ይምሕጸነኩም ሰናይ ቅነ
    Your Brother from Aksum………..

  • Petros, Ghirma January 14, 2016

    I think we all know this desperate move is no different than the tricks it played before,__it will die the same,
    I also think all the opposing forces should have a designated committee to counter attack, expose every move it comes with,and in doing so,of course to save those brothers/sisters who are being abused by this trick and others,

POST A COMMENT