Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኪዲ በሊ! ኪዲ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶትኪ

ኪዲ በሊ! ኪዲ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶትኪ ዝኸበርካ በዚሑ ናብ ዕብዳን ስለ ዘድሃበልካ ዝኸበርኪ ክብል እንተመለሰልካ ንኺድ ጥራይ! ኪዲ  በሊ! ኪዲ ንገደልኪ ክጸድፍ’የ ካብ በልኪ! ሓቂ ምዕባጥ ካብ ኮነ ኣመልኪ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶት ምንባር ትሓይሽ እንተልኪ ኣመል ምስ መግነዝ ሓቂ ምዃኑ ካብ ኣረጋግጽኪ ብደም ሰብ

ኪዲ በሊ! ኪዲ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶትኪ

ዝኸበርካ በዚሑ ናብ ዕብዳን ስለ ዘድሃበልካ

ዝኸበርኪ ክብል እንተመለሰልካ

ንኺድ ጥራይ!

ኪዲ  በሊ! ኪዲ ንገደልኪ

ክጸድፍ’የ ካብ በልኪ!

ሓቂ ምዕባጥ ካብ ኮነ ኣመልኪ

ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶት ምንባር ትሓይሽ እንተልኪ

ኣመል ምስ መግነዝ ሓቂ ምዃኑ ካብ ኣረጋግጽኪ

ብደም ሰብ ዝተሓጽበ ሰይጣን ኮንኪ

ብሓሶት ተጠሚቕኪ ብሓሶት ካብ ነገስኪ

ካብቲ ቁጽሪ ዘይብሉ ሓሶትኪ ቁሩብ ከዘክረኪ

ምስ ኢትዮጵያ ኩናት ኣይጀመርኩን ኢልኪ

ክንደይ መንእሰያት ከም ዝቕዘፉ ጌርኪ

ኣብታ ሓቃ ምስ በጽሐት ግን ኣሚንኪ

ፍርድኺ ተቐቢልኪ

ዋላ ክትዓብጥዮ እንተፈተንኪ

ዘይንፈልጥ ድዩ ዝመስለኪ!

ቅዋም ከይትግበር ዶብና ከይተሓንጸጸ እናበልኪ

ኮነ ኢልኪ ዕንቅፋት ከም ዝፈጠርኪ

ንኹሉ ጋህዲ ኮይኑ’ሎ ተንኮልኪ

ምሕሳው ኣመል’ዩ እንተተባህለ’ኳ ድሓን

ንህዝቢ ምልካም ኢዩ ዘይድሓን

ብዙሕ ጸየቕኪ ብደረት ዘይብሉ ሓሶትኪ

ንብዙሓት ጀጋኑ ብሙሉቕ ሙሉቕ ኣጥፊእኪ

ጅግነቶም ዘመስከሩ ጂ15 ኣባላት ብሓሶት ጠቂንኪ ኣሲርኪ

ሃለዋቶም’ኳ ከም ዘይፍለጥ ጌርኪ

ንብዙሓት ደቂ ህዝቢ ኣብ ጎዳጉዲ ኣስፈርኪ

ንጆስዋ ኣይፈልጦን’የ ኢልኪ

ተጻወቲ ኩዕሶ ኣይሃደሙን ኣይተሰዱን ኢልኪ

እዛ ምሕሳው ሕማቕ ኣመል ኣይገድፍን እንተልኪ

ሓሶት ወይ ሞት ካብ ኮነ መትከልኪ

ኪዲ በሊ ንገደልኪ መልሲ ዘይብልኪ

ናይ ሎሚ ከኣ ገደደ ዝሓለፈ ኮይኑ ሓሶትኪ

ከምቲ ‘ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኩሓል

ንዓሻ ሓደ ግዜ ጽረፎ ባዕሉ ክጽረፍ ይነብር’ ዝብሃል

መጸት ከኣ ሞት ህየት ጸወታ ዝለመደት

ሓሶት ከይመሃዘት ዘይተሓድር ዝተባህለት

ፈውሲ ሕፍረት ዝተለኽየት

ሓሶት ዘይውድኣ! ናይ ሓሶት ካባ ዝለበሰት!

ትብል’ያ ትዋሂባትኪ ዘላ ሽመት

በስገዳድ ንሓሶት ሓቂ’ዩ ኢልኩም መስክሩለይ ካብ በልኪ

ፍለጢ ነቲ ተመስጢሩ ትብልዮ ናይ ግፍዒ መዝገብኪ

ቃልዕ ተውጽእዮ ከም ዘለኺ ባዕልኺ

ኣብ ምድሪ ከለኺ ዝነፈርኪ ግዲ መሲሉኪ

ነቲ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ካብ ምሕሳው ምትላል ሓሊፍኪ

ናብ ዓለም ብዓለሙ ነጢርኪ

ዓይንኹም ዓምቱ ጉደይ ከይትርእዩ ምባልኪ

ጋህዲ ኮይኑ ብስልጣን ሰኺርኪ ከም ዝተጸለልኪ

ሓሶት’ምበር ሓቂ ዘይብሉ ታቤላ ቅጥዒ ዘርጊሕኪ

‘ህግደፍ ኣይሕሱ! ኣይኣስር! ኣይቐትል!

ኣብ ሃገርና ቁጠባዊ’ምበር ፖለቲካዊ ጸገም የለን!’

ኢልኪ መስክሩለይ ፈሩሙለይ ምባልኪ ደፊርኪ!

ምስቶም ንኤርትራውያን ‘ናይ ኤኮኖሚ ስደተኛታት ኢዮም!

ንዓዶም ክጥርዞም ኢና፡! እናበለ ዘፈራሆም

ዝኣስሮም ዘሳቕዮም መንግስቲ ኢስራኤል ሓደ ኮንኪ

ከምዛ ምስኦም ዝተመሳጠርኪ

ንዝተሰዱ ዝሞቱ ኣሕዋትኪ ኣሕትኪ

ክሒድክዮም ‘ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን’ ኢልኪ

‘ኣብ ሃገርና ምንባር ስለ ዘይከኣልና

ንፈትዋ ሃገርና ህዝብናን ራሕሪሕና ዝተሰደድና

ሕጂ ከኣ ኣብ ሰደት ከለና

እንታይ ግበሩ ኢኹም ትብሉና

ኣብታ ዘለናያ መጺእኩም ከኣ ምንባር ክትከልኡና!’

ዝብል ኣውያቶም ከም ዘይሰማዕኪ ኮንኪ

ክትሕብኢ’ኳ እንተፈተንኪ

ፍለጢ ኩሉ ውጻእ መዓት ይረገመኪ’ዩ ዘሎ ይረግመኪ

ስለዚ ሰብ ዘይትኾኒ ከም ሰብኪ

ንምንታይከ ነዛ ወርሒ ጥሪ! ተዕብርያ!

ነታ ጥሪ መጸት! እናበለ ህዝብና ብተስፋ ዝጽበያ

ቅድሚ 15 ጥሪ ንሓቂ ክሓዱ ይብሃል!

ምሓሉ ጥሓሉ ይብሃል ብሓሶት!

እዚ ዝኸፍአ ምህዞ’ዩ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ዕድል ዘጸልምት

ነቲ ‘ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ሕሰሙ

ኣይተፈጸመን! ሓቂ የብሉን! ኢልኩም ፈርሙ!

ሓጥያት’ውን ከይፈራህኩም ንዓለም ኣጽምሙ’!

እናበልኪ ብኢድ ሰብ ሓዊ እናሓዝኪ

ትነብሪ ከይመስሊኪ ኣራጢጥኪ

ግፍዒ ብብዝሒ ሓሶት ዝሽፈን ዝሕጸብ መሲሉኪ

ዋላ ብሓሶት ፊርማታት ክትዓብጥዮ እንተፈተንኪ

ፈንቂሉ’ዩ ናብ ኣደባባይ ዝወጽእ ሓሶትኪ

ኣብ ኣደባባይ ዓለም ከዋርደኪ’ዩ ከዋርደኪ

ብዓለም መርማሪ ኮሚሽን ይእከብ ይጻረ ስለ ዘሎ ጥፍኣትኪ

ዘይተርፍ’ዩ ቤት ፍርዲ ምቕራብኪ

ስለዚ ፍለጢ ኣኺላ ከም ዘላ ስዓትኪ

ፍለጢ ከኣ ባዕልኺ ተቀላጥፍዮ ከም ዘለኺ ጥፍኣትኪ

ሓሶት፡ ጥልመት፡ ምድንጋር ኢዩ ዕጥቀይ!

ወይልኡ ትጋገዪ’ለኺ ዝብል ዝጸንሕ ኣብ ቅድመይ!

ኢልኪ ምጥፍእ እንተመሪጽኪ

ዓስ እብለኪ ኪር እብለኪ

እንተዘይሰማኪ ዝብኢ ይብላዕኪ

ወይ ኪዲ ጽደፊ ዝተረፈ ከይለከምኪ

ዝተረፈ ከይለከምኪ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ ጥሪ 8, 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT