Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንነትን፡ ብልጫን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ።

መንነትን፡ ብልጫን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ።   መእተዊ (Introduction) ህዝባዊ ማዕበል ዝበሃል፡ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዝነብረን ፡ዘሎን ጭንቀትን፡ መከራን፡ ማእሰርትን፡ህዝባዊ ህልቂትን፡ ብሕልፊ ከኣ፡  ካብ’ቲ መከራ ክምልጡ’ሎም፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ

መንነትን፡ ብልጫን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ።  

መእተዊ (Introduction)

ህዝባዊ ማዕበል ዝበሃል፡ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዝነብረን ፡ዘሎን ጭንቀትን፡ መከራን፡ ማእሰርትን፡ህዝባዊ ህልቂትን፡ ብሕልፊ ከኣ፡  ካብ’ቲ መከራ ክምልጡ’ሎም፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን ኣስታት 360 ዝኣኽሉ ጥሒሎም ዝሃለቑ ፡ንጹሃት ህጻናትን ፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖ ሓዘን ፡ “ሕጂስ ይኣክል’ባ” ብዝብል ጭርሖ ገንፊሉ ኣብ ብዙሓት ኩርናዓት ዓለም ብደለቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።   

እዚ ህዝባዊ ማዕበል’ዚ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ሕሱም ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ መድረኽ ቃልስናን፡ ዝጠልቦ፡ ብልጫ ዘሎዎ፡ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ሃየ ሃገር ጠፍኤት፡ ኩልና፡ በቢዘሎናዮ ከተማታት፡ ብሓደ  መንፈስ ተጠርኒፍና፡ ብሓደ ድምጽን፡ ተበግሶን፡ ንሃገርና ነድሕና፡ ዝብል ጸውዒት ብምትሕልላፍ፡ ንኹሉ ፡ ውዱብን፡ ዘይውዱብን፡ በርገሳውያንን፡ ብናይ ውልቀ-ሰብ ኣባልነት ደረጃ፡ ዘሳትፍ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ። እንታይነት ናይ’ዚ ህዝባዊ ማዕበል ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በብቦትኡ (locality) ኣዕጊቡን፡ ኣእሚኑን ፡ ዘሳትፍ ሓይሊ ደኣ’ምበር፡ ስልጣን ንምጭባጥ ዝተፈጥረ ውድብ ስለ ዘይኮነ፡ ንኹለን ኣብ በብከተምኡ ተወዲበን ዝቃለሳ ዘሎዋ፡ ውድባት፡ ናይ ኣባላተን ኣባልነት፡ ምስ  ኣባልነት ናይ ህዝባዊ ማዕበል ክምዘይገራጮ ዘረጋግጸለን ኣምር አዩ። ሓደ ካብ’ቲ ብልጭኡ ከኣ ንሱ እዩ።    

ናይ ኩለን ከተማታት እኹል ጥርናፌ ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ንኹለን ከተማታት ብማእከልነት (centralism) ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ናብ ካልኣይ ጸፍሒ ዘሰጋግር ጥርናፌ ንምጅማር፡ ነፍሲ-ወከፍ ጨንፈር ብወከልታ ተማእኪላ ናይ ኣባላታ ርእይቶን፡ ሕቶን፡ ሓሳብን ኣስኒቓ፡ናይ ምልእቲ ሃገር(ከም  ኣመሪካ(USA):ዓዲ እንግሊዝ (England): ወዘተ)ጨናፍር ዝውክል ዓንዲ ሕጊ (By Law) ተጻሒፉ፡ ሓዳስ ናይ መሪሕነት ሽማግለ ትቐውም። እተን ጨንፈራት ኣብ ሓደ ዝጥርነፋሉ(centralization process) ግዜ፡ ነፍስ-ወከፍ ከተማ ኣባል ናይ’ቲ ሓፈሻዊ ጥርናፌ ንምዃንን ፡ ዘይምዃንን፡ ብግቡእ ጥቕሙን ጉድኣቱን ንኣባላት ተገሊጹሎም፡ ብብዝሒ ድምጺ ኣባላታ ይውሰን።  

እቲ ጥርናፌ ብሃገር ደርጃ ምስ ኣረጋገጸ፡ ናብ ስልሳይ ጸፍሒ(ኣህጉራዊ) ጥርናፌ ንምስግጋር፡ ከኣ፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገር፡ ከም’’ታ ኣብ ካልኣይ ጸፍሒ ዝተገልጸት ኣገባብ ጥርናፌ ብምጥቃም፡ ነፍሲ-ወከፍ ተሳታፊት ሃገር ወከልታ ልኢኻ ናይ ኤርትራ ባይቶ ይቐውም። ኣብ’ዚ ጸፍሒ’ዚ እዩ ከኣ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ሓሳብን፡ ርእይቶን፡ ሕቶን፡  ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ’ተን ተወዲበን ክቃለሳ ዝጸንሓ ወድባት ሞያ (credit)ተዋሂቡወን፡ ማዕርነትን፡ብርኪን ፡መሰልን፡ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝሓለወ፡ ቅዋማዊን፡ ደሞክራስያዊን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህግደፍ ኣልጊሱ ይህነጽ። ናይ ህዝባዊ ማዕበል ስራሕ ከኣ ኣብ’ዚ ከብቅዕ ከሎ፡ እተን ተወዲበን ዝጸንሓ ውድባት ኤርትራ ከኣ፡ ብኸመይ ኣገባብ ኣባል ናይ’ቲ ዝህነጽ ሓድሽ  መንግስቲ ከምዝሳተፋ ናተን ውሳኔ እዩ።      

 

 

ራኢ (Vision)

ራኢ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ህላውነት ናይ ህዝባዊ ማዕበል፡ ነቲ ኣብ ሓንቲ ውድብ    ተጠርኒፉ ክቓለስ ብዘይምኽኣል፡ ዓቢ ዕንቅፋት ናይ ተቓውሞ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ዓቢ ሽግር፡ ከም  መተካእታ ዝመጽኤ ሀይኮነስ፡ ቃልሲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓድሽ ራኢን፡ ትልምን፡  ብምጥቃም ምስ’ቲ ህልዊ  ዘስግእ ኩነታት ሃገርና ዝዛመድን፡ መድርኽ ዝጠልቦንኩነታት ብሓባር ንምብዳህ፡ ንህዝቢ ኣለዓዒሉ፡ ብህጹጽ ሃገርና ንምድሓን  ዝተፈጥረ ፈውሲ (panacea) እዩ።

ዓላማ (Goal)  

ዓላማ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ንኹሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብከተምኡ (locality) ብዘይ ሓደ ደረት፡ ኣዕጊቡንን፡ ኣተባቢዕካን፡ ብውልቀ- ሰብ ኣባልነት ጠርኒፍካ፡ ነቲ  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብዘስካሕክሕ  ኩነታት፡ ብቐጻሊ ዝሳቐን፡ ዝቕጥቀጥን ዘሎ ህዝብና፡ ተጠርኒፍካ ንምድሓን፡ ከምኡ ከኣ፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኻእለ መንገዲ ኣልጊስካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እተሳትፍ፡ ቅዋማዊትን፡ ደሞክራስያዊትን፡ ህዝባዊት መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ንምትካል እዩ።         

ሜላ (Approach)

ሜላ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡  በብከተምኡ፡ጠርኒፉን ፡ ኣዕጊቡን፡  ንዓላማን፡ ዓንዲ ሕግን ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣዕጊብካ ድሕሪ ምጥርናፍ፡ ብውልቀ-ሰብ ኣባነት፡ ብሓደ ሰብ፡ ሓደ -ድምጺ ዝብል ማዕርነት ዝተኸተለ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ  መንገዲብምጥቃም፡ ካብ ከተማ ናብ ሃገር፡ ካብ ሃገር ናብ ኣህጉር ዝቐጸለ፡ ስልጣን ዝጭብጥ ውድብ፡ ዘይኮነስ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኣለዓዒሉ፡ ዘሳትፍ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ። ብቅዋም ዝተመርሔ፡ ብዝሒ ድምጺ ኣባላት ዝለዓለ ሓይሊ ኣሎዎ።  ዓላማን፡ ቅዋምን አዕጊብካን፡ ብውልቀ-ሰብኣዊ ኣባልነት ይጥርነፍ።r ኣብ ዝተደለየሉ ግዜ ከኣ፡ እቲ ውጥን (Proposal) ብኣባላት ናይ ነፍስጨንፈር እኹል ዝርርብን፡ ክትዕን፡ ተገይሩሉ ምስ ጸደቐ፡ ንጹር ዝኾነ ናይ ሓባር፡  ንኹለን ጨናፍር  ኣብ ሓንቲ ዝጠምረን፡ ሓደ ናይ ምሉእ ኣመሪካ ውሽጣዊ ሕጊ (By Law) ብወከልተን ደረጃ ኣርቂቐን፡ ምስ ኣጽደቕኦ ንኹለን ጨናፍር ኣብ ሓንቲ ጠሚሩ (ወኪሉ)፡ ኣብ ናይ ሓባራዊ ኣገልግሎት ውዒሉ፡ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ሓንቲ መስመር ኣሰሊፉ፡ ዘበራብርን፡ ዝንቀሳቕስን ሜላ ደኣ’ምበር፡ ንገዛእ ርእሱ  ስልጣን ዝጭብጥ ውድብ ኣይኮነን።       

ብከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣገባብን፡ ሜላን  ኣብ ሃገራዊ ጥርናፌ ምስተበጽሔ፡ ካብ ሃገራዊ ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ይድይብ ። ኣብ’ቲ ኣህጉራዊ ባይቶ ከኣ፡ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝተወከሉ ውፉያትን፡ ብቑዓትን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ መሰልን፡ ጻዕርን ናይ ኩሎም እቶም ንብዙሕ ዓመታት፡ ብውልቀ- ሰብ ደረጃ  ይኹን፡ ብውድብ  መልክዕ፡ ክሳዕ’ታ መድረኽ’ቲኣ  ዘይሕለል ቃልሲ ከካይዱ ንዝጸንሑ ባእታታት እውን፡ እቲ ጻዕሮም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እኹል ክትዕን፡ ልዝብን፡ ናይ ህንካን፡ ሃባን ልዝብ ድሕሪ ምክያድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳቲፍካ፡ ናይ ነፍሲ–ወከፍ ፡ ሰብኣዊ- መሰል  ብግቡእ ተሓልዩ፡ ንኹሉ ፡ ኣብ ሓደ ፡ ትሓቁፍ፡ ቅዋማዊት፡ ደሞክራስያዊትን፡ መንግስቲ ንምህናጽ እዩ ።   

ብልጫ (Advantage)

ብልጫ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዝኽተል እዩ፡

  • እቲ ኣገባብ ቃልሲ በቢከተምኡ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ፡ ናይታ ከተማ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ስለ ዝፋለጥ ንህግደፋውያንን፡ ካልኦት ጸረ ሰላምን፡ ድሞክራሲን፡ ስለ ዝፈልጦም ዕንቅፋት ንኽፈጥሩ ዕድል ኣይህቦምን።
  • እቲ ኣገባብ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ፡ ንህዝቢ፡ ስለ ዝኽነ፡ ማዕርነትን ፡ መሰልን፡ ዕድልን፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ዝሕሉ እዩ።

 

  • መራሕቱ ብዝሓሸ ኣገባብ ንምምራጽ፡ ብብቕዓቶምን፡ ተወፋይነቶምን፡ ምሉእ ኣገልግሎት ንኸህቡ፡ እኹል ግዜ ሙህላዎምን ኣረጋጊጹ፡ ባዕሉ ንምምራጽ’ምበር፡ ካብ ላዕሊ፡ እዚኣቶም እዮም መራሕትኹም ተባሂሉ ንኽወሃቦም ዕድል ዘይህብ ጽንሰሓሳብ እዩ። 

 

  • ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ዝገልጽ፡ ሃገርና፡ ከም ነጻ ሃገር ጠጠው ንምባላ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኩነታት ስለ ዝኾነ፡ አዛ ኣገባብ ቃልሲ’ዚኣ ብዝሓጸረ ግዜ( shortest path to national salvation) ሃገር ንምድሓን ዝለዓለ ዕድል እትህብ ምርጫ እያ።   

 

  • ነቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘሎዉ ተጋደልቲ፡ ምርጭኦም እንተኾይኑ፡ ዘሎዎም ኣባልነት ዓቂቦም፡ ኣባል ናይ ህዝባዊ ማዕበል ንምኳን ትፈቅድ አያ።

 

  • ነቲ ክቃለስ እናደለየ ከሎ ካብ ተስፋ ምቝራጽ፡ ካብ ቃልሲ ርሒቑ ዘሎ ኣካል ከይተረፈ፡ ኣተባቢዑን፡ ኣነቓቒሑን፡ ዘሳትፍ ጽንሰሓስብ ደኣ’ምበር ስልጣን ዝጭብጥ ውድብ ኣይኮነን።                

ሕጽረት (Limitations)  

  • ኣገባብ ኣወዳድባ ህዝባዊ ማዕበል በብከተምኡ (locality) ብ “ሓደ ሰብ ፡ ሓደ ድምጺ” ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ ኣገባብ ጥርናፈ ጥራይ ዝተመስረተ እዩ።

 

  • መሪሕነት (ኣካያዲት ሽማግለ) ልኡኻት ናይ ህዝቢ ኮይኖም፡ ዝወስዱዎ ውሳኔታት ምስ ድምጺ ህዝቢ ምስ ዝገራጮ ፡ ብዓንቀጻት ናይ ውሽጣዊ -ሕጊ ዝውሰን ኮይኑ፡ ድምጺ ህዝቢ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን፡ ሓይልን ኣለዎ። 

 

  3) ብውድብ ደረጃ ወይ ሰብኣይን ሰበይቲን ብሓደ ድምጺ ኣባል ንምዃን ኣይፍቀድን።

 

  • ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ንምሽካም፡ክማላእ ዘሎዎ ቅድመ-ኩነት፡ ብኣባልነት ዝጅምር ኮይኑ፡ ሕጹያት ከኣ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ህዝባዊ ማዕበል፡ ብተወፋይነቶምን፡ ትግሃቶምን፡ ብቕዓቶምን፡  ብግብሪ ዝተመስከረሎም ኮይኖም ፡ ከምኡ ከኣ ተደላዪ ኣገልግሎት ንኽህቡ እኹል ግዜ ዘሎዎም ክኾኑ ኣሎዎም።

 

  • ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ንኹሉ ንኽቃለስ ድሌት ዘሎዎ፡ ደላዪ

ፍትሒ ኤርትራዊ  ጠርኒፉን፡ ኣእሚኑን፡ ኣተባቢዑን፡ ኣነቓቒሑን፡ ንምቅላስ ዕድል ዝህብ ህዝባዊ ጥርናፈ ኮይኑ፡ ብሕልፊ ከኣ፡ ነቲ ካብ ቃልሲ ርሒቑ ዘሎ ንኽቃለስ ባይታ ንምሃብ ደኣ እምበር ኣብ መጨረሻ፡ ስልጣን ዘይጭብጥ ጽንሰሓስብ እዩ ።

 

  • ህዝባዊ ማዕበል ምስ ኩለን ኣንጻር ስርዓት ሂግደፍ ዝቃለሳ ናይ ኤርትራ ውድባት ተሓባቢሩን፡

ተወሃሂዱን ዝሰርሕ ፡ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ከኣ ምስ ኩለን፡ ካልኦት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ኤርትራ፡ ኣባል ንምዃን ኣይኽልከልን።

 

 መደምደምታ (Conclusion)    

ምልዕዓል ህዝባዊ ማዕበል ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ናይ፡ ብጅምላ ማእሰርትን፡ ራዕዲን፡ ህልቂትን፡ ብሕልፊ ከኣ እቶም ካብ’ቲ ኩሉ መከራታት ከምልጡ ክብሉ፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን ኣስታት 360 ዝኣኽሉ ጥሒሎም ዝሃለቑ ፡ንጹሃት ህጻናትን ፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖ ሓዘን ፡ “ሕጂስ ይኣክል’ባ” ብዝብል ጭርሖ ገንፊሉ ኣብ ብዙሓት ኩርናዓት ዓለም ብደለቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

እዚ በብከተምኡ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ፡ ዝብል ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ንላዕሊ ዝጠመተ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝስልቱ ፡ብህጹጽ ሃገር ንምድሓን፡ ገንፊሉ ዝተንሰኤ ህዝባዊ ማዕበል፡ መድረኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህልዊ ዘስካሕክሕ ኩነታት ሃገርና ዝጠልቦ፡ ሕቶታት፡ መልሲ ንምዃን፡ ደኣም’በር፡ መተካእታ ናይ’ተን  ኣብ ሓደ ክጥርነፋ ዘይከኣላ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንምዃን ኣይኮነን።

 ብውልቀ ኣባልነት ደረጃ  ብምጥርናፍ ፡ መሰልን ፡ ማዕርነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብግቡእ ዝተሓለወ እዩ። ማዕረ ቁጽሪ ዕጫ ናይ ዋንነት’ዛ ምንቅስቓስ ህዝባዊት ማዕበል ከም ዘለዎን፡ ዓላማን ዓንዲ ሕግን  ብንጹር ተገሊጹሉ፡ ድሕሪ ምዕጋብ፡ ኣባል ናይ ምዃን፡ ድሌቱ ገሊጹ፡ ኣብልነቱ የረጋግጽ ። ህዝባዊ  ማዕበል ክኣ ንምሉእ ህዝቢ ሃገር፡ ብህጹጽ ጠርኒፋ ሃገርና ንምድሓን ዝተንስኤት ሓይሊ ህዝቢ ደኣ’ምበር ንርእሳ ከም ሓደ ውድብ ስልጣን ትጭብጥ ኣይኮነትን፡። 

 እቲ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፌ ከኣ በቢከተምኡ ጀሚሩ ናብ ሃገር፡ ካብ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ፡ ደርጃ ዘሰጋግር ሓደ መስመር መንገዲ (path) እዩ። ኣብ’ቲ ሳልሳይ ጸፍሒ (ኣህጉራዊ) ጥርናፌ፡ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር   ተወኪላ፡ ሃገራዊ ባይቶ ቆይሙ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣልጊሱ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትትራ ትውክል ቅዋማዊትን፡ ደሞክራስያዊትን፡ መንግስቲ ኤርትራ ትፍጠር ።     

ኣገባብ ኣጠራንፋ ከኣ ብውልቀ ኣባልነት ደረጃ ተሃኒጹ፡ መሰልን ፡ ማዕርነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብግቡእ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከኣ፡ ማዕረ ቁጽሪ ዕጫ ናይ ዋንነት’ዛ  ምንቅስቓስ ህዝባዊት ማዕበል ከም ዘሎዎ፡ ኣሚኑ፡ ዝተሳተፎ ቃልሲ እዩ።

ሓንቲ  ኣገባብ  ህዝባዊ ጥርናፌ ደኣ’ምበር ካልኣይቲ ዘይብላ ኮይና፡ ኣገባብ ኣተሃናንጻኣ ከኣ፡ ሰለሰተ መድረኽ ሃልዩዋ፡ እታ ቀዳመይቲ መድረኽ፡ ናይ በቢ ከተምኡ ናይ መባእታ ህዝባዊ ጠርናፌ እዩ። እታ ካልኣይቲ መድረኽ ከኣ፡ ንኹለን ናይ ሓንቲ ሃገር (ንኣብነት ናይ መላእ ኣመሪካ) ጨናፍር እትጥርንፍ፡ ሓንቲ ንጽርቲ ናይ ሓባር ውሽጣዊት ሕጊ (By Law) ነዲፈን፡ በብጨንፈረን፡ ብወከልተን ተማእኪለን፡  ነታ ናይ ሓባር ውሽጣዊት ሕጊ እኹል መጽናዕትን፡ ክትዕን ፡ ተገይሩላ፡ ምስ ጸደቐት ንኹለን ጨናፍር  ትውክል ናይ ሓባር ውሽጣዊት ሕጊ ትኸውን።

 ኣብ’ታ ሳልሰይትን፡ ናይ መጨረሻን መድርኽ ከኣ፡ ልክዕ፡ ከም”ታ ናይ ካልኣይቲ መድረኽ ኣተሃናንጻ ኣገባብ ፡ብካብ ምሉእ ዓለም ዝተወከሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ፡ሃገራዊ ባይቶ ተፈጢሩ፡ መሰልን ጻዕርን ናይ ኩሎም ብውልቀ ሰብ ወይ ብውድብ ደረጃ ክቃለሱ ንዝጸንሑ ባእታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩልኻ፡ ብሓባር ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣልጊስካ፡ ንመጀመርታ ግዜ ብሃገራዊ ቅዋም እትምራሕ፡ ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ትቐውም።

ዘለ-ኣለማዊ ዝኽርን ፡ ክብርን፡ ንኹሎም ስውኣትና !!           

ክብርን፡ ሞገስን ፡ ንስንኩላንና።

ኤርትራውያን ንሓድነትን፡ ደሞክራሲን፡ ድሕነንት ኢርትራ፡ ጨንፈር ከተማ ስያትልን፡ ከባቢኣን። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT