Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሰረታዊ ጸገማትና ዝፍታሕ ምውጋድ ጨካን ስርዓት ህግደፍ እምበር ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኣይኮነን

ሰላም ንኹሉ ፍጡር እምነ ኩርናዕ ህላወ፡ ምዕባለን ክብረትን ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነት ፍቅርን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ምስ ካልእ ህዝቢ ዝግበር ምሕዝነት ፍሉይነት ኣለዎ። ክልቲኡ ህዝብታት ንብዙሕ ዓመታት ብጉርብትና፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽን ብንግድን ዝተቋረነ ስዝኾነ፡

ሰላም ንኹሉ ፍጡር እምነ ኩርናዕ ህላወ፡ ምዕባለን ክብረትን ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነት ፍቅርን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ምስ ካልእ ህዝቢ ዝግበር ምሕዝነት ፍሉይነት ኣለዎ። ክልቲኡ ህዝብታት ንብዙሕ ዓመታት ብጉርብትና፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽን ብንግድን ዝተቋረነ ስዝኾነ፡ ብልቦና ዝጎደሎም መራሕቲ ነቲ ክውንነት ክተዓናቀፍ እምበር ነቲ ክውንነት ንዘንተ ዕለት ክሓክዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታትን ቅድሚ ናጽነት ኤርትራን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸሰርዎ ህይወት ሰብን ቁጠባዊ ምዕባለን፡ ብሳዕቤኑ ዝተፈጥረ፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ድኽነትን ምንቁልቋል ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ብቃላትን ብኣሃዛትን ዝልካዕ ኣይኮነን። ኣብ ልቢ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ኣብ ክንዲ ፍቅሪ፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝምዕብል፡ ጽልኢ፡ ምጥርጣርን ቅርሕንትን ከምዝስዕርር ኮይኑ። ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ክንዲ ድምጺ ኣዕዋፍ፡ መዝሙር ህጻናት፡ ጸሎት መእመናን፡ ዝሓርሳ ትራክተራት፡ ዝወፍራ  ጥሪትን፡ ብናይ  ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ሓጨውጨውን ምፍጣጥ ሓውን ጥፍኣትን ዝዓጠቁ ወተሃደራት ተተኪኡ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ብሰበብ ዶብ ተወሊዑ ዝተባህለን ክሳብ 2000 ዝቀጸለን ኣዕናዊ ኩናት ድማ፡ ካብ ፈለማኡ ብዘተ፡ ብህድኣትን ብሕግን ክፍታሕ ዝኽእል’ኳ እንተነበረ፡ ብሰሪ ድፉን ኣእምሮን ውልቃዊ ረብሓን ምትህልላኽን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ናብ ዘየድሊ ህልቂት ሰብን፡ ምፍንቃል ስድራቤታትን ቁጠባዊ ዕንወትን ኣኸቲሉ።

ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል፡ ናይ ብሓቂ ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ብድሌት መራሕቲ ዘይኮነ ብምርጫ ክልቲኡ ህዝብታት፡ “ንሱ ወሰኑ ይኹን፡ ንቅድሚት ንጠምት፡ ካብ ኩናት ጥፍኣት እምበር ዝርከብ ፋይዳ የብሉን” መንፈስ ክምዕብል ኣለዎ። እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ሰላም ተበግሶን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንመዓልታት ኣውንታዊ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ኣስቂጡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብመላኺ ኢሳያስ “ብቀረባን ብዕምቆትን ንምርዳእ ንዝርርብ ልኡዃትና ናብ ኢትዮጵያ ንሰድድ ኣለና” ዝበሎን ብድሕሪኡ ዝቀጸለ ቅልጡፍ እወታዊ ምዕባለታትን ዘሕጉስ ብስራት ሰላምን ምቅንጣጥ ደበና ጥፍኣትን’ዩ። እቲ ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሑሉ ዝተራእየ ፍሽኽታ፡ ወካዕታ፡ ሓጎስን ኣእዳው ምጭብባጥን ምስተዓዘብካ፡ “እምበርዶ ትማሊ ጽልእን ምፍጣጥን ነይሩ’ዩ” ኢልካ ነቲ ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ መዋእል ጥፍኣትን ብኽነትን ምእማን ትስእን። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ዘስምዖ ዕልልታን ዘርኣዮ ምቅሉል ኣቀባብላን ንሰላም ክሳብ ክንደይ ብሃረርታ ክጽበያ ከምዝጸንሐን ወረ ውግእ ከምዝጸልእን ዘንጸባርቅ’ዩ።

ምጅማር ጽቡቅ’ኳ እንተኾነ ኣብ መፈጸምታኡ ምብጽሑ ግን ደገፍ ህዝቢ፡ ጽንዓትን ትብዓትን ይሓትት። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚቱ ዘሎ መስርሕ ኢሂን ምሂን፡ ቀጻልነቱን ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ዘለዎ ተኽእሎን፡ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት’ዩ ዘሎ። መስርሕ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ጥሙሓትን ስስዐ ስልጣንን መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ወጻኢ፡ ኣብ ምዕባለን መጻኢ ዕድላትን እቲ ውጹዕ ህዝቢ ዝሕመረቱ እንተኾይኑ ትርጉም ክህልዎን ፍረ ክህብን’ዩ። ብጉልባብ ዶብን ናይ ሞትሎ ሞታሉ ፖለቲካዊ ቁርቁስን ኣሳቢብካ፡ ሕቶታት ህዝብኻ ትዕምጽጽ፡ ሃብቲ ትድልብ፡ ግዜ ትዕድግ፡ ተጻባኢ መርገጺ ትወስድን እንተኾይንካ ግን መለሳ ቆሎስ ጥጥቆ’ዩ። ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ብኩፉትን ብንጹህን ልቢ ዘለዎም መዝነት ህዝቢ ንምግልጋል እምበር መዝሙር ሰላም ብምግዋሕ፡ ህዝቢ ንምጭፍላቅ ክኸውን የብሉን። ካብ ተዋሳእቲ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ቀንዲ ጉዳያት ክንጽበ ንኽእል፡፡

 ህዝቢ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክጽበ ይኽእል

ኤርትራውያን፡ ካብ ናትና ንብሎ መንግስቲ ፍትሒ ዘይረኸብና፡ ብግዳም ክትኮበልና ከምዘይክእል ኣይንስሕቶን ኢና። ሰላም ኣሽምባይዶ ካብ ጎረቤትናን መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ካብ ጓናን ኣብ ርሑቅ ዝነብርን ህዝቢ ‘ውን ኣገዳሲት’ያ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውን ስለዝምልከት፡ ኣብ ውሽጣዊ ውራይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ክንኣቱ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ቅድሚ ብዛዕባ ካልኦት ምውርዛይን ምዝራብን ድማ ቤትና ከነጽርን “እንታይ ጌርና” ኢልና ንነብስና ክንሓትትን ኣለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተባብዕ መስርሕ ሰላም ቁምነገር ክረክብ እንተኾይኑ፡ ኩሉ ንጥፈታቱ ማዕረ ማዕረ’ቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝግበረሉ ጠመተን መኽሰብን፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ዘርሕብሕን ክብሩ ዘረጋግጽን ክኸውን ይግባእ። ከምቲ ገለ መንግስታት ዝፍጽምዎ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካን ሽሕጣንን፡ ንስልጣን ህግደፍ ዝሕሉን ንድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ እንተኾይኑን ግን እቲ ፈሊሙ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሓጎጽጎጽ ክብልን ኣብ መውዳእትኡ ኣይበጽሕን’ዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተኸተሎን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ጨቋኒ ምሕደራን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሜላን፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ክእጎሩን ከርፍሕ ናብራ ከሕልፉን ተገዲዶም ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ መጣልዒ ክብል ዝኾነ ምድላው ከይገበረ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታተይ ክቅበል” ብዝብል ጉልባብ ኣገዲዱን ሓባቢሉን ዳግማይ ክኣስርን ከጋፍዕን ዕድል ዝወሃቦ እንተኾይኑ፡ ዓቢ ጌጋ’ዩ። ሕሉፍ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ከምዘረጋግጾ፡ ብጉልባብ መዝሙር ሰላምን ዲፕሎማስያዊ ርክብን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰለይቲ ብምውፋር፡ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝጨዊ፡ ከምዝቀትልን ከምዘፈራርሕን፡ ንኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ ክፈሉ እናበለ ክቆጻጸር ክምዝፍትን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዝገልጽዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ን20 ዓመታት ንስምምዕ ኣልጀርስን ንብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅደመ ኩነት ንምቅባል ተሓሲምዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንምቅባሉ ሕራይ ምባሉ፡ ተጠቃሚ ወደባት ኤርትራ ንምዃን፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ስለዝተቀርቀረ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጽቅጢ ስለዝገበረሉ ከምኡ’ውን ኣብ ነዊሕ መስርሕ፡ ፍጹም ሕብረት ወይ ፈደረሽን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ’ዩ ዝብሉን ካልኦት ግምታትን’ኳ  እንተለዉ፡ እቲ ቅዱስ ናይ ሰላም ተበግሶ ደም ምፍሳስስን ሃብቲ ንኸንቱ ምብኻንን ዘወግድ ክሳብ ዝኾነ፡ ግዳማዊ እንተታት ከይደርበኻ ሰላም ብጥንቁቅ ኣተሓሕዛ ክተባባዕ ኣለዎ። ኣይ ከም ስርዓት ህግደፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጸገማቱን ቅልውላዋቱን እናፈትሐን ቤቱ እናኣጽፈፈን ምስ ኩሎም ተቀናቀንቲ ንዕርቅን ይቅረን ቀዳምነት እናሃበ’ዩ ምስ ጎረባብቱ ኩለንተናዊ ርክባትን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ዝምስርት ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ክጽበ ይኽእል

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ኣመሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋርን ጽዩፍ ተግባራቱ ንምሽፋንን፡ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ መጣልዒ ወረቀት ክጥቀመሉ ክፍትን’ዩ። ሓቀኛ ባህርያቱ ግን ክቅይር ኣይኮነን። ካብ ብዙሓት ዜጋታት፡ “ሰላም መጺኡ፡ ጸገምና ተፈቲሑ” ዝብል ጽቡቅ ድሌት ይናፈስ ኣሎ። ኤርትራውያን ንሰላም ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ንደልያ ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ዘለናን ክብሪ ዘይብልናን ኤርትራውያን፡ ስደት ክብቅዕን ናብ ሃገርና ተመሊስና ወጣጢ ዘይብልና ህይወትና ክንመርሕን ንደሊ ኣሎና። እንተኾነ ተስፋን ድሌትን ንበይኑ ፍታሕ ስለዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብግቡእ ምግንዛብ የድሊ። ነቲ ሕብሩ እናቀያየረ ዝድህከናን ሃገር ኣልቦ ዝገብረናን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ወደኽደኽ ይብል ኣሎ ከነስተውዕለሉ ኣገዳሲ’ዩ። እንተድኣ ጠንቂ ምቅጻል መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ንጥፈታት ንኸይሰላሰል ምስ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኣሳሰር ነይሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ሰላም ምስተረጋገጸ፡ ዕድል ናይዚ መጻኢ ህይወት ዘይብሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸር ብረት ጸይሩ ዘሎ መንእሰይ እንታይ ከምዝኸውንን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እንታይ ምስምስ ከምዝህብን ግዜ ዝምልሶ’ዩ። እቲ ካብ ቀደሙ’ውን “ምስ ዶብና ኣይተሓንጸጸን” ብዝብል ጉልባብ፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ፡ ህላወ ሃገራዊ ባይቶ፡ ጉዳይ ምርጫ፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዜጋታት ምእሳር፡ ግሉጽነት ዘይምህላው፡ ቁጠባዊ ትካላት ብህግደፍ ምብሓትን ንዕርቂ ቦታ ዘይምሃብን ዝብሉ ጉዳያት፡ ካብ ቀዳምነታት ህዝቢ ኤርትራ’ኳ እንተኾኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብዞም ዝተጠቅሱን ካልኦት  ነጥብታትን መሰታዊ ፍታሕ ከምጽእ ድፍረትን ድሌትን የብሉን። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንልኡላውነትና ንመንግስታት ስዑድ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ኢማራት ዓረብን ቻይናን፡ ሸይጥዎን ኣካርይዎን ዘሎ፡ ሕጂ’ውን ካብ ህዝብና ከዊሉን ዕላማ ስውኣትና ኣራኺሱን፡ ገንዘብ ክግሕጥ፡ ኣጽዋር ክሽምት፡ ስልጣኑ ከናውሕን ህዝብና ክጭፍልቅን፡ ብኢደ ዋኒኑ ንወደባትና፡ መሬትናን ሃብትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ውዕላት ከምዝኽትም ኣየጠራጥርን። መጻኢ ዕድልናን ምሩጻት ደቅና ዘወፈናላን ሃገር፡ ብውልቀ ሰባት ክውሰን ዕድል ክንህብ የብልናን።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ሰላምን ምዕባለን ኤርትራን ህዝባን ብልቢ ዝቁርቆር እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ኣነየ ዘማሓድረካ፡ ኣነ ዝበልኩኻ ፈጽም፡ ኣብ ትሕተይ ተመለኽ” ዝብል ዘይፍትሓውን ዘይቅቡልን ረጋጺ ፍልስፍና ኣቋሪጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለላ ዝደኸመላን ሃገሩን መንነቱን ባዕሉ ክውንና ዕድል ክወሃቦ ይግባእ። ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ እንተድኣ ኮይኑ፡ እቲ ልዕሊ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ተበታቲኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ናብ መሬት ዓደቡኡ ተመሊሱ ሰላማዊ መነባብሮኡ ከካይድ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥር ኣለዎ። “ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይክፈልካን፡ ንህግደፍ ዝቃወም ርእይቶ ሂብካ፡ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ኣይተሳተፍካን፡ ምስ ተቃወምቲ ሰልፊ ኣካይድካ” ዝብሉ ዘረሓሕቅን ሓድነት ዘላሕልሕን ሜላ ከብቅዕን ናይ ዕርቅን ምክብባርን ማዕጾ ክርሖን እዋኑ ዝጠልቦ ልቦና’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ እናተጨፍጨፈን ሰብኣዊ መሰሉ እናተረግጸን እንከሎ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ገይረን” ኢልካ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ምዝላል ንሕቡእ ኣጀንዳ ህግደፍ ደገፍ ምሃብን ኣብ ዝባንና ሸሸ ክብል ዕድል ምሃብን’ዩ ዝቁጸር። ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ሰላምን ምክብባርን ክረጋገጽ ዝኽእል፡ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ምስ መንግስታት ወይ ትካላት ውዕላት ምፍርራም ዘይኮነ፡ ነቲ ናጽነት ክውን ንምግባር ዝተጋደለ ህዝቢ ኤርትራ ክሕብሕብ ምስዝኽእል’ዩ። ዝኾነ መንግስቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱ እናተጋህሰ እንከሎ ምስ ስርዓት ህግደፍ ምምሕዛው ትርጉም ዘይብሉ፡ ዘይፍትሓውን ግዝያውን’ዩ። ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ናብ ስደት ዝበታተን ዘሎ ህዝብና፡ ምስ ባሕርናን ፍርያም መሬትናን እንከለና ብሓለንጊ ጥሜት ንግረፍ ዘለና፡ ምውጋድ እቲ ብዘይ ቅዋማዊ መንግስቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይወከሎ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨካን ስርዓት ህግደፍ እምበር ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ንበይኑ ፍታሕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ድማ ውሽጥና ብሕሩሩን ቤትና ከየጽረናን ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ጎረቤት ሃገር ክንሕጎስን ክንከብርን ኣይንኽእልን ኢና። ቅድሚ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ብፈንጠዝያ ምቅባልን ሕግብግብ ምባልን፡ ብዛዕባ’ቶም ብህይወቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዝተቀብሩን ዝሳቀዩን ዘለዉ ወገናትና “ኣበይ ኣለዉ” ወይ “ስለምታይ ፍትሒ ዘይረኽቡ” ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ህርፋን ሽመትን ዝና ንምርካብን እምበር፡ ብዛዕባ ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ፋዕራ የብሉን። ዕላማታት ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ንኸየድህብ ኣብ ጓል መገዲ ምህውታትን ይሰርሕ ከምዘሎ ክግንዘብ ኣለዎ። ኤርትራውያን፡ ንውራይና ዕሽሽ ኢልና ኣብ መፈንጠራ ስርዓት ህግደፍ ክንኣቱ፡ ምስኮነ ምጣዓስን መጻኢ ዕድልና ኣብ ጸልማት ክንድርብዮን የብልናን። “ኣሓ ምስ ሓራዲኣን ማይ ይሰትያ” ከምዝብሃል፡ ሕጂ’ውን፡ ኣዳራሽና ዘፍረሰ፡ ደቅና ዘጥፍአ፡ ንብረትና ዝዘመተ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ዝዳጎነ፡ ክንስደድ ዘገደደና፡ ብሓይሊ ዝገዝኣና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምስ ጋዕ ገልጠሙሓንጊርናዮ ምቅጻል ወይ ምጉሓፉ እቲ ውሳነን ምርጫን ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 8 ሓምለ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Hagherawi July 9, 2018

    I have a feeling that Higdef will not survive for long. They cannot have peace and tens of thousands missing, at the same time. It’s either peace and supremacy of law or the usual fascist regime which will eventually decay with time.
    Higdef’s lies and war propaganda to justify it’s repression is over.
    But we need to work hard to remove the brutal clique from the stage.

  • AHMED SALEH !!! July 9, 2018

    Me too I have the feeling something
    positive will come to Eritreans issues
    after Dr. Abiy visit .
    Insha-Allah our people see the light
    of hope , reform and peaceful transition for common good .
    HGDF must retire soon .

    • Hagherawi July 10, 2018

      Brother Ahmed

      Higdef cannot be reformed. The top leaders of this fascist clique are all in their seventies. Iseyas and his supporters are already in trouble because they are not used to live in peace. They need a new enemy.
      It serves them as a pretext to keep internal situation of the country intact. But they will realize soon, that this time around, Eritreans are ready to pay the heavy price need to bring about real change.

  • k.tewolde July 10, 2018

    God is working here as He always does,men can make and break rules,forge new alliances and dismantle them the next day,love on the weekend and hate your guts when Monday comes around.that’s the nature of men.The steady One keeps on giving love in abundance,it is His work.Let him do His miracle.This heavenly Tsunami will expose all kinds of debris and sterilize the ugliness of sin.This is the beginning of the end of our tormentors,because their essence is incompatible with the Almighty’s intent for the poor people of this 2 brotherly nations.God is good and He is always in time.

    • k.tewolde July 10, 2018

      read ‘in time’ as ‘on time’. Thanks believers.

      • AHMED SALEH !!! July 10, 2018

        Comrades for peace and justice inside &
        outside the country ;
        A door has opened to look ourselves in
        a mirror . Ethiopian
        youth uprising was the main factor to
        bring change . Nothing comes for free without a price to pay .

POST A COMMENT