Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ዳግማይ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ!

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ድሕሪ 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መወዳእታ 50ታት፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ተዓኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ፡ ኣብ ኢድካ ኸሎ

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ድሕሪ 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መወዳእታ 50ታት፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ተዓኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ፡ ኣብ ኢድካ ኸሎ ልማኖ` ተባሂሉ ዝተደርፈሉ ዘመን እንሆ ዳግም ተመሊሱ። ስለምንታይ!

እቲ ዝገርምን ዘሕዝንን፡ እቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ምድንጋርን ምጥፋእ መኣዝንን ምስቲ ናይ ሓምሳታት ብምንጽጻር ክርአ ኸሎ ዘይምኽኑይ ምዃኑ እዩ።

ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘይማዕርነታዊ ፈደረሽን ተቖሪና ምንባራ ንገዛእ ርእሱ እኹል ምንጪ ምድንጋር እዩ። ብመሰረቱ ፈደረሽን፡ ክልተ ሃገራት መንግስታተን ኣጻሚደን ዝመሓደራሉ ስርዓት ብምዃኑ፡ ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ሃውህው ከምዝፈጥር ከምዝኽእል `ውን ርዱእ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ናይ ኤርትራ ፈደረሽን፡ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምቚራን መታን ክጥዕም ብፍላጥ ንምትላል ከምዝምችእ ኮይኑ ስለዝተዋደደ፡ ብሰንኩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንተተደናገረን ኣንፈቱ እንተጥፍአን ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ ትሑት ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብና፡ ሓያላን ሃገራት `ውን ካብዚ ናይ ሎሚ ብዝተፈልየ መንገዲ፡ ረብሓታተን ከተግብራ ብዘይሕብእብእ ዝንቀሳቐሳሉ ዝነበራ እዋን ብምዃኑ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ወለዶ ክትሓምዮ ዘምሕር ኣይኮነን።

ክንዲ ዝኾነ ኸኣ `ዩ፡ እቲ ዝቐጸለ ወለዶ ኤርትራ፡ ነቦታቱን ኣባሓጎታቱን ከይከሰሰ፡ ነቲ ናይ ሽዑ በደልን ጌጋን ብዕጥቃዊ ቃልሲ ኣሪሙ፡ ብደም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር፡ ንናጽነት ኤርትራ ብረፈረንደም ሕጋውነት ኣልቢሱ ኣህጉራዊ ተፈላጥነቱ ዘረጋገጸ።

ነዚ ናይ መድረኽና ምድንጋርን ምጥፋእ ኣንፈትን ሓደገኛ ዝገብሮ እምብኣር፡ ናጽነትና ብደምን ቀለምን፡ ብመስዋእትን ብሕግን ተመልኪቱ ክንሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረ ደብዛዝ ዘበን ብዘይፍለ መጠን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ምህላዉ እዩ። ልዕሊ ኹሉ፡ ፈደረሽን `ሞ ኸኣ ከምቲ ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ድሮ ዝተወሓሓደ ፈደረሽን ክትምንዛዕ ከለኻን ብመስዋእቲ ዘምለስካዮ ናጽነት ካብ ኢድካ ክመልቆካ ኸሎን በበይኑ እዩ። 

ኣብ ከምዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ዘዋህልሎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕዳ፡ ንሃገርና ናብ ትሕቲ መሬት ዘስጥም፡ መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ከኣ ነታጒ ተነጺፎም ኣብ ስቓይ ከምዝነበሩ ዝገብር ታሪኻዊ ዕዳ ምዃኑ እዩ።

ቀደም ልኡላውነትና ጥራይ እዩ ተመንዚዑ፡ እንተሎሚ ግን፡ እቲ ልኡላውነትና ንምምላስን ንምዕቃብን ኣብ ክልተ ዙርያታት ኲናት ዝኸፈልናዮ ናይ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ሓርበኛታት መስዋእቲ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዘጥፋእናዮ 30 ዓመታት፡ ብምስምስ ዶባዊ ኲናት ዝኣተናዮ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ተደመሮ፡ እቲ ንህዝብና `ብኣይሰላም ኣይኲናት` ጅሆ ሒዙ፡ ቅዋማዊ ሕጋዊ ስርዓት ናይ ምትካል መስርሕ ዘጠቓለለ ወርቃዊ ግዜን ዕድልን ዘባኸነሉ 18 ዓመት `ውን ንኸስሮ ስለዘለና፡ እቲ ዕዳ መዳርግቲ የብሉን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ቅልውላው `ዚ፡ ምድኻም  ሃገራዊ መንፈስን ዋሕዚ ስደትን ኤርትራዊ መንእሰይ እንተወሲኽናሉ፡ ኤርትራ ኣስከሬን ጥራይ ተሪፋ; ኣሽንባይ ዶ ዕዳ ክትስከም፡ ብኣካላ ደው `ውን ክትብል ኣብዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ ስለዘላ፡ ይኽደነና ዘብል እዩ።

ወዮ ደኣ ምንጪ ምጥፋእ መኣዝና ብቐሊሉ ተረዲእና፡ ጠንቁ ከነለሊ ብሳዕቤን ንጅምር ኣለና እምበር፡ እቲ ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ቴማ፡ ባህርያት ናይዚ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ብጉያ ጉያ ዳግም ዝምስረቶ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ሎሚ ሰንበት 8 ሓምለ ናብታ ትማሊ ኣውራ ጸላኢቱ ዝነበረት ኤርትራ ክሳብ ናብ ምብጻሕ ዘኽኣሎ ርክብ፡ ቅጥዑን ትሕዝቶኡን ሳዕቤኑን እዩ። እንተኾነ፡ ላዕለ-ላዕሉ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ቀንዲ ሱሩ ፈቲሽካ ክርአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ጩራ ሰላም፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ 27 ዓመታት፡ ድሕሪ ናጽነቱ ዝረኽቦ ዝዓበየ ተስፋ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብፈለምኡ `ውን ብምኽንያት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዘጠብስ ኣይነበሮን። እቲ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ እንተዝነበር፡ ብሕድሕዳዊ ዘተን ምርድዳእን፡ ብሕግን መንጎኝነትን ክፍታሕ ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን`ምበር መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንህዝቦም ዝኣወጁዎ ምኽንያት ኲናት ጉዳይ ዶብ `ኳ እንተኾነ፡ ንዓኣቶም ነናይ ገዛእ ርእሶም ካልእ ውሻጣዊ ምኽንያታት ከምዝነበሮም፡ እንሆ ብኣፍን ብተግባርን ተረጋጊጹ።

ኢዋእ ደኣ፡ እቲ ቦኽሪ ወለዶኡ ካብ ሳሕል ዘይተመልሱዎ ፡ 20 ዓመት ዘዕበዮም ሓጸልጸል ዝብሉ ሕሳስ ልደ መንእሰያት ደቁ ምእንቲ ውዲት ኢሳይያስ ዝሃለቑዎ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ነቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ዝገበተ እሳሕኮንን ሕልናን ዘይብሉ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ከም ባሪስታ ምስ ዝመጽአ መራሒ ክምስምስ ምባል ግዜ ኣይወስደሉን እዩ።

ነቲ ዓይንን እዝን ዘለዎ፡ እቲ ሓቂ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ በሪሁሉ ዝጸንሐ ይኹን`ምበር፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ስምምዕ ኣልጀሪስን ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተተግበረ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይንዛረብን ኢና፡ ክብል 16 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ላል ኣቢሉዎ ክንሱ፡ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠለቡ ምሉእ ብምሉእ ከተግብሮ ቅሩብነቱ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ግልብጥ ኢሉ ፡ `ኣይፋልን፡ ጉዳይ ዶብ ይጽንሓልና ቀዳምነትና ምርግጋእ ኢትዮጵያ እዩ` ኢሉ ካብ ትግባረ ናይቲ ውዕልን ውሳኔን ምድሕርሓሩ ንገዛእ ርእሱ፡ ኣብ ዕንደራ ኲናት ዘእተዎ፡ ናይ ኤርትራ ዶብን ልኡላውነትን ዘይኮነ፡ ኣብዚ ዞባ`ዚ ሃጸይ ኢሳይያስ ናይ ምዃን ጥሙሑ እናሃሰሰ ብምኻዱ ከምዝኾነ  እዚ ጭብጢ `ዚ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ።

እዚ ኣበሃህላ`ዚ፡ ነቲ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ጉዳይ ዶብ ባድመ ኣብ ዘበኖም `ውን ኣካራኻሪ ኮይኑ ጥርዓን ምስ በጽሖም፡ ኣብቲ `ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን` ዘርእስቱ ካልኣይ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ `ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ኣካል ኮይነን እንድየን። ብዛዕባ ዶብ ክሳብ ክንድ`ዚ ዘሰሓሕብ እንታይ ኣሎ? ` ዝበሉዎ ዘረባ ዋላ ሓደ ዝፍለ የብሉን።

እቲ ፍልልይ፡ ንሶም ድሮ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣብ ዘእተዉሉ ግዜ ዝበሉዎ ክኸውን ከሎ፡ ኢሳይያስ ነታ ብደምን መስዋእትን ዝተረኽበት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጣ ድዩ ክልውጣ ኣብ ዘይተፈልጠሉ ግዜ ይገብሮ ምህላዉ እዩ ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጭፍርኡን፡ ነቲ `ዶብና ከይተሓንጸጸ ዘበት` ክብሉ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንምሓዝ ን 16 ዓመት ዝተጠቕሙሉ ምስምስ፡ 360 ዲግሪ ተጠውዮም `ኣይፋልን ኣየድልየናን `ዩ` ምባሎም ብጭብጢ እናማሳኸርና ክንዛረበሉ ዝቐነና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ባዕላቶም እቶም ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሑ ልኡኻት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ጉንዲ እዝኖም፡ ድሮ ናብ ፓሳጆ ምጽዋዕ መደባት መገሻ ዘውጽአ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ  ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ዝኣዘዘ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ስቕ ኢሎም ሰሚዖሞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፈኾስኮስ ብዝተሓወሶ ቃላት ከዳምቑዎ ከለዉ፡ እቲ ክዕፍኑዎ ዝሓሰቡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ ሰሚዑዎ ስለዘሎ ተወሳኺ መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ብቋንቋ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ብቋንቋ ናይቶም ኣብ ጎደናታት ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ዝጭድሩ ዘለዉ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ንዶር ኣቢይ ምድጋፍ ማለት ንወያነ ምቅዋም ማለት ከምዝኾነ፡ ምስ ኤርትራ ሰላምን ዕርቅን ምግባር ማለት፡ ንኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ከም ምምላስ እዩ። ነዚ ስምዒት`ዚ ብቐጻሊ ዘጓሃሃሮ ዘሎ ድማ፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ወሲዱዎ ዘሎ ግልቡጥ መርገጺ፡ ከምኡ `ውን ንዶር ኣቢይ ብምምጓስ ንወያነ ንምንእኣስ ዝተጠቕመሉ ሜላ እዩ።

እዚ፡ ምናልባት ንግሩሃት፡ ኢሳይያስ ምስ ወያነ ንዘለዎ ህልኽ ከም ናይ ምውጻእ ኣጋጣሚ ዝተጠቕመሉ ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። ንቐጸላታት ናይቲ ሽጉርቲ በብሓደ ቀሪፍካ፡ ውሽጡ ብዕምቆት እንተተፈትሽካዮ ግን ዝኸበደ ትርጉም ኣለዎ።

ብቐንዱ፡ ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ እንተላይ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዝጸንሖ ተወላዋሊ መርገጺ ዘቃልዕ መረዳእታ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጥንቀቐሉ ዘለዎ ዝኸበደ ስግኣት እምብኣር፡ እቲ ኣብ ኣየር ዝርአ ዘሎ ግዝያዊ ምሕጓስ ኣምሓራን ምቕራጽ ወያነን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ንነብሱ ከም ዋሕስ ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራ ኣምሲሉ ዝተዋሰአን ንህዝቢ ኤርትራ ዘእምነነን ኢሳይያስ፡ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰልክዩ ዝንብርከኸሉ ምቹእ ግዜ ክጽበ ዝጸንሐ፡ እቲ ዝዓበየ ሓደጋን ስግኣትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሱ፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ምዃኑ እዩ።

ቴማና እምብኣር ኣብዚ ሱር ናይዚ ስግኣት`ዚ ዘተኮረ እዩ ክኸውን።

ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ፡ ኢሳይያስ፡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መሳልል ሕልሚ ሃጸይነት (Capitalism ማለት ኣይኮነን – ከም ሃጸይነት ዮሃንስ/ቴድሮስ/ምኒሊክ ማለት ኢዩ)  `ዓባይ ኢትዮጵያ` ደኣምበር፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ እምነት ኣይነበሮን። እዚ ድማ፡ ብታሪኻዊ መርትዖታት ክረጋገጽ ዝኽእል ሓቂ እዩ።

ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ምስኦም ሳሕል ስለዝነበረ ጥራይ፡ ንኢሳይያስ ተጋዳላይ ዝብሉዎ `ኳ እንተኾኑ፡ ንሳቶም ኣጀንድኡ ኣይፈልጡዎን እዮም፡ ብሃምነቶም መታን ከይተሓዘሎም ከኣ፡ ዋላ እናተቓወሙዎ ከለዉ፡ ሓንሳብ ብጻይ ኢሳይያስ፡ ሓንሳብ ፕረዚደንት ኤርትራ ክብሉዎ ይስምዑ።  ዋላ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ተረፍመረፍ ኣስተብሂልኩሙሎም እንተደኣ ኮይንኩም፡ ኢሳይያስ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ፡ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ምዃኑ ካብ ጅቡኡ ኣውጽእ ኣቢሉ ምስ ኣወጀ፡ ዘይተዛተናሉ ብምምባል `ኳ ከየተሓሳሰቦም፡ ከም ሰቦም ሃንደበት ኮይኑዎም ካብ ሰቦም ንላዕሊ ከጣቕዑ እዮም ተራእዮም።  ብሓቂ የደንግጹ!

ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐትሎ፡ ግርህነትን ቃልዓለምን እዩ። ወዲ እዝጊሄር ስለዝኾነ፡ ዋላ ንሰይጣን ከይተረፈ ኣምላኽ ክገብሮ እዩ ዝደሊ፡ ሕማቕ ስለዘይፈቱ። እቶም ጉጅለ 15 እናበልና እንዝክሮም፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘፍረዮም፡ ኢሳይያስ ብሓደ መዓልቲ ኣብ ሸላታት ዒራዒሮ ሓይሩ ዘሕቀቖም መራሕቲ ምስ ኢሳይያስ ዝነበሮም ፍልልይ ንኣብነት፡ እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህርያት እዩ። እዞም 11 ሰባት ንኢሳይያስ ክቐትሉዎ እንተዝደልዩ ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ጥይትን ኣምሰኣኑሉን። ካብኡ ንላዕሊ ዝተኮሱ ጀጋኑ እዮም ነይሮም። ይኹን`ምበር ካብቲ ጓል ሂቡ ምስ ሰብ ሕኒኡ ዝዛመድ ሕብረተሰብ ስለዝተፈጥሩ፡ ኤርትራዊ መንፈስን ሕልናን ደምን ስለዘለዎም ኣይወዓሉዎን። ንሳቶም ነዚ ሓደ ክንሕፉዎ ከለዉ ግን፡ ንሱ ነቶም ዓሰርተ ኣየናሕሰየሎምን። እዚ ኸኣ ኢሳይያስ ምስዞም ናይ ብሓቂ ኤትራውያን ንዘለዎ ናይ ባህልን ስነምግባርን ኣተዓባብያን ፍልልይ ዘርኢ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ዘግድዖ ፡ ነቲ ስሚ ናጽነትን ኤርትራዊ መንፈስን ዝኾነ ኢሳይያስ ዘዐወቶ ዘሎ ድማ እዚ ኣብ ባህሊ ዝተመርኮሰ ናይ ልውሃትን ጭካነን ፍልልይ እዩ።

ኢሳይያስ ጸረ ናጽነት ኤርትራ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ቅርሕንትን ኣለዎ ክንብል ከለና ንማለቱ፡ ጸለሎ ክንቀብኦ፡ ንጸለመ እንብሎ ዘለና ነገር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ንኢትዮጵያውያን፡ ብሕልፊ ንኣምሓራ ምጭባጥ ስልጣን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መሲጡዎም ዘሎ ንወያነ ብምድኻሙ ጥራይ ኣይኮነን። ነታ ብቓልሲ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ተነጺላ ናጽነታ ዝጨበጠት ኤርትራ፡ እንተኾነ ብምልእታ ንኤርትራ፡ እንተወሓደ ድማ ዓሰብ ከምልሳ ይኽእል `ዩ ዝብል እምነት ስለዘለዎም `ውን እዩ። ኢሳይያስ ባህጎም ኣብ ምምላእ ክተሓባበሮም ከምዝኽእል ድማ ምሉእ ዘይጉዱል ተስፋ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ከኣ `ዮም ኣብቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምድጋፍ ንወያነ ዝኾኑኑሉ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣብቲ ናይ ጃንሆይ ባንዴራ ስእሊ ኣቢይን ኢሳይያስን ኣመዓራርዮም ቪቫ ኣቢይ ቪቫ ኢሳይያስ እናበሉ ክጭድሩ ዝስምዑ ዘለዉ።

1ይ ጭብጢ – ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ

ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ንሓያለ ዓመታት ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ `ሞ፡ ቅድሚ ምውዳቕ መንግስቱ ሃይለማርያም ንስርዓት ደርግ ገዲፉ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተተ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ብወገኑ፡  ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ሓጎሱ ንምግላጽ ብእንግሊዘኛ The moment of Truth for Eritrea and Ethiopia እቲ ሓቀኛ ህሞት ኤርትራን ኢትዮጵያን` ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸንሓፎ ዓንቀጽ፡ ነዚ ክንብሎ ዝጸናሕና ባህርያት ኢሳይያስ ዘረጋግጽ ሓቅታት ኣስፊሩ ኣሎ።

ንሱ ቅድሚ ናጽነት ንቁሩብ ግዝያት ንኢሳይያስ ከምዝረኸቦ፡ ኣብ 1991 ህወሓትን ህግን ናብ ርእሰከተማታት እናገስገሱ ከለዉ `ውን ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚታት ከምዝነበረ ይጠቅስ። ብዛዕባ መለስ ዘለዎ ርእይቶ ምስ ተወከሶ፡ ኢሳይያስ `ንኢትዮጵያ ዝበቅዕ መራሒ ኣይኮነን። ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ዓባይ ሃገር ክመርሕ ኣይክእልን እዩ። ኣሽንባይ ዶ ንኢትዮጵያ ንመቐለ ኳ ክመርሕ ዝኽእል ኣይኮነን።` ከምዝበሎ ይዝክር። በቲ መልሱ ኣዝዩ ከምእተገረመ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ` እሞ ኸ ደኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ከመይ ኢልኩም ተፍቅዱሉ ኣለኹም፡ ስለምንታይ ንብምልእታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደሚርካ ዘይትርከበን፡ ኢትዮጵያውያን ከም መራሒ ናይ ሓንቲ ሓድነታ ዝተሓለወ ሃገር ክቕበሉኻ ጸገም የብሎምን። ኣነን ብጾተይን ኳ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ንምድጋፍ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ውድብ ቀልጢፍና ምቐየርናዮ` ከብል ከምእተዛረቦ የመልክት። ሽዑ ገለ ካልኦት ኤርትራውያን ሰብ መዚ ከምዝነበሩ፡ ንሱ `ውን ብስለሺ ፍስሃ ዝተባህለ ዓርኩ ተሰንዩ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ቅድሚ ምምላሱ ንገለ ካልኢት ስቕ ኢሉ፡ ጸኒሑ፡ ኣትርር ኣቢሉ ህዝባዊ ግንባር ንኸም`ዚ ዝኣመሰለ ኣጀንዳ ኣይተመስረተን፡ እቲ ቃልሲ ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ስለዝተኻየደ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰዓት ነቲ ዕላማ ክትቅይሮ ዝከኣል ኣይኮነን።` ከምዝበሎ ይጠቅስ።

እንተኾነ ኣልግብ ኣቢሉ፡ ` ኣይትጠራጠር ሚስተር ዳዊት፡ ናጽነትና ምስ ረኸብና፡ ቀዳምነትና፡ ነዚ ህዝቢ ብፈደራላዊ ዓይነት ምሕደራ ከም ዝሓብር ምግባር እዩ` ኢሉኒ ይብል።

ሻለቃ ዳዊት፡ ነዚ ጥቕሲ `ዚ፡ ኣብዚ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ሕግብግብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ምልዓሉ፡ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ።፡ `እቲ ኢሳይያስ ቀደም ዝኣተወለይ መብጽዓ መዓልቱ ኣኺሉ` ንምባል ዝዝክሮ ዘሎ እዩ።

ከምቲ ባዕሉ ኣብዚ ዓንቀጽ`ዚ ዝእምቶ ድማ፡ እቲ መዋእሉ ተጣባቒ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኾነ ብዓል ስልጣን ኣብ 1989 ነቲ ብጀነራላት ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከወሃህድ ካብ ወጻኢ ማዕረ ንናቕፋ ዝኣተወሉ ምኽንያት በዚ ካብ ኢሳይያስ ዝረኸቦ ተስፋ ተተባቢዑ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

2ይ – ጭብጢ – ተኣምራት ላይነ

ስርዓት ደርግ ኣብ ስልጣን ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ መራሒ ናይቲ ምስ ህውሓት ልፍንቲ ገይሩ ኣካል ኢህወደግ ዝነበረ ኢህደን ዝብሃል ናይ ኣምሓራ ውድብ፡ ድሕሪ`ቲ ናይ 1991 ለውጢ ክሳብ 1995 ጠቕላሊ ሚኒስተር ኮይኑ ዝሰርሐ ተኣምራት ላይነ፡ ልክዕ በቲ ናይ ሻለቃ ዳዊት መንፈስ፡ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምዃኑ ሓጎሱ ብምግላጽ ምስ ሓንቲ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ሎሚ ቕነ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ “ኢሳይያስን ኣቢይን ልባዊ ምይይጥ ገይሮም፡ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ናብ ሓድነት፡ ካብኡ ሓሊፉ ተጠቃምነት ዓሰብ ጥራይ ዘይኮነ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ዋንነት ከምዝህልዋ ናብ ምግባር ዝበድጽሕ ዶ ይመስለካ` ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምለስ ከሎ፡

`መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ስምምዕ`ዚ ብልቢ ከምዝደልዮ፡ ጉዳይ ባድመ ንወያነ ንምድኻም ሒዙዎ ዝጸንሐ ስልታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ነዊሕ ዕላምኡ፡ ዋላ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝነበሮ ድሌት ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባውን ፖለቲካውን ውህደት ምዃኑ ይሕብር። ንሱ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብግሉ፡ ምስ ክልተ ላዕለዎት ወከልቲ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ፈደረሽንን ኮንፈደረሽንን ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ምዝርራብ ሓሊፎም ጽሑፋት ከይተረፈ ከምእተለዋወጡ ይገልጽ። እቲ ጉዳይ ምስ መለስ ዜናዊ ኣጋጭዉዎ ከምዝነበረ `ውን ይጠቅስ።

`ብናተይ እምነት፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ርክባት እንተተጀሚሮም ናይ ባድመ ይኹን ናይ ካልእ ዶባት ሕቶ ባዕሉ ክጠፍእ እዩ፡ በንጻሩ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሊ ኮይኑ ከዛርብ ዝጸንሐ ጉዳይ ዓሰብ መፍትሒ ክርከበሉ እዩ።` ብምባል፡ ኢትዮጵያ፡ ቁጥባውን ፖለቲካውን ጠለባት ኤርትራ እንተደኣ ኣማሊኣ፡ ኢትዮጵያ መጀመርያ ብውሑድ ክፍሊት፡ ደሓር ብነጻ ተጠቃምነት፡ ኣብ መወዳእታ ወደብ ዓሰብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል መረዳእታ ከምዘለዎ ይገልጽ፡ በዚ መንጽር፡ እቲ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ድማ የገንዝብ።

3ይ ጭብጢ –  1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር፡ መለስ ዜናዊ ምስ ፓል ሄንዝ ዝተባህለ ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ካርተር፡ ኣብ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኣብ ቱርኪ ከምኡ `ውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ መደበር ሲ ኣይ ኤ ዝነበረ ብዓል ስልጣን ቅድሚ ናጽነት ኣብ 1990 ዝገበሮ ቃለመጠየቕ።

ፓል ሀንዝ – ን መለስ ንጉዳይ ምንጻል ካብ ኢትዮጵያ ብምውድዳር ምስ መርገጺ ኤርትራውያን ብኸመይ ትርእዮ ኢሉ ንዝሓተቶ ሕቶ።

መለስ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሓደ ጸገም ኣለዎ፡ ንሱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ደርግ ኣዝዩ ስለዝጸልኦ ናይ ምንጻል ስምዒት ኣሕዲሩ ምህላዉ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣስመራ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ ግዜ ናጽነት ክእውጅ እዩ ዝደሊ። ኢሳይያስ፡ እዚ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገማት ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ዝሓልፈ ዓመት ነዚ ጉዳይ `ዚ ብዙሕ ሓሲቡሉ እዩ። እንተኾነ ካብ ህዝቢ ብርቱዕ ጸቕጢ እዩ ዘለዎ። ንዕኡ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ እዩ።

ፓል ሄንዝ፡ እቶም ኣብ ከበሳ ዝርከቡ ክስርስትያን ኤርትራውያን ማዕረ`ቶም ኤርትራውያን ኣስላም ቅልጡፍ ምእዋጅ ናጽነት ይደልዩ `ዮም ማለት ዲዩ?

መለስ፡ ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ዝተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘሎ። ብሓፈሻ ግን፡ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት እዩ ዝደሊ ዝብል እምነት እዩ ዘለና። እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይክርድኡዎ ይኽእሉ እዮም። እዞም ህዝቢ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣጸቢቖም ኣብ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ዝነበሩ እዮም። ይኹን እምበር ናይ ሽዋ ኣምሓራ ነቲ ስምዒት `ቲ ደምሲሶሞ። ኤርትራውያን ደቂ ከበሳ ካብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንላዕሊ ክቱር ተርባጽ ናጽነት ኣለዎም። ኢሳይያስ፡ ኣብ ናጽነት ብድሆታት ከምዘለዎ ይርኣዮ እዩ፡ ተሃዊኹ ናጽነት ብምእዋጅ ድማ ንገዛእ ነብሱ ጸገም ክፈጥር ኣይደልን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ናይቲ ጉዳይ ምሉእ ቁጽጽር የብሉን። ክብል ይምለስ።

ካብ ርእይቶታት ናይዞም ንኣስታት 30 ዓመታት ምስ ኢሳይያስ ናይ ቀረባ ርከብ ዝነበሮም መራሕቲ መንግስትን ምንቅስቓሳትን ኢትዮጵያ ክንበጽሖ እንኽእል መደምደምታ፡ ኢሳይያስ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ጽኑዕ እምነት ከምዘይነበሮ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ንኤርትራ ከም መሳልል ተጠቒሙ፡ ንኢትዮጵያ ብቐጥታ ወይ ብሞግዚትነት ናይ ምቁጽጻር ሕዱር ሕልሚ ከምዘለዎ፡ ይኹን`ምበር፡ ከምቲ መለስ ዝጠቐሶ፡ እቲ ክቱር ሃንቀውታ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ውዲቱ ካብ ምትግባር ከዐንቅፎ ከምዝጸንሐ እዩ።

ብናተይ መረዳእታ፡ ኢሳይያስ ፍቕሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዘለዎ ኣይኮነን ከምዚ ዝኣመሰለ ድሌት ኣሕዲሩ። ሽውሃት ስልጣኑ ገፊሕ ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ስለዝነኣሰቶ ከምቶም ዝቐደሙ ሃጸያት ሰፊሕ መሬት ተቖጻጺሩ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናይ ምግባር ባህጊ ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ፍቕሪ ህዝቢ ዘይኮነ ስስዐ ስልጣን እዩ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልሚ ኣውዲቑዎ ዘሎ።

ሻለቃ ዳዊት ብዛዕባ መለስ ምስ ሓተቶ፡ ብኡ ንብኡ፡ መለስ ንኢትዮጵያ ኣይኮነን ንመቐለ ኳ ክመርሕ ከምዘይክል ደርጒሑ፡ ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጠቕሊልካ ናይ ምግዛእ ሕቶ፡ ሻለቃ ዳዊት ክሳብ ዘስተብህለሉ ድሕሪ ስቕታ ዝመለሰሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልቡ ዝነበረ፡ እንተተኻኢሉ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጸምቢርካ ናይ ምግዛእ ጥሙሕ፡ እንተዘየለ ብርሑቕ እናተቖጻጸርካ ወይ እናገበርካ ልዑል ጽልዋ ናይ ምህላው ድሌቱ ብቐጥታ ስለዝተተንከፈ እዩ።

ከምቲ ታኣምራት ላይነ ዝበሎ፡ ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን ጉዳይ ሓደ እዋን ብዓውታ ኣምሊቑዎ ነይሩ እዩ። መራሕቲ ኤርትራ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታቶም እንተተራጋጊጹ፡ ሕቶ ልኡላውነት ባድመ ይኹን ካልእ ቦታታት ከምዘየገድሶም ምግላጹ `ውን ምስቲ ኢሳይያስ ሎሚ ቕነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ኣብ ሰደደሉ እዋን፡ `ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን፡ ምርግጋእ ኢትዮጵያ እዩ ብቐዳምነት ዘገድሰና` ዝበሎ ብልክዕ ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ግን ከም መፍትሒ ስረ መፈለምታ ናይቲ ውዲት እዩ ክውሰድ ዝከኣል። ኣብ መወዳእታ ኢሳይያስ፡ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ኮነ ጽልውኡ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ዘዕኩዂሉ ረብሓታት ካብ ኢትዮጵያ እንተደኣ ረኺቡ፡ እንተስ ንወደብ ዓሰብ መጥዩ እንተስ ንኤርትራ ብፈደረሽን ቆሪኑ፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓራት ክድቅስ ጸገም የብሉን።

ኣብዚ፡ ኢሳይያስ፡ ነዛ ንእሽቶ ኤርትራ `ኳ ብብቕዓት ከመሓድር ብዘይምኽኣሉ ከምቲ ንመለስ ዝበሎ፡ ኣሽንባይ መራሒ መላእ ኢትዮጵያ፡ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ `ኳ ክኸውን ከምዘይክእል ተቓሊዑሉ ዘሎ እዋን፡ በንጻሩ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኪኖ ኢትዮጵያ ተሃቢቡሉ ዘሎ ግዜ፡ ከምቲ ብዓል ሻለቃ ዳዊት ቅድሚ 30 ዓመት ዘቕረቡሉ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጸምቢርካ ናይ ምግዛእ ሕቶ ዳግማይ ክቐርበሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኢሳይያስ፡ ካብ ኮኾብ ጎሬቤት ቁሩብ ብርሃን ረኺቡ ካብ ምንጽብራቕ ንላዕሊ ንባዕሉ ኮኾብ ክኾነሉ ኣብ ዘይክእል እዋን ደኣ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ሕግብግብ ዝብለሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ እዩ፡ ነዚ እዋን`ዚ ኸ ስለምታይ መሪጹዎ? ምፍታሽ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ነዚ ብዕምቆት ንምርዳእ፡ ጠንቂ ናይቲ ካብ 1998  ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኲናት ብሓጺሩ ምጥቃስ የድሊ። እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ምስ ኢትዮጵያ ዘረባ የብልናን ኢሉ ን 16 ዓመት ምንቕ ምባል ኣብዩ ዝጸንሐ ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ከም እተቐበሎ ምስ ገለጸ፡ ግምጥል ኢሉ ምሕንጻጽ ዶብ ከምዘየሀውኾ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ከምዘገድሶ ብኡንብኡ መርገጺኡ ምቕያሩ፡ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘህለቐ ኲናት ከምቲ ሽዑ ዝተባህለ ናይ ዶብ ኲናት ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ መንጎ ኢሳይያስን መለስን ናይ ስልጣንን ዓብላልነትን ምትህልላኽ እዩ ነገር ዝኣጎደ። ጉዳይ ዶብ ነቲ ህዝቢ ንምትላል ዝተማህዘ ምስምስ ጥራይ እዩ ነይሩ።

መለስ፡ ከምቲ ምስ ፖል ሄንዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ዘውክኦ፡ ሕሱም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ጸቕጢ እንተዘይኮይኑዎ ኢሳይያስ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ዘውዲ ኣዲስ ኣበባ ትጥምት ከምዝነበረት ስለዝፈልጥ፡ ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃን እንተቐጺላ፡ ኣገዳስነት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝሃስስ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ካብ ኢሳይያስ ንላዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ይደልዮን ይደፍኣሉን ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ግን፡ ሓለፋ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ስለዘለዎ ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ካብ ውድድር ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ክኾነሉ ምእንቲ ዝወሰዶ መርገጺ እዩ። እዚ ስጉምቲ`ዚ፡ ነቲ ሃንቀውታ ናጽነት ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ምርቓ `ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ሕልናኡ ስልጣን ኣዲስ ኣበባ እናቋመተ፡ ኣካሉ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ፡ እቲ መቐለ ከመሓደር ዘይክእል ዝበሎ መለስ ኣብ መናገሻ ኣዲስ ኣበባ ምኹያጡ ዝቐረጾ ኢሳይያስ፡ ከምኡ `ውን ቦርትኡ ክከላኸል ኣብ ሓለዋ ቀጽል ዝነበረ መለስ፡ ህልኾም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፈኸም እናበለ ኣብ 1998 ብምኽንያት ዶብ ምትኳሱ እምብኣር ሕመረቱ እዚ ናይ ስልጣንንን ዕብለላን ውድድር ኢዩ።

ናይዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ሕግብግብ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምኽንያት እምብኣር፡ ምድኻም፡ ወይ ምርሓቕ ወያነ ካብ ማእከል ስልጣን ኣዲስ ኣበባ እዩ። ዋላ `ኳ 27 ዓመት ስለዝሓለፎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክኾነሉ ዝሓስቦ ዝነበረ መበቆላዊ (Original) ሕልሙ እንተበርዓነ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓባያ እንተስ ኣብ ሓጺር እዋን እንተስ ቀስብቐስ ክበጽሖ ዝነበሮ ውልቃዊ ዕላማ ዘቐንቅፉዎ ዝነበሩ ወያነ ምድኻሞም ህልኻዊ ስምዒታዊ ዕግበት ፈጢሩሉ `ሎ።  ስለዝኾነ ኸኣ`ዩ፡ እቲ ወያነ ኣብ ስልጣን ኣለዉ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን፡ `ኢትዮጵያ ትበተን` እናበለ፡ ፋሕፋሕ ንምባላ ድቃስ ስኢኑ ዝሓደር ዝነበረ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ኣቢይ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ግምጥል ኢሉ፡ ዶብ ኣመኽንዩ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ኲናት ኣህሊቑ ኣዴታት ኤርትራ ዘጒሃየ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ ምፍናው የለን እናበለ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጸመደ፡ ንፖለቲካዊ ዕማማት፡ እንተላይ ትግባረ ቅዋም ኤርትራ ጅሆ ዝሓዘ፡ ነቶም ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌርካ፡ ኣብ ኤርትራ ትግባረ ቅዋም ዘጠቓለለ ለውጢ ክመጽእ ዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ተምበርከኽቲ፡ ሸየጥቲ ሃገር ኢሉ ብምኽሳስ ዘሕቀቐ ኢሳይያስ፡ ህዝቢ እንታይ ኮን ይብለኒ ኢሉ ከይሓነኸ፡ ሕጂ ግምጥል ኢሉ፡ `ይጽንሓልና ምሕንጻጽ ዶብ፡ ምርግጋእ ኢትዮጵያ እዩ ቀዳምነትና` ዝብል ዘሎ።

እቲ ካልኣይ ኣብዚ እዋን`ዚ ነዚ ስጉምቲ`ዚ ክወስድ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ክልተ ጥርዝታት ኣለዎ።

እቲ ሓደ፡ እቲ ልክዕ ከም ወያነ፡ ከምቲ ን ሻለቃ ዳዊት ዝተመባጽዓሉ፡ ተኣምራት ላይነ `ውን ብውሽጢ ውሽጢ ንሰርሓሉ ኔርና ክብል ዝጠቐሶ፡ እንተስ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ኣብ ኢትዮጵያ ረጊጹ፡ ውልቃዊ ጥሙሑ ኣብ ኢትዮጵያ ከየተግብር ዝዓንቀፎ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ፡ እንተላይ እቲ ኣብ ቃልሲ ብቐጥታ ዝተሳተፈ ተጋዳላይ ይኹን ዝተኸተሎ መንእሰይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ስምዒቱ ኣዳኺመዮ እየ፡ ዝደለኹዎ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝዓግተኒ ሓይሊ የለን ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ እዩ።

ኢሳይያስ፡ ነዚ እኩይ ዕማም `ዚ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንፈስ ዘለዎ ዜጋ፡ ኣብዚ ዕላማ`ዚ ክቃወሞ ዝኽእል፡ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሳብ ተራ ተጋደልቲ፡ እናጨወየ፡ እናእሰረ፡ እናደስከለ፡ ወይ ናብ ስደት ከምዝነፍጹ እናገበረ፡ በንጻሩ ከም ብዓል ቻርሊ፡ ክሻ፡ ማንኪ ዝኣመሰሉ ርእሰ ምትእምማን ዘይብሎም ንትእዛዙ ብምእዙዝነት ዘተግብሩ ድኹማት፡ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ሰባት ኣብ ከባቢኡ እናኣቐመጠ፡ ካብ እዋን ናጽነት ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ እኩይ ውጥን እዩ። ብቐንዱ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ፡ ሽማግለታት ከይተረፈ ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ከምዝስርዑ ገይሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝነበር፡ ዝተኣዘዞ ዝገብር ሕብረተሰብ ዕስክርና ቀይሩዎ። በዚ ድማ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኮይኑ ንኤርትራዊ ዓቕሚ ጸንቂቑዎ።

ነዚ ጉዳይ`ዚ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ እዩ ሰሪሑሉ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር፡ ጽኑዓት መትከላውያን፡ ዝቃወሙዎ ተጋደልቲ እናሓረየ፡ ሓንሳብ መንካዕ ሓንሳብ የሚን ኢሉ ብምውንጃል ኣብ ሓለዋ ሰውራ እናሕቀቐ፡ ብዓቢኡ፡ ምስ ወያነ ተሓባቢሩ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንምውጻእ ዝወሰዶ ስጉምቲ መጀምርያ ናይዚ ውዲት እዩ። እቲ ብብዝሒ ኣመንቲ ምስልምና ዘሳትፍ ዝነበረ ውድብ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኸሎ ናጽነት እንተመጺኡ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሕልሚ ዕንቅፋት ክኾኖ ከምዝኽእል ስለዝገመተ እዩ ብኣግኡ ንጀብሃ ኣሕቂቑዋ።

ብዘይካ`ዚ፡ ንኤርትራዊ ዓቕሚ ሰብ ዝምልከት ማሕበራዊ ብርሰት፡ ቁጠባዊ ዕንወት ብምስዓብ `ውን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝዳኸም ገይሩዎ። ኣብታ ብንኡስ መጠን ፋብሪካታት ኣብ ኣፍሪቃ እትፍለት ኤርትራ ዝነበራ ፋብሪካታት፡ ብዘይካ እንዳ ቢራን ካልኦት ምስቲ ዝፈጠሮ ዕስክርናዊ ባህርያት ዝተኣሳሰራ ሓደ ክልተ፡ ዳርጋ ኹለን ፋብሪካታት ተዓጽየን፡ እንጅነራት ኤርትራ፡ ነጋዶ ኤርትራ ከይሰርሑ ብትእዛዝን፡ ንንጥፈታቶም ብመንገዲ ህግደፍ ከምዝብሓት ብምግባርን፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ዱባይን በታቲኑዎም። ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዚነበሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ማእከሎትን ሃብታማትን ሰብ ንብረት `ውን ብተዘዋዋሪ ኣረኻኺቡሎም እዩ። ዋላ`ኳ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰጎጎም መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ገበን ብቐዳምነት ዝሕተት እንተኾነ፡ ከም ጠንቂ ናይቲ ግጭት መላፍነቲ ናይቲ ዕግርግር ዝነበረ ኢሳይያስ ንባዕሉ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን እዩ።

ኪኖ`ዚ፡ ብሕጊ ቁጠባ ዘይኮነ ብትእዛዝ፡ ዋጋ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከምዝኸብር ገይሩ፡ ነቲ ኣብ ስደት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ኮይኑ ዘዋህለሎ ናብ ስድራኡ ብሓዋላ እናለኣኸ ዘናብር ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዓንኬል ድኽነት ከምዝሰጥም ገይሩዎ።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ እቲ በዚ መንገዲ `ዚ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሙ ተዳሂኹ፡ ተረዂምሹ ዘሎ ህዝቢ መትከላዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ክህልዎ ኣይክእልን `ዩ፡ ድላየይ ክገብር ይኽእል `የ ብምባል ከኣ `ዩ፡  ሕጂ ብሰላምን ዕርቅን ተኸዊሉ ውልቃዊ ኣጀንዳኡ ከሰላስል ዝፍትን ዘሎ። ኣብዚ ምናልባት ክንዝክሮ ዝግባእ፡ ኣብ መንጎ እዚ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከምድላዩ ክሸጦን ክልውጦን ምእንቲ ሰብኣዊ ዓቕሙን ቁጠባዊ ሓይሉን ብምድኻም ዘሰላሰሎ እኩይ ተግባርን፡ ምስቲ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ምስ እንግሊዝ ተሓባቢሩ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ፡ ጸጥታ `ውን የብላን ተባሂሉ ብቐሊሉ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባራ ዝነበሮ ውጥን ንምዕዋት መታን ክቐለሉ፡ ፋብሪካታት ኤርትራ ፈቐዶ ካልኦት ሃገራት ብምሻጥ፡ ኣብ ኤርትራ ብረት እናዘረወ ሽፍትነት ከምዝጎሃሃር ብምግባር ዘካየዶ ውዲታዊ ተግባር ታሪኻዊ ተመሳሳልነት ዘለዎ ምዃኑ እዩ።

ካብኡ ዝኸፍአ፡ ስርዓት ኢሳይያስ፡ እንተ ብቐጥታ እንተብተዘዋዋሪ ምስ ራሻይዳን በደዊንን ተሓባቢሩ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር Human Traffickers ኮይኑ ኣብ ሲናይን ሊብያን ከም ጊላ እናተሸጠን እናተለወጠን ከምዝጠፍእ፡ ከምዝዋረድ፡ ሞራሉ ከምዝስበር፡ ገንዘቡ ከምዝነግፍ ገይሩ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ዘይሓዊ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ ንገዛእ ርእሱ ፈጺሙ ዘይርሳዕ፡ ገና ብርሑሱ ዘሎ ተዘክሮ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ`ዚ ብስም ሰላም፡ `ንኺድ ጥራይ ኢሳይያስ ናብ ዝወሰደና` ኢሎም ብሽክሹኳ ኢሳይያስ ተዘኒቦም ምህላዎም ድማ ምልክት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስልካይን ምድናስን እዩ።

ኢሳይያስ ብሓቂ ደላዪ ሰላም እንተዘይነበር፡ ገና ኤርትራዊ ዓቕሚ ብሓዊ ኲናት ከይተለብለበ፡ ብስደት ከይተበተነ ከሎ፡ ነቲ ብሩዋንዳን ኣመሪካን ዝቐረበ እማመ ሰላም ንቀበሎ፡ ኣብ ሕግን ኣብ ዘተን `ውን ክንስዕር ንኽእል ኢና፡ ክብል ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሰ ብጽሑፍ ንዘቕረበሉ ምሕጽንታ፡ `ዘይንበርክኽ የብልናን` ክብል ብብድዐ ኣይምመለሰሉን። እሞ ኸ ደኣ፡ ድሕሪ`ቲ ኩሉ ዕንወትን ህልቂትን፡ ስዕረትን፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ በጠበጥ ዝኸዱ ልኡኻት ኣፋንዩ፡ ሎሚ ድማ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክቕበል ኣብ ኣስመራ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናውለብለበ ተምበርኪኹ ዝወዓለ ኢሳይያስ ዶ ኣይኮነን? በራኽን ብጾቱን መዓስ ኮይኖም!

ሰላም ቀጻልነት ዝህልዋ፡ ብሕጋዊ ትካላት፡ ብግልጽና፡ ብተሳታፍነት ህዝቢ ምስ እትኸውን እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ሕጊ፡ ግሉጽነት፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ስለዘየልቦ፡ ውሕስነት ሰላም ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ምስ ህዝቡ ዘይተዓረቐ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላም ዘይተኸለ ስርዓት ከመይ ኢሉ እዩ ምስ ጎረቤት ዘተኣማምን ሰላም ከምጽእ ዝኽእል። እሞ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቅልውላውን ህውከትን እምበር ኣብ ሰላም ምንባር ሕጽረት ትንፋስ ዘምጽኣሉ ኢሳይያስ! ሰላም `ኮ ኮነ ኢሉ እዩ ኣጥፊኡዋ `ምበር መሊቛ ኣይጠፍኣቶን። ብዝኾነ ኣብ መደምደምታ ናብዚ ጉዳይ`ዚ ምምላስና ኣይተርፈናን እዩ።

እቲ ካልኣይ ብመንጽር ህዝቢ ኤርትራ ዝርአ ጥርዚ ናይዚ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ `ንምትዕራቕ` ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ ብቐንዱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተባእሰ፡ ገበናዊ ተሓታትነቱ መሊኡ ስለዝፈሰሰ፡ ካብ ሓላፍነት ምሕብኢ ዝኾኖ ገፊሕ ብዓቲ እንተረኸበ ኢሉ እዩ። ኢሳይያስ ክሳብ`ዚ ጻውዒት 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተቐበለሉ ግዜ፡ ኣብ ቀጻሊ ወጥሪ እዩ ዝነበር ዘሎ። በቲ መዓልታዊ ዝፍጽሞ ገበናት ኣብ ልቢ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘሪኡዎ ዘሎ ጽልኢ፡ ፈጢሩዎ ዘሎ ናይ ሕነ ስምዒትን፡ ብቐሊሉ ክሰዶ ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ካብ ኣብ ጥስቲ ተጨቢጥካ ምንባር፡ ኣብ ቃላይ ምስፋሕ ይሓይሽ ኢሉ ዝወሰዶ ምርጫ `ውን እዩ። እዚ ማለት ብኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሕባእ `ዩ ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምዚ ዝብሎ ዘሎ `ዕርቀ-ሰላም` ብዝብል ተደጋጋሚ መዝሙር፡ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዓቕሉ ኣጻቢቡ ወጡሩዎ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ስነኣምሮኣዊ ለውጢ ብምምጻእ፡ ነቲ ናብኡ ቀኒዑ ዝጸንሐ ቱኽረት ከምዝፈኩስ ምግባር እዩ።

ይኹን`ምበር፡ ድሕሪ ሓጺር ናይ ሕጽኖት ግዜ፡ እቲ ናይ ምትሕትታት ጉዳይ ብዝኸረረ መልክዑ ምምጽኡ ኣይክተርፎን እዩ። ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣእምሮ ምስ ተኸፍተ Reset ከምዝኸውን፡ ካብ ተጨቢጥካ ምስ ኣሳፋሕካ ምርጋሕ ከምዝቐልል መጠን፡ ኢሳይያስን መሓዮታቱን ኣብ ሓጺር እዋን ናብታ ዝነበሩዋ ጸባብ ኩርናዕ ከምዝምለሱ ዘጠራጥር የብሉን።

ኣብ ርእሲ`ዚ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ ጭብጥታት፡ ሕማሙ ስስዐን ዕበልላን ስልጣን ምዃኑ ዘረጋግጽ ተወሳኺ ኣብነት፡ ከምቲ ኣብ ዝመጸ ቃለመጠየቕ፡ ኢሳይያስ፡ `ኣመሪካ፡ ንኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ጽልዋ መቒሎም፡ ንወያነ ናይዚ ከባቢ ተቕጻጸርቲ ገይሮሞም እናበለ ወግሐ ጸብሐ ዘስምዖ ዝነበረ ምቚርምራም እዩ። ስለዚ፡ ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ክረኽቦ ዝህቅን ዘሎ መኽሰብ፡ ዲፕሎማስያዊ መስተንፈሲ እዩ።

ልክዕ ከምቲ ምስ ወያነ ጉዳይ ዕብለላን ስልጣንን እምበር ዶብ ዘየባኣሶ፡ ምስ ኣመሪካ ኣጻሊኡዎ ዝነበረ `ውን ኣብዚ ዞባ ከም ኣገዳሲ መራሒ ግምትን ኣቓልቦን ምስኣኑ ደኣምበር፡ ከምቲ ኢሳይያስ ብዓል መጸ ዝነዝሖ ፕሮፖጋንዳ፡ ከም ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀሪስ መጠን ንወያነ ጸቕጢ ገይሮም ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ስለዘየተግበሩዎ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እንሆ በሉ ኢትዮጵያ ተቐቢላቶ፡ ኣብ ምትግባሩ ተሓባበሩና ምበለ ደኣምበር፡ ከምቲ ኣመሪካ ንወያነ ኢንፍዩዥን ትኾኖ ኣላ እናበለ ዘቕርቦ ዝነበረ ዘለፋ፡ ሕጂ ንርእሱ ነቲ ብኣሉታ ዝገልጾ ዝነበረ ድሌት ኣመሪካ ኣይምረዓሞን።

ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ህዝቢ ኤርትራ ዝርከበሉ ዘሎ ናይ ሕንፍሽፍሽን ምትላልን መስቀላዊ መንገዲ እምብኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ቀደሙ ባህጊ ሰላምን ዕርቅን ዓቂቡ፡ ብስም ሰላም ኣብ ዘጒላዕለዐ ዓዊል ከይጠፍእ፡ ከቢድ ጥንቃቐ ንምግባር ወልቕዘለቕ ከይበለ ልኡላውነቱ ከም ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ጽኑዕ ምክትታል ክገብር ይግባእ።

ብቐዳምነት ከስተብህለሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ ኣብዚ ሓጺር ሃገራዊ ታሪኹ፡ ፍርቀፍርቂ እንተዘይኮይኑ ምሉእ ዓወት ረኺቡ ዘይፈልጥ ምዃኑ እዩ። ኣብ ሓምሳታት ዝገበሮ ፈደረሽን ምሉእ ማዕርነታዊ ፈደረሽን ኣይነበረን፡ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መቚረንቲ እዩ። ብናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ጀጋኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ተረኺቡ፡ እንተኾነ፡ ብኣግኡ ዶባቱ ስለዘይተነጸረ፡ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኣብ ግጭትን ኲናትን ኣትዩ ተወሳኺ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ። ሕጂ `ውን፡ ድሕሪ `ቲ ከቢድ ኲናት ብዝተዋህበ ብይን ልኡላዊ መሬቱ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኺቡ፡ ንመጻኢ ወለዶታቱ ዘቕስን ሓድጊ ኣብ ክንዲ ዝገድፍ፡ ንውልቃዊ ጥሙሕ ኢሳይያስ ምእንቲ ክጥዕም፡ ከም`ቲ ኢሳይያስ ኣሊሙዎ ዘሎ ንመጻኢ ወለዶ ድቃስ ዝኸልእ ፌንጂ ተቐቢሩ ክተርፍ ከፍቅድ የብሉን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ናብ ዘበለ የብል፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ዶባቱ ክሕንጸጽ ከምዘለዎ ብትሪ ክቃለሰሉ ይግባእ።

ብሕልፊ ካብቶም ልኡላዊ መሬትና ተደፊሩ እናበልኩም፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮምሽን ዶብ ክትግበር ኣለዎ ዝብል መስመር ናይቲ ስርዓት ክትደግሙ ዝጸናሕኩም ኤርትራውያን እንተሊኹም፡ ኢሳይያስ ዋላ ወዝለቕለቕ እንተበለ ኣብቲ ዝጸናሕኩሞ መስመር ረጊጽኩም ንምትግባሩ ክትጣበቑ ሃገራዊ ግቡእኩም ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግባእ። ኢሳይያስ ከምቲ 16 ዓመት ደድሕሪኡ እትደግሙዎ ዝገበረኩም ውሳኔ ትግባረ ዶባት እንተዘያተግቢሩዎ፡ ቀዳሞት ተቓወምቱ ንስኻትኩም ክትኮኑ ኣለኩም። እቶም ድሮ ክንቃወሞ ዝጸናሕና ድማ ክንድግፈኩም ኢና። እቲ ዕረቀ-ሰላም በዚ ሕጋዊ መበገሲ እንተጀሚሩ፡ እንሻላህ፡ ሰላም ደኣ መን ይጸልኦ።

ካብዚ ቀጺልና ድማ፡ ብሓባር፡ እቲ ሰላም ፍትሒ ከምዝወልድ ንገብር። ምኽንያቱ ከምቲ፡ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብቲ ናይ ፍርቀ-ፍርቂ ዕጫና መዝገብ ዝርከብ ንኹላትና ዘራኽበና ካልእ ዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳይ፡ እቲ ጸዲቑ ዘይተተግበረ ሃገራዊ ቅዋምና እዩ። ብሰንኪ ዕንደራን ቀይዲ ኣልቦነትን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ብደም ዘረጋገጽናዮ ናጽነት፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ተኺልና፡ ብሓርነትን ፍትሕን ኣይደራዕናዮን። ብቕዋም ዝተተኽሉ ከም ሃገራዊ ባይቶ፡ ነጻ ቤትፍርዲ ዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ትካላት ስለዘይብልና `ኮ ኢና፡ ነዚ ናይ ኢሳይያስ ሰላም ሓቅነቱ ምልላይ ስኢናዮ ዘለና። ስለዚ፡ ለይትን ቀትርን ክንቃለሰሉ ዘለና ሃገራዊ ዕዮ-ገዛ፡ ትግባረ ቅዋም ኤርትራ እዩ። ንኤርትራውያን ነንሕድሕድና ዘተዓርቐና፡ ሃገራዊ ቅዋም እዩ። ተዓሪቕና ዝኣተናዮ ሰላም ከኣ `ዩ፡ ውሕስነት ሃልዩዎ፡ ምስ ህዝብና ንወለዶታት ክነበር ዝኽእል።

ኣብዚ እዋን`ዚ ግን፡ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ፡ ነቲ ዓብዒቡ ሒዙዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ `ውን ብድሆ እዩ። ነቲ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዘሎ ኣብ ሕጋውነት፡ ግሉጽነት፡ ምኽባር መሰል መሰል ዝኣመሰሉ ፍትሓውያን መትከላት ዝተሰረተ ተግባራት፡ ዋላ`ኳ ብቀጥታ ከተግብሮ ዘይክእል እንተኾነ፡ ብውሑዱ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ ሰናይ እንተዘይተመንዩሉ፡ ኣብ ፍርዲ ክወድቕ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጻድቃን ኣብ ኣስመራ መዋዕልቲ ሸይጣን ምዃን ብህዝቢ ዘተዓዛዝብ፡ ብኣምላኽ ድማ ዘፍርድ ተግባር ስለዝኾነ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ባህርያቶም ዘይራኸብ፡ ከዋኽብቶም ዘይጋጠም ዋላ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብተኣምር ሰላም እንተወሪዱዎ ይመልኣሉ! ኣምላኽ ይደግፎ። ብሩኽ ምብጻሕ ይግበረሉ!

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክግንዘቦ ዘለዎ ጉዳይ፡  ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ዳግም የሐዲሱ፡ ብሰላምን ፍቕርን ኩሉ ዓይነት ረብሓታት ክለዋጥ፡ ዘለዎ ክህብ ዘይብሉ ክረክብ ከም ሓላል ክቅበሎ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዘለዎ ዕዮ ምዃኑ እዩ። ይኹን`ምበር፡ እቲ ን20 ዓመት፡ ነቲ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ስልጣንን ዕብለላን ዝመበገሲኡ ዝኸሓነ ህልኽን ጽልእን ህዝባዊ ኣምሲሉ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ ብምትካል ዕዳ ሓደ ወለዶ ዘሰከሞ፡ ሰላም ዝኸለኦ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ምስ ኮኾብ ኢትዮጵያ ተጸጊዑ፡ ከም ንፉዕ ካፒታኖ ኣብ ጽዋእ ሰላም ኢዱ ክሕውስ ሃጸፍጸፍ ምባሉ፡ ምስ ወያነ ዘለዎ ሕነ ከውጽእ ንዘለዎ ተርባጽ ደኣምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኢ ኣይኮነን። ሓምሳ ዓመት ብጽልኢ ዝተላዕጠጠ መንቀኛ ብሓደ መዓልቲ ብሰላም ተቐጢኑ ክለዝብ፡ ሓምሳ ዓመት ዝጠለመ ከዳዕ ብሓደ ለይቲ ክእመን ኣይክእልን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕብረተሰብ ነብሱ ፈሊጡ ክእረመሉ ዘለዎ ጉድለት፡ ከምዚ ንውዲት ኢሳይያስ ኣልዒልና ብኣብነት ዝጠቐስናዮ፡ ብዛዕባ`ቲ ንዕኡ ብቐጥታ ዝምልከቶ ሃገራዊ ጉዳዩ ድሕሪ ዓለም፡ ዝኾነ ምስ ኮነ ዝፈልጥን ዝኣምንን ህዝቢ ምዃኑ ብቐጻሊ የግድዖ ምህላዉ እዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ ካብቶም ኣብ ሳሕል ደቂ መስርዑ ዝነበሩ፡ `ብጻይና` እናበሉ ዝጠቕሱዎ ተጋደልቲ ንላዕሊ ንሓቀኛ ኣተሓሳስባ ኢሳይያስ ዝያዳ ዝፈልጡዎ እቶም ብመገሻ ዝረኽቡዎ ምዃኖም እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ተንኮል ኢሳይያስን ግርህና ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ጋግ ዓቢ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።  ስለዚ እቲ ብሰንኪ ግርህነቱን ሕደገቱን ብቐጻሊ ደምን መስዋእትን ዝኸፍል ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወትሩ ንቑሕ፡ ጥንቁቕ ክኸውን ይግባእ። ብቐጻሊ፡ ንኻልኦት ከም ንጹሃት ወሲዱ ከም ነብሱ ክኣምን የብሉን። ነቲ ምስ ሰኸረ፡ `ነዚ ህዝቢ `ዚ ምግዳለይ `ዩ እቲ ዝኸፍአ ጌጋይ፡ ዓጋመ እንዲኽን ትብላኒ፡ ስራሕከን ከርእየክን እየ፡` እናበለ ዝደጋግሞ ዘረባ፡ ኣብ ባይታ ምስናይ ሒኑኡ ብምፍጻም እናጥፍኦ ኸሎ፡ ከም ሓላዊኡን መድሓኒኡን፡ ከም መራሒኡ ምርኣዩ ዕብዳን ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ከም ኣሓ ምስ ሓራዲኡ ማይ ካብ ምስታይ ሓሊፉ፡ ንሓራዲኡ ካራ ካብ ምቕባል ክቑጠብ ኣለዎ። እቲ ዕድሚኡ ምሉእ ሰይጣን ኮይኑ ዝሓለፎ ኢሳይያስ ሕጂ ኣብ እርጋኑ፡ ኣምላኽ ኮይኑ ሓቀኛ ሰላም ከምጽኣለይ እዩ ኢሉ ዝኣምን እንተደኣ ኮይኑ፡ ገና ካብ ሽኩስኳ ኢሳይያስ ኣይተናገፈን ኣሎ ማለት እዩ።

ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ካብ ምድንጋርን ሕንፍሽፍሽን ተገላጊሉ ካብቲ መስቀላዊ መንገዲ፡ እቲ ናብ ሓቀኛ ሰላምን ፍትሕን ዝወስዶ ቅኑዕ መንገዲ ኣለልዩ ብዘይጣዕሳ ምእንቲ ክጓዓዝ፡  ክወስዶ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ ነቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝኾነ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዝኾነ ኣገባብ ምእላይ እዩ። ካብኡ ተረፈ፡ ዋላ ሞይቱ እንተተባህለ ብውሑዱ ከተግብሮ ዝግባእ ዕማም፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምሕንጻጽ ዶባቱ፡ ከምኡ ድማ፡ ትግባረ ናይቲ ብኢሳይያስ ሞይቱ ዝተባህለ ሃገራዊ ቅዋሙ እዩ። ደግሲ ጥፍኣትን ሞትን ክበልየሉ፡ እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ ኣብ ኢድካ ኸሎ ልማኖ` ዝብል ደርፊ ነብሰ-መግናሕቱ ኣብ ቤተመስከር ክኣቱ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብሓድሽ ንቑሕ ኣኣምሮ ነብሱ ክፈቅድ፡ ሃገሩ ከውሕስ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ደቁ ሓልዩ፡ ንዕኡ ዘየጣዕስ ንመጻኢ ወለዶታቱ ዘሐብን ታሪኽ ክሰርሕ ኣለዎ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ንዓኻ ይኹን

ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

ሰንበት 08 ሓምለ 2018

 

Subscribe to ASSENNA NEWS Channel

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Wedi Hagher July 8, 2018

    The tyrant is an enemy of Eritrea.
    All those who protect him, help him in anyway to damage Eritrea’s higher national interest, should know that they will face justice for helping the enemy.
    Eritreans should be on alert, keep their minds and eyes open, as their country is facing an imminent existential threat. The tyrant and his men should know that we have the obligation to defend our country. We will prevail.

  • Sol July 8, 2018

    ኣማን ቲ ሓቂ ደርጓሕጓሕ ኣቢልካዮ ኣለኻ ሕልና ናይ ብዙሓት ከበራብር ተስፋ እገብር።

  • k.tewolde July 8, 2018

    You ever thought running for a president of the state of Eritrea Amanuel? It will be up for grabs soon.People your caliber should be welcoming the young PM home.It is odd,it looks like the wolf giving a hug to the sheep.Well delivered article. .

  • meretse July 8, 2018

    “ከ ንኩሉ ነናቱ ኣሎዎ!”
    ኢትይጵያ “ኣቢይ ናይ ኣቢያት”
    እንተ ሃሎዋ ፣ ንሕና ‘ውን
    “ኣማን ናይ ኣማናት” ኣሎና/ኣሎውና/ኣሎዋና
    እንታይ ተሪፉ ኢልና’ሞ ክንምልእ
    ይበል ጹጽይ መግለጺ፤ ንሎሚ ኣኪሉ ንመጻኢ ዘጻንሕ።
    እንተ ምቅንጃው ሰላም ሪኢናዮ። ዙርያ ብግዲ ተከደና፡ ዓልላ፣ ጨድራ፣ ቆልዑክን ከም ኣብታይ ሓምለ ሰናይ ይዕንድሩ ተባሂሉ፡ “ንሕዙን ልቢ ብኣቢይ ደበስ” ኣካ ተራእዩ። ንልቢ ዘሎዎ ግን ኣስመራ ካብ መኣስ ኢያ “ከተማ ኣንስትን ህጻውንትን” ዝኮነት? ዋላ ገጻ ይደውን እምበር ኣስመራ እኮ ኣስመራ ኢያ። ኣበይ ከይዱ ህዝባ? ኣበይ ከይዶም እቶም ዋናታታ? እበይ ከይዶም መንእሰያታ? ኣቦይ ከይዶም ዓበይቲ ዓዳ? ወረ ኣበይ ከደ ህዝባ? ዝተረፈ ንተዓዘብቲ ………………
    እንተ ንስካ ግን >>> ሓው ኣማኒል ኢያሱ ማለተይ ኢየ ዶው በል ! ካብኡ ሓሊፈ ዝምነዮ የብለይን ! ! !

  • meretse July 8, 2018

    ቀደም መንእሰያት እንከሎና ፡ ድሕሪ ጓይላ “ምሕሸ” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎዎ ዘጻውቱ ኔሮም፡
    ካብ ዘርስዖ ጸዎትኦም ፡ “ጎንደር ዘሎ ኣጣቀዔ ፡ ሽዋ ዘሎ ሳዕሰዔ” ዝብል ኢዩ። እዚ ሓቂ ዝኮነሉ ሰዓት ሎሚ ሪኢና።
    ሕማም ኤረትራ ኢሰያስ፡ ፈውሲ ኤረትራ ኣቢይ ተረኪብለይ “ ዝሓዝካ ዘይብልካ “ዘይ እዚኣ ኢየ ደልየ ክበሃለለይ ተዋዒሉ።

  • Gezae July 9, 2018

    Yemane G. Meskel @hawelti
    Eritrea and Ethiopia have signed a Joint Declaration of Peace and Friendship today. The Agreement, which specifies five pillars, was signed this morning at State House by President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy Ahmed
    Joint Declaration states, inter alia, i) State of war that existed between the two countries has come to an end. A new era of peace & friendship has been ushered; ii) Both countries will work to promote close cooperation in political, economic, social, cultural & security areas
    Joint Declaration: … iii) Transport, trade and telecommunication ties will be resumed; diplomatic ties & activities renewed; iv) Border decision will be implemented; v) Both countries will work together to guarantee regional peace, development & cooperation
    Yemane G. Meskel @hawelti

  • Abrehaley Asheber July 9, 2018

    Aman Hayet !!

    You said it all. Well said. Let me give you an Ocean full of thanks. Our beloved Eritrea, a land of Heroes and Braves will live for ever as Independent Country on Our Plane Earth.
    Glory for Our Heroes and Braves Martyrs..
    “The man who is swimming against the stream knows the strength of it.
    Woodrow Wilson

POST A COMMENT