Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One’s Sense of Pride)

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One's Sense of Pride) ብ ኣማኑኤል ሳህለ   እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One’s Sense of Pride)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ኩሉ ባህርያት፡ ንእንስሳ ደኣምበር፡ ንሰብ ዚበቅዕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፡ ኩሉ እንስሳዊ ባህርያትና፡ በቲ ናይ ኵርዓት ስምዒት እዩ ተጋሪዱን ተቐዪዱን ዚነብር። ረገቢት ኵርዓት መስዩወን ኣብ ሰፈራተን ምስ ኣተዋ፡ ኣዕዋፍ ለይቲ ሓሶትን፡ ክሕደትን፡ ጥልመትን ካብ በዓትታተን ይወጻ። እቶም ጉዳዮም ንኺሰልጦም ይኹን፡ ወይ ነቲ እኩይ ተንኮላቶም ንምፍሓስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስምዒት ኵርዓት (sense of pride) ደርብዮም፡ ኣብ ናይ ፍሽኩልናን ናይ ሕስራንን ወርደትን ዓለም ኪነብሩ ዚደልዩ ብዙሓት እዮም።

 

ቅድሚ ምቕጻለይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኵርዓትን ትዕቢትን ዘሎ ፍልልያት ከብርሆ እደሊ። ኵርዓት፡ ኣዎንታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ትዕቢት ግን ኣሉታዊ እዩ። ኵርዓት ኣብ ወድሰብ ዘሎ፡ ንሰብኣዊ መሰላቱ ትርጉም ዚህቦ፡ ከም ብኣርእያ ስላሰ እተፈጥረ ህያው፡ ካብቲ ናይ እንስሳታት ደረጃ ክብ ዘብሎ ተፈጥሮኣዊ ውህበት እዩ። ትዕቢት ግን፡ ደሓር ዚፍጠር፡ ብናይ ምድራዊ ባህግታት እተደኮነ፡ ኣብ ንዕቀትን ስስዐን እተመስረተ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ስምዒት ስግኣትን ዘይውሕስነትን ዚምንጩ ባህርይ እዩ።

 

ኵርዓት ዘይብሉ ሰብ፡ ነብሱ ዘሕሰረን፡ ኩሉ ናይ ጭውነትን ውርዝይና ባህርያት ዝደርበየን እዩ። ብሕማቕን ሰነፍን ተግባራቱ ኣይሓፍርን። ከም ሰብ ኮይኑ ዚነብር ድማ ናይ ሰብ ቅርጺ ስለ ዘለዎ ጥራይ እዩ። ብትዕቢት እተነፍሐ ሰብ፡ ሕማቕ ምስ ዚገብር፡ እቲ ተግባሩ ኣየሕፍሮም እዩ። ኵርዓት ዚስምዖ ሰብ ወይ ኵሩዕ (ሕቡን) ሰብ ግን፡ ብገለ ምኽንያት ዚፍጽሞ ሕማቕ ተግባራት ይሓፍር ስለ ዝኾነ፡ ኪደግሞ ኣይመርጽን።

 

ዝኾነኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክሰግር። ዘይሓፍርስ ጉዳዩ ይሰልጦ ከም እተባህለ ኩልና ንፈልጥ ኢና። ኣቦታትና ቀደም ዘስተብሃሉሉ ጉዳይ እዩ፡ ግን ‘ንግዜኡ’ ዚብል ሓረግ እንተ ዚውስኹሉ ነይሮም ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ጭዋን ብልህን ሰብ፡ ዋእ ነብሰይዶ ከዋርድ ኮይነ፡ ዘይተርፈኒ፡ ብምባል ነቲ ግቡኡ ዝኾነ፡ ግን ብገለ ስሱዓት ፊውዳላውያን ደያኑ ዝተነፍጎ መሰል፡ ነቲ ጉዳዩ ናብ ኣምላኹ ብምግዳፍ ብትዕግስቲ መዓልቱ ይጽበ ነይሩ። ኣቐዲሙ፡ ነቲ ዳኛ ለቖታ መዓር ሒዝካሉ ዘይትኸይድ ዝበሉዎ ነይሮም እዮም። አረ ገሊኣቶምስ ኣብ እግሩ ዘይትወድቕ ብምባል ምኽሮም ዝለገሱሉ እውን ነይሮም እዮም። ደርሆን ድዓኛን ከም መማለዲ ከቕርብ ርእይቶ ዝሃቡዎውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ግን ካብ ጭራም መሬት ምስ ውርደት፡ ብዘይታ መሬት ግን ብኽብረት ኪነብር መሪጹ። ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ መሬትን ክብረትን ብሓደ ዘጥፍኡ ከም ዘለዉ ግን ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

ብኣንጻሩ ግን ካልእ ሰብ ድማ ነይሩ፡ ንሱ ድማ እቲ ሕስራንን ውርደትን ከይዓገቶ ጉዳዩ ከሳልጥን ብዝኾነ መገዲ ድማ ካብ ስርሑ ኪበኵር ዘይደልን እዩ። እዚ ሰብዚ ኣምላኽ ብጥንቲ ኵርዓት ኪዕድል ከሎ፡ ደንጕዩ ዝመጸሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ከም መከሓሓሲ መልሓስ እተወሰኾ እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። መልሓስ ኪውሰኾ ከሎ ድማ ክልተ መልሓስ ከም ዝወነነ ክንርስዕ ኣይግባእን። እዚ ሰብዚ፡ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ኵርዓት ስለ ዘይስምዖ፡ ምስ ብልሹዋት ዓበይቲ ዓዲ ብምምስጣር፡ ኣንጻር እቶም ውርደት ከም ሞት ኮይኑ ዚስማዖም፡ ምልማን ድማ ዕረ ዚጥዕሞም ሽማግለታት ብምግጣም፡ ተረቲዖም፡ ጥራይ ኢዶም ከም ዝኸዱ ይገብሮም ነይሩ። ዘይሓፍር (ወይ ስምዒት ኵርዓት ዘይብሉ) ብምንባሩ፡ በዚ ኾይኑ በቲ፡ ንግዜኡስ ነቲ ጉዳዩ ዝንቡዕ መዕለቢ ይረኽበሉ ነይሩ እዩ።

 

ዘይሓፍርስ ጉዳዩ ይሰልጦ ተባሂሉ እዩ። ምስላጥስ ይሰልጦ ይኸውን፡ ግን ከምቲ፡ ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎሎ እተባህለ፡ ኩሉ ዚሰልጥ ነገር ጽቡቕ እዩ ማለት ኣይኮነን።

 

ኣብ ገለ ኩነታት፡ ክብረትካ ኩሉ ሸጥካ ንደቅኻ ካብ ጥሜት ወይ ካብ ሞት ንምድሓን እትወስዶ ኣማራጺ፡ ኣገዳሲ ዕላማኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንግዜኡ ነቲ ውርደት ውሒጥካ፡ በቲ ናይ ደቕኻ ብህይወት ምንባርን ካብ ሰብ ከይደለዩ ነዛ ዓለም ኪወጹዋ ምዃኖም ብምፍላጥካን ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ግን ከኣ፡ ክብረቶምን ክብረት ደቆምን ከምኡውን ናብራኦም ብሓደ ለኻኺሞም ዘጥፍኡ ሰባት ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

ማርክስ፡ ንወድሰብ፡ ሰብ ዚገብሮ ስርሑ እዩ ይብል ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ታቤላታት ተለጢፉ ንርእዮ ኔርና ኢና። ይኹንምበር፡ ኣብዚ ግዜዚ፡ ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ታቤላ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚጸሓፎ፡ ንባህርያት ናይዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪሕነት ብዝያዳ መንጸባረቖ ነይሩ እብል፥ ”ንሰብ ሰብ ዚገብሮ ስምዒት ክብረቱ ወይ ኵርዓቱ ምስ ዚቕንጠጥ ጥራይ እዩ”።

 

ዝኾነኾይኑ፡ ከም ሓቂ፡ ንወድሰብ፡ ሰብ ዚገብሮ፡ እቲ ናይ ኵርዓት ስምዒቱ ወይ ህዋሱ እዩ። እዚ ስምዒትዚ፡ ክብረትና ይዕቅበልና፡ ርዝነትና ይሕልወልና፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ወራዙትን ጭዋታትን የብለና። ኣብ ባይቶ ክብረት የውህበና፡ ምኽርና ይስማዕ፡ ሰባት ድማ ጸገማቶም ወይ ጉዳያቶም ናባና ንኸቕርቡዎ ኣይወላወሉን። ጽፈትን ውርዝይናን ዘኻዕበተ ሕቡን ሰብ፡ ንስድራቤቱ ይሓሊ፡ ንኣዝማዱን ንኻልኦት ጓኖትን ድማ መጽለሊ ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን፡ ብዙሓት ንርእሶም ተዋሪዶም፡ ንደቆምን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንኣዝማዶምን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ንዓዶምን ንሃገሮምን ዘዋርዱ ሰባት ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

እቲ ኪሓፍር ዚግባኦ ሰብ ምስ ዘይሓፍር፡ ማለት ስምዒት ኵርዓት ምስ ዘይህሉዎ፡ እቲ ዘስተውዕል ብጻዩ ኣብ ክንዳኡ ኪሓፍር ይግደድ እዩ። እቲ ሰብቲ ዘይሓፍረሉ ምኽንያት፡ ናይ ኵርዓት ስምዒት ስለ ዘይተዓደለ እዩ። ንስኻ ግን ወሪዱካ፡ እንታይ እሞ ክትገብር፡ ኣብ ክንድኡ ትሓፍር እሞ፡ ኣብ ጽፍርኻ ክትኣቱ ትደሊ። ከም ምስላ፡ ዘይሓፍር ጽቡቕ ኣሎ እቲ ውርዙይ ዘመዱ ግን ከፊኡዎሎ፡ እንተ ዚብሃል ጽቡቕ ነይሩ።

 

ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ሓንቲ ፍጻመ ከዘንትወልኩም። ኣብቲ አብራሃም ሊንከን ናይ ኣመሪካ ፕርሲደንት ዝነበረሉ ግዜን ናይ ኣመሪካ ናይ ሓድሕድ ኵናት እናተኻየደ ከሎን፡ ሓደ ህቡብን ጅግናን ጀነራል ኣብ ሓደ ዓውደኵናት ከም እተሰወአ ሓበሬታ ይመጽእ። አብራሃም ሊንከን ነዚ ወረዚ ምስ ሰምዐ ኣዚዩ ይሓዝን፡ ከምቲ ልሙድ ድማ ናይቲ ጀነራል ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ኣትዩ ብኽብሪ ኪቕበር ይእዝዝ። ብድሕርዚ፡ ነዚ ኩነታትዚ ኣብ ጥቕሙ ከውዕል ዝደለየ ሓደ ሰርጀንት ይኹን መጀር፡ ናብ አብራሃም ሊንከን ቀሪቡ፥ ክቡር ፕረሲደንት፡ ጀነራል እከለ ሞይቱ እዩሞ፡ እታ ቦታኡ ንኣይዶ ምሃብኩምኒ ብምባል፡ ንእሽቶ ኵርዓት ከይተሰምዖን ዓይኑ ከይሓሰየን ከይሓፈረን ይልምንን ይማሻኸንን።

 

ሽዑ አብራሃም ሊንከን በቲ ናይዚ ሰብዚ ድቦላን ሕሱርን ዘረባ ገሪሙዎ ከምዚ ኪብል ይምልሸሉ፥ ”ብሓቂ እቲ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ኣዚዩ ጽቡቕ እዩ፡ ግን እታ ቦታኡ ንኣኻ ልክዕ ትኣኽለካ ዲያ?” እቲ ፕረሲደንት ከምዚ ኪብል ከሎ፡ እታ ናይቲ ሬሳ ሳንዱቕ ትኣኽለካ ዲያ ማለቱ እዩ። እቲ ህሩፍ ሰርጀንተ ግን ነዚ ክብሩ ዘዋረዶ መልሲ ጽንሕ ኢሉ እዩ ተረዲኡዎ። ውርደቱ ውሒጡ ድማ ናብቶም ዚጽበዩዎ ዝነበሩ ብጾቱ ተጸንበረ ይብሃል።

 

ከምቲ ጽጋብ ትወልዳ ለእኪት እተባህለ፡ ጉድለት ኵርዓት ድማ ንፍሽኵልና እያ እትወልዳ። ፍሽኵልና ድማ ብግዴኣ ንበዓል ውርደትን ሕስራንን ትወልደን። እቲ ጸገም ግን፡ ውርደት ዘይስመዓካ ኪኸውን ከሎ እዩ። ሌባ ሌባ እንተ በሉዎስ፡ ሉባ ሉባ ዚብሉዎ ዘለዉ ይመስሎ፡ ዚብሃል ምስላ ኣሎ። ሕማም ኣእምሮ፡ ንውርደት ከም ክብረት ጌይሩ ከቕርበልካ ስለ ዚኽእል፡ ኣእምሮኻ ከተመርምሮ ኣገዳሲ እዩ። ግን ከኣ መራሒተን ዘንድልሃጸት ኩለን የንደልህጻ ተባሂሉ እዩ’ሞ፡ ኣብዛ ዓለም ኣብ ገለገለ ዘመናት፡ እቲ ጽሉል ከም ጥዑይ፡ እቲ ሓንካስ ከም ኢራብ፡ እቲ ጸሊም ከም ጻዕዳ ዚቝጸረሉ ኩነታት ስለ ዚፍጠር፡ ከምዚ ምስ በዝሐ እዩ ብጥንቲ ኣቦታትና ንዓለም መኒኖም ናብ ኣድባራትን ቅዱሳት በዓትታትን ዚውሕዙ ዝነበሩ።

 

ግንከ ንምዃኑ ፖለቲካ ወይ ቡሉቲካ ኪብሃል ከሎ ውርዝነት ዘለዎ ስራሕ ዲዩ? ቀደም፡ ገለ ሰባት ‘ቡሉቲካ እዩኮ ዚሰርሕ ዘሎ’ ኪብሉ ኸለዉ ይዝከረኒ። ይሻጥረኒ እዩ ዘሎ ማለቶም እዮም። ፖለቲካ ብዘይ ሽጣራ ኣይትሰርሕን እያ። ግን እቲ ሽጣራነት እውን ናቱ ኣገባብ ወይ መገዲ ወይውን ሕጊ ኣለዎ።

 

ኣብ ናይ ፖለቲካ መስመራዊ ጸርጊ (spectrum) ምስ እንምልከት፡ በቲ ሓደ ጫፉ፡ ናይ ውርዝይናን ርዝነትን ቅሩብ ድማ ናይ ቅጥፈትን ባህርያት ዚረኣዮ ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ጫፉ ርሒቕና ምስ እንርእይ ድማ ናይ ሎቕመጽመጽን ፈሽኰልኰልን ናይ ምሽክንክነትን ሕግብግብን ባህርያት ይረኣዮ እዩ። መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት፡ በቲ ናይ ውርዝይና ጫፍ ይጅምሩ እሞ ብኡኡ ይውድኡ። ገሊኣቶም ድማ በቲ ናይ ውርዝይና ጀሚሮም ናብቲ ፈሽኮልኮልነት መድረኽ ይኣትዉ። ብፍሽኩልና ጀሚሮም ነቲ ስራሕ ብፍሽኩልና ዚድምድሙዎ ግን ውሑዳት ኣይኮኑን።

 

ኣይንሽታይን፡ እቲ ናይዚ ዘመንዚ ዓቢ ሳየንሰኛ ከምዚ ኢሉ ይብሃል፥ ኣብዚ ዩኒቨርስ፡ ክልተ ነገራት እየን መጀመርታን መወዳእታን ዘይብለን። እታ ሓንቲ፡ ባዕሉ እቲ ዩኒቨርስ ወይ ህዋ ዚብሃል እዩ፣ እታ ኻልአይቲ ግን፡ ናይ ወድሰብ ዕሽነት (stupidity) እያ-። ናይ ወድሰብ ዕሽነት መወዳእታ ዘይብሉ ኪኸውን ከሎ፡ ሓደ ህዝቢ ተዓሽዩ ንኺነብር ዘለዎ ተኽእሎ እውን ከምኡ መወዳእታ የብሉን።

 

ኵርዓት ዘይብሉ መሪሕነት፡ ድላዩ ኪገብር ይኽእል እዩ። ድላይካ ምግባር ማለት ከኣ፡ ነቲ መጻኢ ዕድላት ኣብ ስግኣትን ምጥርጣርን ምእታው ማለት እዩ። ኵርዓት ዘይስምዖ መሪሕነት፡ ልብን ቀልብን የብሉን እሞ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ሸይጡና እንተ ሓደረ እውን ኪገርመና ኣይግባእን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • meretse July 9, 2018

    መብዛሕትኡ ንወከሰ (ምውካስ)፡ ካብ ዝሓለፈ ተሞኩሮ ወይ ርካብ ቅንጭብ ኣቢላ ኣብ እነቅርበሉ ግዜ — ሰብ ቀደም (መዓልቲ ዝሓለፎም) ፣ ዝጠፈሹ፣ ከኣ መጹ መጹ፡ ዝሓደረ ዓጽሚ ….. ኢና እንብሃል። እቲ ጽቡቁ ግን ከይንብሃል ኢልና ካብቲ ሰብ ዘጸዋዓና ረቛሒታት ፈንከት ኣይንብልን። ንማንም ኢልና ዘይኮነስ ንባዕልና። ህዝቢ ኤረትራ ብዙሕ ግዜ ተታሊሉ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ መሲልዎ ወይ ተገሪሁ ንበል። ኣብቲ ካልኣይ ተደናጊሩ ንበል። ሎሚ ንሳልሳይ ግዜ ሕሳብ እንተዘይገሩ ግን ከምቲ ኣንስታይን ዝገለጾ ንዕሽነት (ስቱፒድትይ) ከይትገድፍኒ፣ ኣባክን ኣብ እዝግን ኢሉ ከም ዝተማሕጸና ኢና ክንርዳእ። ኣብ ጥቅምቲ 1974 ኢሰያስ ካብ ሳህል ንከበሳ ኣብ ዝተቀላቀለሉ ግዜ፡ ንህዝቢ ከበሳ ሓደ ሕቶ ኣቅርቡሉ ኔሩ። ንመና ትፈትዉ? ህዝቢ ኤረትራ ግን ንሳካትኩም ክልተኩም ደቅና ኢኩም ፤ የማናይ ዓይንን ጸጋማይ ዓይንን ምስ ዝብል መልሲ ሃበ። (ንመዝከርታ ወዲ ፈንቅል (በራኪ ንጉሰን ሳልሕ ጠጠውን) ዝነበርሉ ምዃኑ ኢዩ። ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ እውን ድሕሪ እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ርክብ ኣብ ወኪ -ዛግር ተሰዊኦም። ኢሰያስ ክልተ ዝኣምኖም ጀጋኑ ምስ ተሰውእዎ ፣ ጀግና እንተ ሓለፈ ሰውራ ኣይሓልፍን ኢዩ፡ ናይ’ዚ “ለክባጥ ህዝቢ ግን ደሓን” ክብል መደረ። ህዝቢ ኤረትራ ኢሰያስ ኣጣቕዕ ከይበሎ ከጣቕዓሉ ከም ዘሎዎ ኢዩ ዝርዳእ። ኣብኡ እንከሎኩም ፍተዉኒ። ኣብኡ እንከሎኩም እመኑኒ። ሓደ እትምንዎ ውላድ ኣነ ጥራሕ ኢየ ዝዓይነቱ እምንቶ ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ከም ዝሓድር ጌሩ ኢዩ። እቲ ናይ ሓሳብ ግዜ ሎሚ ኢዩ። ካብ ተሞኩሮ ኣይምሃርን እንተ ኢሉ .. .. ናይ መጨረሻ ግዜ ዝኮነ ክንርኢ ኢና።

    Thank you memhr Amnuel

  • Godaif July 9, 2018

    “መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One’s Sense of Pride)”

    ኣየ መምህር ኣማኑኤል ፡ እዚ ደኣ መዓስ ሓድሽ ነገር ኮይኑ ፡ “መጋረጃ ኩርዓት…” ድኣ ሽዓ እንድያ እተጠቕለለት። መንነትካ ቋንቋታትካ ትግረ ትግርኛ ምስ ፈንፈንካ ፣ ኣባሓጎታትካን ጥንታዊ ታሪኽካን ጸሪፍካና ኣዋሪድካን ፣ ነቲ ባዕዳዊ ከም ጎይታኻ ምስ ተቀበልካን ፣ ቀደም ኣብቲ እዋን ሽፍትነትን ጃንዳዊድነት ዝጀመረ እንድዩ።
    ሕጂ ሰላም ስለዝወረደ ተመስገን ንበል። እቲ ዝተረፈ ሕሳብና ድማ ኣይነርስዕ።

  • Gezae July 10, 2018

    The word wise/wisdom means: having judge properly of what is right and true or insight, common sense. That is the way I feel about it is; Sure that sounds good. So that talk talk talk, write, write and everyone wants to be right.and mostly everyone is full on believing GARBAGE wants wise. I am thankful for those who speak out harshly, because they do have a place in Assenna or Aiga forum or DIMTSI WOGAHTA
    .
    I understand wisdom has never really proved to be of much help to anyone and yet as we all get older, we would like to think we were acquiring wisdom. But what it is wise to do? The first step to wisdom is to look or act wise. This does not mean to grow your silvery hair long. If that were so, we would think that Dr. Abiy is not wise. The art in looking wise is to keep still as much as possible. So, what is something wise? Something wise is a statement which, if made by a mere mortal, would sound like a vague generalization, but which, when made by a wise person, sounds wise. Here are some sample pieces of wisdom.

    You should never fight the same war twice in the same way because the first game is already over!!!!!!!!!!!!! Hence, I am suggetion you if it is good to be wise after the event to change the way of your fight. Well, it is certainly good practice. And I am telling you so now again too.

  • Tes July 10, 2018

    Dear Mr Amanuel,

    We Eritreans had lost our dignity and pride long long ago, almost right after independence. We lost it when the war disables were shot dead in day light in front of our eye. We lost our dignity when our elders imprisoned for just doing their job at the age of over 80 and the nation kept quiet. We lost our pride when we kept quiet in front of injustice. The whole society become zombies, became like robots execute all orders with out question. What we saw in Asmara was nothing new it is just a continuation of an old pattern. If you see it closely it is nothing different between the celebration on the day Eritrea was liberated. and that of Abey arrival in Eritrea. It seems surreal to see a people under merciless dictator to behave like that. They don’t even know what he brought with him or they were not told who is coming. I don’t really know what is wrong with my lovely people but for sure something is fundamentally wrong and thank you Mr Amanuel for revealing that.

    • k.tewolde July 12, 2018

      Tes
      JULY 10, 2018
      Dear Mr Amanuel,

      ‘We Eritreans had lost our dignity and pride long long ago, almost right after independence.’……………I take it back to the pre- independence era when gallant fighters like my cousin were shot in the back in the thick of a battle because they disagreed with their coward incompetent leaders,when bright minds were silenced because they voiced contempt against the evil doers among us,when our comrades disappeared into thin air nobody went to fetch them,and this happened while we were fully armed,can you imagine as civilians?! The tyrant didn’t join the liberation struggle with a burning national desire and emotion to free the people of Eritrea,on the contrary he labored for over half a century to squash and eradicate that very pride,desire and emotion.that is what he meant when he said ‘game over’,it is a meticulously thought out subtle social engineering which altered the face of our society,and the people responded ‘we are one’ and he laughed like he was never seen laugh before,he hugged like he was never seen hug an Eritrean before.Yes indeed,for him the game is over,mission accomplished.How about you my friend,what do you think?….. ‘እቲ ኪሓፍር ዚግባኦ ሰብ ምስ ዘይሓፍር፡ ማለት ስምዒት ኵርዓት ምስ ዘይህሉዎ፡ እቲ ዘስተውዕል ብጻዩ ኣብ ክንዳኡ ኪሓፍር ይግደድ እዩ።’……quips Memhir____as the good American saying goes,’they have no shame in their game.’

POST A COMMENT