Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝርርብ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ( ንኤርትራ ዝምልከት ክፋሉ – ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጎምናዮ)

ክቡራት ተኸታትልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ቀጺልና እነቕርበልኩም ትሕዝቶ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ጋዜጣ ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ለውጢ መሪሕነትን ቅልጡፍ ጽገናዊ ለውጥታትን፡ ኣንፈት ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

ክቡራት ተኸታትልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ቀጺልና እነቕርበልኩም ትሕዝቶ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ጋዜጣ ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ለውጢ መሪሕነትን ቅልጡፍ ጽገናዊ ለውጥታትን፡ ኣንፈት ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ማይክ ራይነር ካብ ዝገበሮ ቃለመጥየቕ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ቆልጪልና ብምትርጓም ዘዳለናዮ እዩ።

ሕቶ – እሞ ናብቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝርአ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት ክንሰግር። ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ንምትግባሩ ድሌት ከምዘለዋ ምግላጻ ኣመሪካ ከመይ እያ ትርእዮ?
እዚ `ውን ሓደ ካብቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዝገበሮም ኣዝዮም ፍሉያት ጉዳያት እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ኢትዮጵያ ዝገበሮ፡ እዚ `ውን መሰረታዊ ክለሳ ፖሊሲ መንግስቲ ዘንጸባርቕ ተርእዮ እዩ። ካብ ትጽቢት ወጻኢ፡ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዘይእመነሉ ዝነበረ ዓቢ ዕድል እዩ ፈጢሩ ዘሎ። ስለዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወስታ እዩ። ፈለማ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ቃለማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ምስ ኤርትራ ዕርቂ ንምግባር ዘለዎ ባህጊ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ ኮነ፡ ቀጺሉ `ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንስምምዕ ኣልጀሪስ ከኽብሮ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ማዕረ ንዝርርብ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ናይ ምስዳድ ውሳኔ ዝበጽሐ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ክረክብ ምኽኣሉ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ምዕባለታት`ዚ ብምድጋፍ፡ ኮነ ንዝቕጽሉ ስጉምታት ንምትብባዕ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ወግዓዊ መግለጺ ዘርጊሓ እያ። ብሓቂ ዓቢ ጉዳይ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንኽልቲኤን ሃገራት ኮነ ነዚ ዞባ ዝጠቅም ኣይነበረን። ክልቲኤን ነዚ ዝጸንሐን ምስሕሓብ ፈቲሐን ብድሕሪኤን እንተደኣ ሓዲገናኦ፡ ንቑጠባአን፡ ንሕብረተሰበን፡ ከምኡ `ውን ንምርግጋእ ናይዚ ዞባ ኣውንታዊ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ተበጊሱ ዘሎ መስርሕ ኣብ መፈጸምታኡ እንተደኣ በጺሑ ኣዝዩ ዓቢ ውጽኢት እዩ፡ ክልቲኦም መንግስታት ናብቲ ሸቶ`ቲ ክበጽሑ ጻዕሮም ብዘይምሕላል ክቕጽሉዎ ድማ ኣጸቢቕና ከነተባብዖም ኢና።

ሕቶ፡ ነዚ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ለውጢ ንምድራኽ መቸም ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ምቅስቓስ ከድሊ እዩ፡ ኣመሪካ ኣካል ናይዚ መስርሕ ክትከውን ውጥን ኣለዋ ዲዩ?

ንኽሊትኦም መንግስታት እንተላይ ብእዉጅ መንገዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተራ ንምጽዋት ቅሩባት ምዃና ሓቢርናዮም ኢና። ኣብቲ ስምምዕ ኣልጀሪስ ዝተገብረሉ ግዜ ብወግዒ ኣውሓስቲ ናይዚ ስምምዕ ስለዝነበርና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተራ ንምጽዋት መሰረት ዝኸውን ባይታ `ውን ኣለና። ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምትብባዕ ጌርና ኢና፡ `ክልቴኾም ወገናት፡ ብሃናጺ መንገዲ ክነበርክቶ እንኽእል እጃም ኣሎ ኢልኩም ትኣምኑ እንተደኣ ኴንኩም፡ ነቲ ጻዕሪ `ቲ ንምድጋፍ ዝከኣለና ክንገብር ቅሩባት ኢና` ኢልናዮም ኢና። ዛጊት፡ ኣብዚ መስርሕ`ዚ ብዝኾነ መልክዕ ዝኾነ ዓይነት ተራ ክንጻወት ኣይተሓተትናን። እንተተሓቲትና ግን፡ ክንገብሮ ዝከኣል ዘበለ ክንገብር ምሉእ ቅሩብነት ከምዘለና ኣውንታዊ ግብረ መልሲ ክንህብ ቅሩባት ኢና።

ሕቶ፡ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ግዜ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እንደገና ምስሕሓብ ከይመጽእ ብወገን ኢትዮጵያ ክውሰድ ዘለዎ ተወሳኺ ስጉምታት ዘሎ ዶ ይመስለካ?

ከምዝመስለኒ፡ ኣብዚ ደረጃ`ዚ ክሊቴን ሃገራት ኣብ ጠውላ ኮፍ ክብላ ኣለወን።  ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስጉምታት እንተተለልዮም፡ ክልቲኤን ሃገራት ንሻቕሎት ናይቲ ሓደ ወገን ስምልስ ግብረመልስታት እናተወሃሃባ ምትእምማን ክፈጥራ ተስፋ ንገብር። እቶም ስጉምታት ብልክዕ እንታይ `ዮም ንዝብል ሕቶ ግን፡ ሕጂ እዝን እዝን ኢለ ክዛረብ ግዚኡ ኣይመስለንን፡ ጃህራ ዘንጸባርቕ `ውን እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብዝካየድ ዝርርብ ዝብጻሕ ውጽኢት ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።

ሕቶ፡ ብዙሓት ተንተንቲ ብወገን ኣመሪካ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝጸንሐ ጸቕጢ ነዚ ውሳኔ `ዚ ኣብ ምውሳድ ተራ ከምዝተጻወተ ይገልጹ እዮም። ርእይቶኻ ብዛዕባ`ዚ እንታይ እዩ?

ብሓደ መንገዲ እዚ ባህ ዘብል `ኳ እንተኾነ፡ ቁሩብ ምግናን ከይመስል። ሃናጺ ተራ ተጻዊትና ኢና። ከምቲ ዝበልኩዎ ምስ ክሊቲኤን ሃገራት ንሓያለ ኣዋርሕ ጽምዶ ብምግባር ናብዚ ውጽኢት `ዚ ዘምርሐ እጃም ጌርና ኢና። ካብ ቅድሚ ምርካብ ስልጣን ዶር ኣቢይ ጀሚሩ፡ ኣብ ስልጣን ንዘለወሉ እዋናት ኣጠቓሊልካ ማለት እዩ። እንተኾነ ግን፡ ዶር ኣቢይ ናብ ስምልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ብዛዕባ ድሌታቱን ቀዳምነታቱን እንታይ ክኾኑ ከምዘለዎምን ንጹር ሓሳባት ነይሩዎ እዩ። ቃለማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ንፓርላማ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራ ምትዕራቕ ሓደ ካብ ቀዳምነታቱ ምዃኑ ኣንጸባሪቑ። እዚ ዝርአ ዘሎ እምብኣር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብቐዳምነት ሒዙ ነቲ መስርሕ ይመርሖ ምህላዉ እዩ።

ሕቶ፡ ዝለዓለ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ናብ ኤርትራ ከይዱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘትዩ ኣብ ኢትዮጵያ `ውን ተመሳሳሊ ዘተ ገይሩ ነይሩ። ቀንዲ ዕላማ ዑደቱ እንታይ እዩ ነይሩ?

ብልክዕ፡ ከምቲ ዝበልኩዎ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓደ ክመጽኡሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ንምትብባዕ እዩ ነቲ ምብጻሕ ፈጺሙዎ፡ ብሓጺሩ።

ሕቶ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኸ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ጽምዶ ትርከብ ኣላ ዶ?

ኤርትራ ኣብዚ ዞባ ሃናጺት ተዋሳኢት፡ ከምኡ `ውን ሰናይ ጎረቤት ክትከውን ልዑል ተገዳስነት ኣለና። እዚ ዕላማ`ዚ ውጽኢት ናይዚ ምሰርሕ ክኸውን ድማ ዓቢ ተስፋ ኣለና። ክልቲኦም ወገናት፡ ነንሕድሕዶም ኮነ ምስ`ዚ ዞባ ኣውንታዊ ርክብ ክምስርቱሉ ዝኽእሉ ሓባራዊ ባይታ ፈጢሮም፡ ነዚ ዞባ ብዓቢኡ ድማ ንገዛእ ርእሶም ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ዝምዕብሉሉ ሃዋህው ክፈጥሩ ኢና ነተባብዖም ዘለና። እዚ ናይ ቀረባ ምዕባሌታት፡ ነዚ ተኽእሎ `ዚ ትስፉው ገይሩዎ ብምህላዉ ድማ ክምስገን ዝግብኦ ምዕባለ እዩ።

ሕቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ምረት መበገሲ ገይሩ ብዙሕ ወቐሳታት ካብ ዘቕረበሉ ጉዳያት ሓደ፡ `ፍሹል ፖሊሲ` ዝበሎ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ጉዳይ እዩ፡ ኣብዚ ግብረመልስኻ እንታይ እዩ።

ነዛ ሕቶ`ዚኣ ኳ ግብረ መልሲ ኣይክህበላን እየ። ፕረዚደንት ኤርትራ ዝተሰምዖ ክዛረብ ነጻ እዩ። ንመጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ዝምድና ንምሕዳስ ንዝነበሮ ባህጊ ኣብ ምግላጽ ዝተዛረቦ ኸኣ `ዩ። ንዓና እቲ እቲ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣገዳሲ ክፋል እዩ ዘገድሰና፡ ንሱ ኸኣ `ዩ ኣብዚ ደረጃ `ዚ ኣብጺሑና ዘሎ።

ሕቶ፡ እሞ መግንስቲ ኣመሪካ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ከሎ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክርኢ ይኽእል እየ ዝብል እምነት ኣለዋ ማለት ዲዩ?

ኣብዚ ጉዳይ`ዚ፡ እቲ ዝርርብ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዘናይ እንተሓተትካዮ እዩ ዝሓይሽ። ኣነ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዝውክል፡ ነዚ ብዝምልከት ካብዚ ዝተዛረብናዮ ንላዕሊ ብዙሕ ዝውሰኽ የብለይን። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣነ ዘይተወከልኩላ ሃገርን ንዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ብዝምልከት ክዛረብ መዝነተይ ኣይፈቕደለይን እዩ። ይኹን`ምበር፡ እዞም ክልተ ወገናት ዝምድናኦም ንምምሕያሽ ክዘራረቡ  ብምርኣይና ኣዚና ከምእተተባባዕና ግን ደጊመ ከረጋግጸልካ እደሊ። ኣብዚ እዋን`ዚ ባህ ዘብል ነገር እንተደኣ ኣልዩ እዚ እዩ። ብጣዕሚ መሳጢ ተርእዮ እዩ።

ሕቶ፡ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዋ እያ ክትርኢ እትደሊ?

ንርእዮ `ኮ ኣለና ሕጂ። ከምዚ እንርእዮ ዘለና፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ዞባ ብረባሕታዊ መንገዲ ጽምዶ ብምግባር፡ ኣብዚ ዞባ ምርግጋእን ውህደትን፡ ሓባራዊ ኣረኣእያን ኣብ ምርግጋጽ ትነጥፍ ኣላ። እዚ ኸኣ መርኣያ ናይቲ ኢትዮጵያ ከም ሃገር፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይን ምዕቃብ ሰላምን ክትጻወቶ እትኽእል ተራ እዩ።  ኣብዚ መዳያት`ዚ ምስ ኢትዮጵያ ምትሕግጋዝና እንኾርዓሉ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ቀጻሊ ስጉምታት ምስ ኢትዮጵያ ንዛተ ኢና። ብመንጽር ሓፈሻዊ ባህግን ድሌትን ኣብ ዞባ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብዚ በዳሂ ዞባ ሃናጺ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር፡ ነቲ ኢትዮጵያ ድሮ እተሳልጦ ዘሎ ዕማማት እንድግፈሉ መንገድታት ምድላይ እዩ ጻዕርና።

Source: Addis Standard 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT