Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባድመ: ድንድል ፍቕርን ሕውነትን

ባድመ መናሃሪያ ኲናት ዝነበረት፡ ድንድል ናይ ኣህዛብ ሕውነትን ፍቕርን ክትከውን ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ይዝመረላ ኣሎ። ሰናይ ንኹሉ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ! ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራዊያንን፡ ባድመን ከባቢኣን ከውሒ ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። ነገራት ንምልስላስ ዝኣመተ መደረታት እንተዀይኑ ጽቡቕ፤ ብዝተረፈ፡

ባድመ መናሃሪያ ኲናት ዝነበረት፡ ድንድል ናይ ኣህዛብ ሕውነትን ፍቕርን ክትከውን ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ይዝመረላ ኣሎ። ሰናይ ንኹሉ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ!

ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራዊያንን፡ ባድመን ከባቢኣን ከውሒ ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። ነገራት ንምልስላስ ዝኣመተ መደረታት እንተዀይኑ ጽቡቕ፤ ብዝተረፈ፡ ባድመን ከባቢኣን ጐልጐል ኢዩ። ይትረፍ ባድመ፡ ምድረበዳታት ክለምዑ ብውሕዱ ብወረ ሰሚዖም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፤ ከም ኩሉ እንናፍቖ ዓድታት ካኣ ባድመ፡ ንነባሪኣ ህዝቢ ትንፋሱ ኢያ!! እቲ ዝጥለብ፡ ብምንእኣሳ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብን ዜጋታትን ከመይ መፍትሒ ክንቅርብን ኣብ ፍጻሜ ከነብጽሖ ንኽእልን ኢዩ።

እቲ ባድመ ናይ ኲናት ምኽንያት ኣይነበረትን፤ ኣይኰነትን ዝብል መደረታቶም ግን ሓቂ ብሓቂ ዝሰማምዓሉ ኢዩ። ኲናት ምስ ተጀመረ’ውን፡ ብምትሕግጋዝ ሓው ብርሃነ ወልደገብርኤልን ዶ. ሱሌማንን (ሱዳናዊ ሓውና፡ ዳይረክቶር ናይ IFAA ዝነበረ) ኣንጻር ኲናት ምንቅስቓስ ኣካይደ ነይረ እየ! ብ2014 ዓ.ም ጽቢብ ሰሚናር ኣብ ሎንዶን ጽዊዐ፡ ዝመስለኒ መብርሂ ሂበ ነይረ’የ።

ነዚ ኣብዚ መድረኽዚ ዶ. ኣብዩ ኣሕመድ ኣርሕይዎ ዘሎ ቈራጽ ናይ ፍትሒ መንቀናን ኣብ ህዝቢ ኣንቢርዎ ዘሎ ዓቢ ተስፋን፡ ከም ውልቀሰብ ኤርትራዊ፡ ብፍቓድ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ፡ ከተባብዕ ደስ ይብለኒ! ከምዚ እዚ ናይ @ሕውነትን ፍቕርን@ ጭርሖ ፈጢርዎ ዘሎ ጽቡቕ መንፈስ፡ ብሰላምን ፍቕርን ክዛዘም፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዜጋታት ትዕግስትን ኣዙርካ ምርኣይን ዝጠልበና ግዴታ ካኣ ይኸውን።

ብርግጽ፡ ብኹሉ ሸነካት ኣዝዮም ዝመሩ ተሞክሮታትን ተረኽቦታትን ኣጋጢሞም ኢዮም። ይኹን’ምበር፡ ካብ ሕጋዊ መፍትሕን ዕርቅን ሰላምን ወጻኢ ካልእ ዘላቒ መፍትሒ ህልው ስለ ዘይኰነ፡ ሽግር ካብ መጋንዝቲ ክኸውን ምሽካሙ ንኣሕዋት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህያብ ምትራፍ ኣዝዩ ዝበልጽ ባህላዊ ልቦና ኢዩ። ኣብ ክልቲኡ ኣህዛብ ካብ ትርግታ ልቡ ዝምንጩ ናይ ፍቕርን ሰላምን ድሌቱ ብዙሕ ክብደት ኣሎዎ።

ኣብዚ ሳዓት’ዚ፡ ንዝልዓሉ ስግኣታትን ፍርሕን ጥርጠራታትን እውን ኣብ ግቡእ ቦትኦም ምህላዎም ምእማንን ምቕባልን ይሓትት። ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮ.ን ዝግበር ናይ ሰላምን፣ ፍቕሪን መስርሕ ዘላቒ መፍትሒ ዝረክብ፡ ብቐዳምነት ስምዒታትን ተግባራዊ ሕቶታትን ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ክጽናዕን ናይ ሓባር ባይታ ክፍጠረሉን የድሊ። ሰላሙን ሕውነቱን ካብ ነዊሕ እዋናት፡ ብዝተፈላለዩ ምክንያታት፡ ክቛሰሉ ጸኒሖም ኢዮም፤ ክሳብ ናብ ጽልኢ ክምዕብል ተገይሩ ኢዩ።

ብሰንኪ’ቲ ናይ ዶብ ኲናት ካኣ፡ ዓውዲ ኲናት ዝዀነን፣ እቲ ቦታ ዝህቦ ቁጠባዊ ጥቕሚ፣ ብፍላይ ነቲ ኣብቲ ዝድረት ቦታ ዘሎ ህዝብን ክፈጥረሉ ዝኽእል ምግልባጥን፣ . . . ብቐሊሉ ጐሲኻ ዝሕለፉ ጉዳያት ኣይዀኑን። እቲ ሽግር ጌና ኣብ እንግድዓ ናይቲ ህይወቱን ንብረቱን ዘጥፍአን፣ ዝሰንከለን ዝቘሰለን ህዝብታት ኢዩ ዘሎ።

ከምቲ ክሳብ ሕጂ  ክካየድ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘገላብጥ ስጉምትታት ከይውሰድ ካኣ ተስፋ እገብር!!

ካብ ዝጸንሑን ዝተለምዱን ስውር ኣሰራርሓታት ምውጻእን፣ ካብ ልዕሊ ሓባራዊ ምሕዝነት ዝስራዕ፡ ሓይልኻ ዝኸፋፍልን ባዕላዊ ተኣማንነት ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝብርዝን ናይ ወጻኢ ጣልቃ ክትብድህ ምብቃዕን ይሓትት። ብዓቕምና ክንነብር እናኻኣልና፡ ኣብ ሓድሕድና ንምጥቕቓዕ ዝዓለመ፡ መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓያላን መንግስታት ካብ ምዃን ምድሓን!!

ብ1979 ዓ.ም ክልተ ውድባት (ተ.ሓ.ኤን ህ.ወ.ሓ.ትን) ኣብቲ ዘስሓሕብ ዝነበረ ቦታታት በቲ ዝሓይሽ ዝመስለኻ መፍትሒ ምስ ህዝቢ ኴንካ ባይታ ምፍጣር ዘድሊ ምንባሩ ጽቡቕ ጌሩ ዝተገንዘቦን ጀሚርዎ ዝነበረን ክነሱ፡ ኣብ ናይ ሓባር ሽምግልና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን (ኣነ ኣባል ናይታ ሽማግለ’የ ነይረ)፡ ሃንደበት ብመሪሕነት ህ.ግ ሓጺርን ወሓለን መልሲ ተረኽበ። ንሱ ካኣ ባድመን ከባቢኣን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ምዃኑ ንህ.ወ.ሓ.ትን ነቲ ናይ ከባቢኡ ህዝቢን ኣፍለጡ። ሽዑ ኣብ ክንዲ ኢሳያስ ወይ ስብሓት፡ ከም ሸያጢ ባድመ ለማ ንዝብሃል ተጋዳላይ ህ.ግ (ቅድሚ 5/ 6 ኣዋርሕ ናይቲ ውዲት፡ ካብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ክቝጠብ ኣሲርና ኣጠንቂቕናዮ ዝነበርና) ይድረፈሉ ነይሩ።

ካብኡ ንድሓር ዝቐጸለ፡ እቲ ብጣልቃ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተመርሐን ህ.ወ.ሓ.ት ዝተዋደየትሉን ኣብ ኤርትራ ተ.ሓ.ኤ ንምቕንጻል ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ካብዚ ተሞክሮ’ዚ ክንምሃሮም እንኽእል ክልተ ነገራት ኣሎው። 1) ካብ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ክልቲኡ ኣህዛብ፡ ከምታ ጭርሖ ናይ ዶ. ኣብዩ ኣሕመድ፡ @ሕውነቱን ፍቕሩን@ ካብ ሓጺርን ወሓለን መፍትሒ ወጻኢ፡ ዘገም ኢሉ ክሰርሓ ይህልዎ! 2) ጣልቃ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝኸፋፍልን ብህይወት ኣህዛብናን ንብረትናን ዝጻወትን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ከምኡ ዝበለ ርኽክባት ምቝጣብን!!!

እምብኣር፡ ኩሉ ዝካየድ መስርሓት ናይ ዘተ፡ ብግሉጽ፣ ናይ ህዝቢ ውከሳ ዝካየደሉን ህዝቢ ዝጋባኣሉን ክኸውን ይህልዎ። እቶም ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዝህልዎም ሰበ ስልጣን ካኣ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ እውን ክትምሃሮ ዝህልዋ ፖሊትካዊ ምስጢር ኰይኑ፡ ብተሓታትነት ዝምእዘዙን ዝቕየዱን ክዀኑ ይግብኦም።

ክሳብ ዝተኻእለ መጠን፡ ሓቢርካ ብፍቕርን ሕውነትን ንምንባር ክንበቅዕ፡ ክንዓቢ ዝግባእ ክነሱ፡ መንነትን ክብርን ምርጫን ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝምንዝዕ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ልዑላዊነት ምትእትታው መደባትን ውጥናትን (ኣብነታት፡ ምስጢራዊ ዘተ መሪሕነት ህ.ግ ምስ ደርግ፡ በርሊን 1978 ዓ.ም፣ መደብ ኮርፖረሽን (corporate body)፡ ሕሩይ ተ. ባይሩ 2016 ዓ.ም ገጽ 265)፡ ዝተተምብሁ መፍትሒታትን ግን ክእቶዉ ኣይግባእን፤ ንቕድሚት ብዝያዳ ከትሓቛቚፈና ዝኽእል ዘይኰነስ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ተመሊሱ ከቚስለናን ንድሕሪት ክጐተናን ስለ ዝኽእል።

ብዛዕባ’ዞም ነጥብታት እዚኣቶም ዝዀነ ይኹን ቁም ነገር ዝህልዎ ስጉምቲ ንምውሳድ ክብቃዕ እንከሎ፡ መንግስት ኢትዮጵያ’ውን ጥንቃቐ ክትወስደሉ ዝግብኣ ጉዳይ ኢዩ፤ ብሓጺር ዘይምግራህ!

ተጋ/ ነበር ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ (1979 ዓ.ም፡ ጀ.ዓባይ ብምውካል ናይ ዶብ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ኣባል)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! July 6, 2018

    Eritreans and Ethiopians supported to exchange WAR for PEACE . This
    is one step that can open the door
    for political reforms because ” no
    war no peace ” policy only served
    WEYANE and HGDF interests to
    control power .

  • meretse July 6, 2018

    “………. ሃንደበት ብመሪሕነት ህ.ግ ሓጺርን ወሓለን መልሲ ተረኽበ። ንሱ ካኣ ባድመን ከባቢኣን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ምዃኑ ን ህወሓትን ነቲ ናይ ከባቢኡ ህዝቢን ኣፍለጡ። ሽዑ ኣብ ክንዲ ኢሳያስ ወይ ስብሓት፡ ከም ሸያጢ ባድመ ለማ ንዝብሃል ተጋዳላይ ህ.ግ (ቅድሚ 5/ 6 ኣዋርሕ ናይቲ ውዲት፡ ካብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ክቝጠብ ኣሲርና ኣጠንቂቕናዮ ዝነበርና) ይድረፈሉ ነይሩ”
    ፍታሕ ባድመ ብሃንደበት ፤፤ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚኡ ረጊጻቶ ኣብ ዘይትፈልጥ ቦታ ከመይ ጌራ’ያ እቱው ኢላ፡ እዚ መሬት እዚ ኣካል ትግራይ ኢዩ ክትብል መስኪራ? ጸንሓ’ውን ነቲ ሃንደበታዊ ውግእ ጠንሲሳ? ኣብ’ዚ ግን እቲ ውግእ ሃንደበት ዝነበራ ን ተ. ሓ. ኤ ጥራሕ ኢዩ። ን ህወሓትን ንህግሓኤን ሃንደበት ኣይነበረን። ምክንያቱ፡ EPRP ዳግማይ ስርርዕ ወዲኦም ንጎንደር ምስ ከዱ ክልቲኦም ውድባት ማለት ወያኔን ህዝባዊ ግናባርን ጠፋእና ክብሉ ዘልዓልዎ ውግእ’ዩ። ብርግጽ ወያኔ ደብዳቤ ናብ ሓለፍቲ ተሓኤ ሰዲዶም በጃኩም ብድሕሪ ግንባርና ን EPRP ኣይተሐይሉ ዝብል ተመሻካኒ መልእክቲ ልኢኮም ነይሮም። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ መራሕቲ ተሓኤ ኣብ ወጻኢ ፋሕ ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ወተሃደራዊ ቤት/ጽሕፈት ተሓኤ ብስውእ ተጋ. መልኣከ ተክለ ኢዩ ዝምራሕ ኔሩ። መልኣከ ዝሃቦ ምላሽ መልእክቲ ነቲ ሃንደበታዊ ውግእ ዶው ከብሎ ኣይከኣለን። ምክንያቱ ወያኔ ነቲ መልእክቲ ተሓኤ ስራሓ ኣንዳሰርሐት ማለት መዔሸዊ ደብዳቤ ል ኢካትልና፡ ሓቂ እንተ ዝነብሮም ነቲንEPRP ዓጂቡ ዝኣተወ ሓይሊ ምሰሓብዎ ዝብል መርገጽ ወሲዶም ናብ ሓይልታት ተሓኤ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ጌሮም። ምናልባት ነዚ ሓቤሬታ ርግጽ ጭብጢ ምናልባት ብዙሓት’ዃ ካብ’ዚ ንላዕሊ’ውን ዝፈልጡ እንተሃለዉ፡ ነዚ ዝጠቀስክዎ ሓበሬታ ግን ባኦLአይ ፡ ማለት ኣነ፡ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኢዩ።
    ቅድሚ ውግእ ባድመ፡ ኣብ ሳዋ ዝመደበሩ ብማእከላይ ክፍሊ ርክብ ወተሃደራዊ ቤት/ጽ ተሓኤ ኔሩ። እዚ መደብር’ዚ ብዙሕ ዘጠቃልል መደበር ኢዩ ኔሩ። ከም ኣጋጣሚ እተን ኣሎው ዝብሃላ መራከቢ ሬድዮታት ካብ ዝዓበያ ክሳብ ዝነኣሳ ተታሒዝሉ ዝነበረ መደበር ኢዩ’ውን። መልኣከ ተክለ ፎርቶ መጺኡ ንግዝይኡ (ዓብደላ ካብ ሱርያ) ክሳብ ዝመጽእ ከካይድ ምስ ጀመረ ንክፍሊ ርክብ ጸዊዑ ኣብ መክዘን ዘሎ ኣቑሑት ሓደ ብሓደ ክቀርበሉ ይሓትት። ኣነ ከም ኣጋጣሚ ኢየ ዝብሎ ፣ ግን መን ይፈልጥ? ከም ኣጋጣሚ እቲ ቆጸራ ከካይድ ዝተመዘዝኩ ኣነ ሓደ ኔረ። ኣብ’ዚ መስተንክር ዝኮነ ጉዳይ ይርከብ። ኣብ ውግእ ኣቁርደት ቅድሚ ዓመታት ዝተተሓዘ ብዙሓት መራከቢ ሬድዮታት ይርከባ። እዘን ሬድዮታት እዚኣተን ስርሓተን ናይ ሩስያ ኢየን። ብ 1-2 መስመር (ቻናል) ከኣ ምስ ፒርሲ ይራከባ። መልኣከ ብጣዕሚ ተሓጒሱ ሓንቲ ንኣብ ቶጎሩባ ዝነበረት ብሪጌድ፡ ሓንቲ ንከርከበት፡ ሓንቲ ኣብ ከባቢ መንሱራ (ብቱምሳሕ) እትምራሕ ዘርጊሑ ምስ ወድኤ ኢዩ ንዓይ ንጎንደር ከይደ ንዝተረፋ ሬድዮታት ከስርሕ ዝነግረኒ። ንጎንደር ንክከይድ ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናተባህለ ከሎ፡ ወያኔ ዕጡቅ ሰራዊታ ንቅድሚት/ማልሳ ብድሕሪት ገዲፋ ብስም ዶብ ኮበሮ ሓምሓም ወቂዓ ዝኣተወት። ንሶም ከም ዝብልዎ ውግእ ባድመ ናይ ወያኔ ካብ ሕማቅ ሞት ወየንቲ ዘናገፈ ኢዮም ዝብሉ። እቲ ሽግር ግን ሽርሒ ክልቲኦም ኣብኡ ኣዮኣረፈን።
    ኣብ ዝቅጽል ግዜ፡ እዘን ሓደስቲ ርካብ ሬድዮታት ዘምጽኦኦ መዘዝ ክሕብር ኢየ። ምናልባት’ውን ኣብ ምውዳቅ ተሓኤ ዝነበረን ኣሉታዊ ጊደ// ቅድሚ ሕጂ በጨቅ ኢሉ ዘይፈልጥ ሓብሬታ………….

  • meretse July 6, 2018

    ዝከብርካ ሓው
    ባድመ፡ ድልድል ፍቅርን፡ ሕውነትን > > > ብ ተጋ/ ጀብሃ-ዓባይ ነበር ሃብተጊዮርግስ ኣብርሃ/ ከምኡ’ውን 1979 ናይ ዶብ ዕርቂ ኣባል ሽማግሌ ነበር፡
    ግርም ገበርካ ሓው ሃብተጊዮርግስ ኣብርሃ፡ ዋላ’ዃ ሓደ-ሓደ ሰባት “ዞሞ ደንጒይካ እንደሞ” ዝብል ኣፍልጦ ወስ ከብሉ እንተከኣሉ፡ ኣነ ግን “ካብ ፍጹም ዘይምንቃል፡ ደንጒካ ምቅልቃል” ( Being late is better than never) ዝብል ፈሊጥ ተመርኲሰ፡ ግሩም ሓበሬታ ኢለዮ ኣሎኩ። ከርክብ ኢዩ ግዲ የብልካን። ክሳብ ሕጂ ሃስዩና ዝጸንሐ ፡ ንሕና’ውን ን’ፈልጦ ዘበለ ከም ኣቅሓ ሕድሪ ሰቲርናዮ ብምጽናሕ ኢዩ። ሎሚ ግን ዝሕበጠ ዝትኮሰሉ ሰዓት ኣኪሉ ኢዩ።
    ምክንያቱ ግዚኡ ምስ ሓለፈ ዝትረክ ታሪክ ምስ ነበረ’ያ ነበረ ኢዩ ዝስራዕ።
    ይቅረታ እቲ ከም መእተዊ ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ከም ኣጋጣሚ ኣብ ቅዳሕ ተሪፉኒ . .

    • Ermiyas July 7, 2018

      meretse or fesewe crap,
      Here is what the greatest Einstein used to say: “It takes 50 minutes to identify and understand a problem; the solution to the problem is then given in just 10 minutes”. Look barbaric, Islamic Jebha/ELF’s stooge, it bloody takes 10 minutes to solve a problem. But 18 yrs has gone after the end of the dirty bloody border war and still no freaking solution. You bloody need to take more time like 50 minutes to identify and understand the real problem first.
      In short, deki dikalatat korakur of barbaric and evil Islamic Jebha/ELF, don’t bore us with your outdated boring ELF mendef propagandas. You were well beaten up/defeated by TPLF/EPLF.

      • Habtegiorgis ABRAHA (I wish all of us who would like to contribute to the discussion, use our real names instead of reconstructed name, ... unaccountable opinions, pls.) July 7, 2018

        Dear Bro/ sis/ friend,
        Least you need to read/ follow would be “what has been going on between the tyrant/ dictator/ … ato Isayas and AlShebab (Somalia), and come back to comment about terrorism, & thanks

    • Habtegiorgis ABRAHA (I wish all of us who would like to contribute to the discussion, use our real names instead of reconstructed name, ... unaccountable opinions, pls.) July 7, 2018

      ሓው መነጽር፡ ከምቲ ዝበልካዮ ዋላ’ውን እንተድሓረ፡ እትፈልጦ ከተቕርብ ክንጽበ ምዃና መንፈሰይ እናካፈልኩ፡ ናብ ሓደ ክልተ ዝርዝራት ክኣቱ።

      እቲ ምስ ኢ.ህ.ኣ.ፓ ዝተኣሳሰር ዝነበረ ናይ ጀብሃን ወያኔን ጐንጺ፡ ምስ ሕቶ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ውጽኢት ክህብ ተኽእሎ ዝነበሮ ፖሊትካዊ ባእታ’ዃ እንተነበረ፡ ኣቐዲሙ መልሲ ረኺቡ ዝነበረ ነጥቢ፡ ማለት (ብቀዳምነት ን2’ቲኦም ኢትዮጵያዊ ውድባት ዝምልከት ዝነበረን፣ ጀብሃ ካኣ ንኹሉ ዝቃለስ ውድባት ከተተባብዕ ቅርብቲ ምንባራ ዝተዘርበሉን) ይመስል ነይሩ ኢዩ።

      እታ “ሃንደበት” እትብል ሓረግ፡ ነቲ መሪሕነት ህ.ግ ሽዑ ዝሃበቶ መግለጺ (“ባድመን ከባቢኣን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ምዃኑ ንህ.ወ.ሓ.ትን ነቲ ናይ ከባቢኡ ህዝቢን ኣፍለጡ።”) ጥራሕ’የ ኣዘውቲረያ።

      ብዛዕባ’ቲ ጀ. ዓባይ ንምቕንጻል ዝተካየደ ውዲት ግን ብመሪሕነታት ህ.ግን ህ.ወ.ሓ.ትን ብምስጢር ብእዉጅ፣

      “ኣብ መጀመሪያ ጊዝያት ናይ 1981 ዓ.ም፡ ህ.ግ፡ (እታ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ፥ ዝያዳ ተጻባኢ@ውን እንተ ዘይኰይኑስ ፥ ምስ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝነበረት፡) ነቲ ምስ ተ.ሓ.ኤ ነዊሕ ዝወሰደ ሽግር ንምምላሱ ንምፍታን ብስብሓት ኤፍረም፡ ኣባል ፖሊትካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ህ.ወ.ሓ.ትግራይ ሰደደት። ኣብቲ ጊዜ@ቲ፡ 2@ቲኦም ብዛዕባ ናይ ተ.ሓ.ኤ ነገር ድልይልያት ኣኺልዎም ዝነበረ ይመስሉ ነይሮም፤ ማዕረ ዝቊጽሩ ሓይልታት ብምቕራብ ካኣ ንተ.ሓ.ኤ ወሳኒ ጕድኣት ከብጽሑላ ተሰማምዑ። . . . ብዘይ ናይ ሓባር ስርሒት፡ እቲ ኲናት ምስ ተ.ሓ.ኤ ንህ.ግ ንበይና ዘይካኣል ስራሕ (task) ምዀነ ነይሩ። . . . “ ዶ. ኣረጋዊ በርሀ (A political history of Tigray People’s Liberation Front (1975-1991), Revolt, ideology and mobilisation in Ethiopia, 2008 ዓ.ም ገጽ 258 – 259)

      ብእኦም ዝተመርሐን ዝተዓጽወን ግን ኣይነበረን፤ የግዳስ ዓቢን ሰፊሕን ምንባሩ ዝቐረበ መግለጺ ብከምዚ ዝስዕብ የዘኻኽር።

      “ንሱ (ኣቡ ዓላ፡ ናይ ዒራቕ ባዕስ ፓርቲ ) ተ.ሓ.ኤ ብኢሳያስ ዝተመርሐ፣ ብሲ.ኣይ.ኤ ሩሕ/ ማሓውር ዝገበረ ብናይ ትግርኛ ውዲት ተሓግሒጋ ከም ዝወጸት ሓበረ/ ኣቓልቦ ክህብ ኣመልከተ። ስለዚ ናይ ዒራቕ ባዕስ ፓርቲ ብዓብደላ እድሪስ ንእትምራሕ ተ.ሓ.ኤ ክትድግፍ ምግባር ግዴትኡ ምንባሩ መግለጺ ሃበ።” (Eritrea and Ethiopia, a front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution፡ 2016 ዓ.ም ሕ. ተ. ባይሩ፡ ገጽ 193)

      መዋእል ዝሑል ኲናት ዓለም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጀ. ዓባይ፡ ካብ ምብራቕ ይኹን ምዕራብ ብኹሉ ሸነኹ በቢመንገዱ መጥቃዕቲ ካብ ነዊሕ ኢዩ ዝዋደድ ነይሩ፤ ኢሉ ኢሉ ካኣ ብሓደ ወፊሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብንጉሳዊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ጀ. ዓባይ’ውን ንምስላዂ በቒዑ።

      “. . . ስለዚ ንርእሱን ንኣባላት ኣርካንን [ንተጋ/ /ዓብደላ እድሪስ ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ] ካብቲ ሓላፍነት’ቲ ከርሕቖም/ ናጻ ከውጽኦም፤ ድሒሩ ካኣ፡ ብፖሊትካዊ ዓይኒ ኣንጻር’ቶም ፖሊትካዊ ተጻባእቱ ገይሩ ዝርእዮም ዝነበረ ክጥቀመሉ ዝመደበ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ንሳቶም ካኣ እቶም ዓብደላ ብሃብሪ፡ ናይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ጸጥታ ልኡኽ፡ ከም ምሕዝነት ክርስትያንን ኮሙኒስትን ዝርኣዮም፤ እሞ ካኣ [ነተከለስ ምኖም] ክጠፍኡ ዝደልዮም ዝነበረ ኢዮም።” ተጋ/ ኢ. መ. ዓሊ (ኣባል ፈ.ሽ ውድብ ዝነበረ)

      ብሰንኪ’ዚ ውድብና፡ ውድብ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ክትስዓርን ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ክትድምድምን ተገይራ!! መሪሕ ውድቡ ዝተቐንጸለቶ ህዝቢ ካኣ፡ ናብዚ ንምግላጹ ዝድንጽዉ ህይወት፡ ብዝጸልእዎ ሕቱራት ባእታታ … ክግዛእን ክወድቕን ዝተገብረ ህዝቢ ኢዩ። ከምቲ ሰኺሩ ጓልካ ሃበኒ ንዝበለ . . . ኣይትኽላእ ዝብል ልቦና ወለዲ ዝፈልጦን ኣብ ልዑል ናይ ኢንተሊጀንስ ኣሰራርሓ’ውን ዝዝውተርን፡ ካብ መሪሕነት ኤርትራ በጨቕ ዝብል ጽልእ ምምልካት ኣጋዳሲ ይመስል!!

      “ኢሳያስ ብውሽጡ ንነብሱ ከም ኤርትራዊ ናይ መንነት ቅልውላው ስለ ዝስምዖ፡ ብናይ ንጹግ ሕልኽልኽ ዝሳቐ ሰብ ኢዩ። ኣብ ዝሰኽረሉ ወይ ምስ ሰኸረ ኣብ ቈይቚ ኣብ ዝኣትወሉ ጊዜታት፡ [ብድሕረይ፡ ዓጋመ ከም እትብሉኒ እፈልጥ እየ። ከርእየኩም@የ! ነዛ ዓዲ፡ ከምታ ዘምጻእኩዋ ከጥፍኣ እየ።] …” (ERITREA AT A CROSSROADS, A Narative of Triumph, Betrayal and Hope, ዶ. ዓንደብርሃን ወ.ጊዮርጊስ፡ ገጽ 322)

      እቶም ህዝብና ናይ ምውሳን መሰሉ ከረጋግጽ ዝብህጉ ዘሎዉ ዜጋታት ወይ ፈተውቲ ካኣ፡ ብሓቂ ግሩም ሕልና ክተባባዕን ክስርሓሉን ዝህልዎ ኢዩ።

      “Mad/ confused people” ዝብል ዘለፋ ግን ንባዕሉ መልሲ ኢዩ (መዐቀኒ ናይቲ ምናልባሽውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ውልቀሰብ)!

  • k.tewolde July 7, 2018

    In a nut shell,anything which pertains to the interest of Eritrean citizens and the sovereignty of their nation should have transparency,accountability and be inclusive of all the stakeholders regardless of their ethnicity,creed,religion and political affiliation.No shuttle diplomacy,closed door deals,or prefab decrees.Decisions should be discussed and made and voted at a town hall meeting and exhausted by all participants.THE PEOPLE!!!!! not the party or a clique or ‘high ranking officials’, should negotiate,hammer out,chart,streamline,determine…what best works for them and their future.For this to happen,a global call should be made to the ever transitioning regime in Asmara to surrender the power to the people through appropriate diplomatic global channels.Once the Eritrean people assume power all the chips will fall in place.The problem is the Eritrean people have never ever governed themselves even after they won a 30 yrs bloody war of independence.

    • Deglel July 7, 2018

      I wonder why Eritreans like to go to war for 30 yrs to get their independence
      and two yrs of border war and 20 yrs (with no war no peace) after the border war
      winning its fake independence (more like long slavery)? Mad/confused people and leaders deserve each other. Could it be the incurable disease left by fascist Italians (Eritreans Papas)!!!

      • Danilo July 7, 2018

        Poor Italians, they never left us a disease. The real disease ( ሕልሚ-ምስፍሕፋሕ ) was pre -Italian colonialism and still going on. eritreans were forced to oppose years and years back way to feudal emperors sentiments which still exist. Let history tels the atrocities been committed why the fight is going on.

        • Ermiyas July 7, 2018

          Wedi Halima, stop hallucinating from your messed up Islamico backside.

    • Gezae July 7, 2018

      SLE ENFELALET KEYNMELALET

      It’s not about malcontent, it’s about facts. Now, having said that,I don’t think there is a rational explanation coming. I applaud the people here in this forum who have tried to seek answers to a very common problem. But easyly being honest with ourselves does any one know Eritrean and has more knowledge than the Etitrean government and PFDJ? Does any one has or feels more responsibility than PFDJ/PIA?

      Firstly, there was/is no any secret between TPLF and EPLF about Badme if there are any thing secret you know it bring down here don’t try conceal or exabrated situations. Any one living in say yes, is completely idiots. This is truly a complete word to describe him/her/them.
      People prefer they assume like have solved problem or tried to solve is quite wrong rather, in most cases, they tend to deteriorate the condition, poking their nose into even in useless matters because their ego doesn’t even let them understand the condition properly.
      Secondly, well it can be much easier to see a solution more clearly if you are on the outside looking in, as opposed to being the person on the inside, the one living with the problem. This is why it can really help to talk through problems with people who are not directly involved in the problem.

      If you’re on the inside of it, it is easy to think about it to the point you’re going in circles, to introduce so many if’s and but’s and possible scenarios, to dream about it, and to be emotionally involved, that sometimes you cannot see the wood for the trees. The person on the outside does not get tangled up with these things, so can see the picture objectively.
      That is the reason why people do not always act quickly on their own problems, ie it can be hard to find the solution because of all the ‘white noise’. But helping others solve theirs is easier because you are analysing it from the facts you know and what you see, rather than actually living it. Thus why Ethiopia and Eritrea went to the arbitraration and get final and binding resolution which now Woyane Tigray regime’s obstruction of the pillar emplacement, the Boundary Commission virtually demarcated the border on the basis of the pertinent colonial treaties and applicable international law.

      • k.tewolde July 7, 2018

        ‘Does any one has or feels more responsibility than PFDJ/PIA?’…tell this to those you left behind in shallow graves and the ones decomposing alive in containers and underground dungeons…the Lord is listening to their ear deafening cries at this time,and your casual comments as well.

  • Habtegiorgis ABRAHA (I wish all of us who would like to contribute to the discussion, use our real names instead of reconstructed name, ... unaccountable opinions, pls.) July 7, 2018

    ሓው መነጽር፡ ከምቲ ዝበልካዮ ዋላ’ውን እንተድሓረ፡ እትፈልጦ ከተቕርብ ክንጽበ ምዃና መንፈሰይ እናካፈልኩ፡ ናብ ሓደ ክልተ ዝርዝራት ክኣቱ።

    እቲ ምስ ኢ.ህ.ኣ.ፓ ዝተኣሳሰር ዝነበረ ናይ ጀብሃን ወያኔን ጐንጺ፡ ምስ ሕቶ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ውጽኢት ክህብ ተኽእሎ ዝነበሮ ፖሊትካዊ ባእታ’ዃ እንተነበረ፡ ኣቐዲሙ መልሲ ረኺቡ ዝነበረ ነጥቢ፡ ማለት (ብቀዳምነት ን2’ቲኦም ኢትዮጵያዊ ውድባት ዝምልከት ዝነበረን፣ ጀብሃ ካኣ ንኹሉ ዝቃለስ ውድባት ከተተባብዕ ቅርብቲ ምንባራ ዝተዘርበሉን) ይመስል ነይሩ ኢዩ።

    እታ “ሃንደበት” እትብል ሓረግ፡ ነቲ መሪሕነት ህ.ግ ሽዑ ዝሃበቶ መግለጺ (“ባድመን ከባቢኣን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ምዃኑ ንህ.ወ.ሓ.ትን ነቲ ናይ ከባቢኡ ህዝቢን ኣፍለጡ።”) ጥራሕ’የ ኣዘውቲረያ።

    ብዛዕባ’ቲ ጀ. ዓባይ ንምቕንጻል ዝተካየደ ውዲት ግን ብመሪሕነታት ህ.ግን ህ.ወ.ሓ.ትን ብምስጢር ብእዉጅ፣

    “ኣብ መጀመሪያ ጊዝያት ናይ 1981 ዓ.ም፡ ህ.ግ፡ (እታ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ፥ ዝያዳ ተጻባኢ@ውን እንተ ዘይኰይኑስ ፥ ምስ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝነበረት፡) ነቲ ምስ ተ.ሓ.ኤ ነዊሕ ዝወሰደ ሽግር ንምምላሱ ንምፍታን ብስብሓት ኤፍረም፡ ኣባል ፖሊትካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ህ.ወ.ሓ.ትግራይ ሰደደት። ኣብቲ ጊዜ@ቲ፡ 2@ቲኦም ብዛዕባ ናይ ተ.ሓ.ኤ ነገር ድልይልያት ኣኺልዎም ዝነበረ ይመስሉ ነይሮም፤ ማዕረ ዝቊጽሩ ሓይልታት ብምቕራብ ካኣ ንተ.ሓ.ኤ ወሳኒ ጕድኣት ከብጽሑላ ተሰማምዑ። . . . ብዘይ ናይ ሓባር ስርሒት፡ እቲ ኲናት ምስ ተ.ሓ.ኤ ንህ.ግ ንበይና ዘይካኣል ስራሕ (task) ምዀነ ነይሩ። . . . “ ዶ. ኣረጋዊ በርሀ ()፡ ገጽ 258 ፥ 259።

    ብእኦም ዝተመርሐን ዝተዓጽወን ግን ኣይነበረን፤ የግዳስ ዓቢን ሰፊሕን ምንባሩ ዝቐረበ መግለጺ ብከምዚ ዝስዕብ የዘኻኽር።

    “ንሱ (ኣቡ ዓላ፡ ናይ ዒራቕ ባዕስ ፓርቲ ) ተ.ሓ.ኤ ብኢሳያስ ዝተመርሐ፣ ብሲ.ኣይ.ኤ ሩሕ/ ማሓውር ዝገበረ ብናይ ትግርኛ ውዲት ተሓግሒጋ ከም ዝወጸት ሓበረ/ ኣቓልቦ ክህብ ኣመልከተ። ስለዚ ናይ ዒራቕ ባዕስ ፓርቲ ብዓብደላ እድሪስ ንእትምራሕ ተ.ሓ.ኤ ክትድግፍ ምግባር ግዴትኡ ምንባሩ መግለጺ ሃበ።” (እንደገና ሕ. ባይሩ፡ . . . ገጽ 193)።

    መዋእል ዝሑል ኲናት ዓለም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጀ. ዓባይ፡ ካብ ምብራቕ ይኹን ምዕራብ ብኹሉ ሸነኹ በቢመንገዱ መጥቃዕቲ ካብ ነዊሕ ኢዩ ዝዋደድ ነይሩ፤ ኢሉ ኢሉ ካኣ ብሓደ ወፊሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብንጉሳዊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ጀ. ዓባይ’ውን ንምስላዂ በቒዑ።

    “. . . ስለዚ ንርእሱን ንኣባላት ኣርካንን [ንተጋ/ /ዓብደላ እድሪስ ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ] ካብቲ ሓላፍነት’ቲ ከርሕቖም/ ናጻ ከውጽኦም፤ ድሒሩ ካኣ፡ ብፖሊትካዊ ዓይኒ ኣንጻር’ቶም ፖሊትካዊ ተጻባእቱ ገይሩ ዝርእዮም ዝነበረ ክጥቀመሉ ዝመደበ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ንሳቶም ካኣ እቶም ዓብደላ ብሃብሪ፡ ናይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ጸጥታ ልኡኽ፡ ከም ምሕዝነት ክርስትያንን ኮሙኒስትን ዝርኣዮም፤ እሞ ካኣ [ነተከለስ ምኖም] ክጠፍኡ ዝደልዮም ዝነበረ ኢዮም።” ተጋ/ ኢ. መ. ዓሊ (ኣባል ፈ.ሽ ውድብ ዝነበረ)

    ብሰንኪ’ዚ ውድብና፡ ውድብ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ክትስዓርን ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ክትድምድምን ተገይራ!! መሪሕ ውድቡ ዝተቐንጸለቶ ህዝቢ ካኣ፡ ናብዚ ንምግላጹ ዝድንጽዉ ህይወት፡ ብዝጸልእዎ ሕቱራት ባእታታ … ክግዛእን ክወድቕን ዝተገብረ ህዝቢ ኢዩ። ከምቲ ሰኺሩ ጓልካ ሃበኒ ንዝበለ . . . ኣይትኽላእ ዝብል ልቦና ወለዲ ዝፈልጦን ኣብ ልዑል ናይ ኢንተሊጀንስ ኣሰራርሓ’ውን ዝዝውተርን፡ ካብ መሪሕነት ኤርትራ በጨቕ ዝብል ጽልእ ምምልካት ኣጋዳሲ ይመስል!!

    “ኢሳያስ ብውሽጡ ንነብሱ ከም ኤርትራዊ ናይ መንነት ቅልውላው ስለ ዝስምዖ፡ ብናይ ንጹግ ሕልኽልኽ ዝሳቐ ሰብ ኢዩ። ኣብ ዝሰኽረሉ ወይ ምስ ሰኸረ ኣብ ቈይቚ ኣብ ዝኣትወሉ ጊዜታት፡ [ብድሕረይ፡ ዓጋመ ከም እትብሉኒ እፈልጥ እየ። ከርእየኩም@የ! ነዛ ዓዲ፡ ከምታ ዘምጻእኩዋ ከጥፍኣ እየ።] …” (ዶ. ዓንደብርሃን ወ.ጊዮርጊስ፡ . . . ገጽ 322) . . . .

    እቶም ህዝብና ናይ ምውሳን መሰሉ ከረጋግጽ ዝብህጉ ዘሎዉ ዜጋታት ወይ ፈተውቲ ካኣ፡ ብሓቂ ግሩም ሕልና ክተባባዕን ክስርሓሉን ዝህልዎ ኢዩ።

    “Mad/ confused people” ዝብል ዘለፋ ግን ንባዕሉ መልሲ ኢዩ (መዐቀኒ ናይቲ ምናልባሽውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ውልቀሰብ)!

POST A COMMENT