Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም (Sustainable Peace)

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም (Sustainable Peace) ብ ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ወረ ውግእ፡ ኣብ ሰባት ስግኣትን ሽበራን ዚፈጥር፣ ወረ ሰላም ድማ ብኣኡ መጠን፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት፡ ስግኣትን ጥርጠራን ይፈጥር እዩ። ብመሰረቱ፡ ክልቲኡ ክስተታት ኣብ ሓድሽን ዘይትፈልጦን ኩነታት ስለ ዘእትወካ፡

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም (Sustainable Peace)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ከምቲ ወረ ውግእ፡ ኣብ ሰባት ስግኣትን ሽበራን ዚፈጥር፣ ወረ ሰላም ድማ ብኣኡ መጠን፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት፡ ስግኣትን ጥርጠራን ይፈጥር እዩ። ብመሰረቱ፡ ክልቲኡ ክስተታት ኣብ ሓድሽን ዘይትፈልጦን ኩነታት ስለ ዘእትወካ፡ ናይ ክልቲኡ መወዳእታ እውን ኣረጋጊጽካ ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ስግኣት ኩሉ ግዜ ኣብ ቦታኡ እዩ። ርሑስ ቀብሪ’ሎ፡ ተካል መርዓ’ሎ ዝበሉኮ ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኮኑን፡ ጊንጥነት ነገራት ስለ እተዓዘቡ እዮም።

ይኹንምበር፡ እቲ ሰላም ተቐልቂሉ ወይ ወረ ሰላም ይነፍስ ኣሎ ብምባል ዚሰግእ ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰላም ጸሊኡ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰላም ብብዙሕ መገዲ ስለ ዚጥምቶ እዩ። በየን መጺኡ? መን ኣምጺኡዎ? ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ?

ብፍላይ ብሃንደበት ዚቃላሕ ወረ ሰላም፡ ኣብ ጥርጠራ የእትወካ እዩ።

እቲ ሰላም ዚብሃል ዘሎ፡ ነቲ ዝሓለፈ ቅርሕንቲታትን ቅሬታታትን ብምሉኡ ይስርዞ ዲዩ ወይስ ንገሊኡ ፈኸም ንኺብል ሸለል ይብሎ እዩ፡ ወይውን ጓስዩዎ ይሓልፍ እዩ? ፈሓም ኣብ ፈርኔሎ ኣናኺስካ፡ ምግብኻ ምስ ሰራሕካን ኩሉ ምስ ወዳእካን፡ ነቲ ዚቕህም ጓህሪ ሒዙ ዘሎ ፈርነሎኻ ኣብ ሓደ ቦታ ኢኻ እትውግኖ። ግን ብገለ ምኽንያት ተናኺሱ ገዛ ከየባርዓልካ ድማ፡ ማይ ትንብንበሉ ኢኻ። ፈጺሙ ከም ዝጠፍአ ኣረጋጊጽካ ኢኻ ልብኻ ኣውዲቕካ ካብ ገዛ እትወጽእ። ገለ ዘይጠፍአ ጓህሪ ምስ ዚተርፍ ግን፡ ከም ብሓድሽ ኪናኸስ ዘለዎ ዕድል ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብኽንደይ ዕዳን ዕንዲዳን ዘሰራሕካዮ ገዛኻውን ሒዙዎ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።

እቲ ፈኸም ኪብል ተኽእሎ ዘለዎ ፈሓም፡ ንሱ እዩ ጸኒሑ ነገር ዚፈጥር። ኣብ ልቡ ሰላም ዘይብሉ ሰብ፡ ሰላም ኪፈጥር ኣይክእልን፡ ከመይሲ ኩሉ ክፍኣት ይኹን ሰናይ ነገር ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚነቅል። ሰላም፡ ብውዕላት ንግድን ቁጠባን ብዲፕሎማስን ብምትዕርራይ ዶባትን ጥራይ ኪረጋገጽ ኣይክእልን። ከም መበገሲ ግን ኪውሰድ ይኽእል እዩ፡ እቲ ምኽንያት መበገሲ ጥዑይ ምስ ዚከውን።

ንእዋኑ ነቲ ዝደለኻዮ ንምርካብ ኢልካ፡ ብሓደ ኢድካ ካራ ሓቢእካ፡ በታ ሓንቲ ሰላም ብምባል ምስቲ ጸላኢኻ ናይ ዕርቂ ጸወታ ከተካይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ እትዕረቖ ዘሎኻ ሰብ’ውን፡ ዚጥርጥረካ እንተ ኾይኑ፡ ብወገኑ ተመሳሳሊ ስልትን ዕላማን ኪህሉዎ ይኽእል እዩ።  ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ሰላም ከም መጋበሪ (means to an end) እምበር ከም ዕላማ (aim) ከም ዘይተወስደ የረድኣካ። ክልተ ጎሓላሉስ ሓምዅሽቲ ስንቆም እኮ ተባሂሉ እዩ።

ሰላም ምስ መን? ምስ ኩሉ። መኣስ? ኣብ ኩሉ እዋን። ኣብ ቅንዕና እተመርኮሰ ሰላም፡ ሰብን ግዜን ቦታን ኣይፈልን እዩ። ኩሉ ናይ ሰላም ውዕላትን  ስምምዓትን ምርድዳእን ኣብ ሓደ ግዜ ዚካየድ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ መዓልቲ ወይ ቦታ ከይፈለኻ ናይ ሰላም ምልክታት ምርኣይ ግን ናይ ጽሩይ ልብን ናይ ቅኑዕ ዕላማን ነጸብራቕ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ምስቲ ከም ቀንዲ ደመኛኻ እትቖጽሮ መባእስትኻ ገዲፍካ፡ ምስ ሓዉ ወይ ምስ ሓውቱ ወይ ምስ ሓማቱ ክትዕረቕ ምፍታን ፋይዳ የብሉን። ኣርማድዮ ሓዊ ኪነድድ ከሎ፡ ነቲ ኣርማድዮ ገዲፍካ ነቲ ኮሞዲኖ ማይ ክትጭንጕዓሉ ምውዓል፡ ውጽኢት ኪህሉዎ ኣይክእልን። እቲ ዚቃጸል ዘሎ ኣርማድዮ ብኣጋኡ እንተ ደኣ ዘይጠፊኡ፡ ነቲ ገዛ እውን ለኪሙዎ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።

ምብኣስ ዘይኮነ ድፍረት ዘድልዮስ፡ ምትዕራቕ እዩ ዝያዳ ድፍረትን ትብዓትን ቆራጽነትን ዘድልዮ። ከምቲ ኣብ ኵናት ኣንጻር መዳፍዕን ታንክታትን ናፓልማትን ብትብዓትን ቆራጽነትን እትቃለስ፡ ኣብ ምትዕራቕ ድማ ምስ ትዕቢትካን ኣነነትካን ከንቱ ሕልምኻን ሓድሓደ ግዜውን ምስቲ ሽጣራኻ ምቅላስ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ግዜ ሰላምን ኣብ ግዜ ኵናትን፡ እተን ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃገራት፡ ገሊአን ካብቲ ሰላምካ ኪረብሓ ከለዋ፡ ገሊአን ግን ካብቲ ነውጽታትካን ወጥርታትካን ኪጥቀማ ይደልያ እየን። ገለ ሃገራት፡ ብናትካ ሰላም ኪረብሓ ዘይክእላ ኣለዋ፡ ካብ ጸገማትካ ግን ብዙሕ ኪኸስባን ኪብልጽጋን ይኽእላ። ነቲ ናትካ ሰላም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ቁጠባዊ ምዕባለን ስትራተጅያዊ ረብሓን ከውዕላኦ ዚደልያ ኸኣ ኣለዋ። ከምዚ ምግባረን ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ረብሓአን ብገለ መገዲ ምስ ዚጎድለን፡ ናትካ ህውከትን ነውጽን ሃረር ዚብላን ዚጽበያን ኪኾና እውን ይኽእላ እየን። ዓለም ከም ልጓም ዘይብሉ ፈረስ ትሕምብጥ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ እቲ ጀዮፖለቲካዊ ሚዛናትውን ምስኡ ይገላበጥ ብምህላዉ፡ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ከም ዚኽእል ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ንኹሉ ተዳሊኻ ምጽናሕ!

ባዕዳውያን ገዛእቲ ኤውሮጳ፡ ኣብ ግዜ ምድምዳም ኮሎኒያሊዝም፡ ነተን ዚገዝኡወን ዝነበሩ ሃገራት ገዲፎምወን ኪወጹ ኸለዉ፡ ነቲ ዶባት ንኣታቶም ብዚምችእ መገዲ እዮም ጠፋጢፈምዎ ዝወጹ። ከም ህያብ ድማ ነቲ ሃገር ተዛማዲ ሰላም ኣበርኪቶምሉ እዮም ዝኸዱ። ግን እቲ ዶባት ንኣታቶምን ንስትራተጅያዊ ረብሓታቶምን እምበር፡ ነተን ዝገደፉወን ሃገራት ዘርብሕ ስለ ዘይነበረ፡ ገና መራኽቦም ገይሮም ናብ ዓዳቶም ከይኣተዉ ኸለዉ፡ እቲ ምሕንጻጽ ዶባት ዝበደሎ ናይ ቀቢላውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ሕቶን ቅርሕንትን ፈኸም ኪብል ጀሚሩ። እቲ ኣብ 40ታት ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን እተኻየደ ኣብ ሃይማኖት እተሰረተ ደማዊ ኵናት/ህልቂት ከም ኣብነት ኪቐርብ ይኽእል። ናይ እስራኤልን ፓለስቲንያን ኩነታት እውን ካብዚ ዚፈለ ኣይኮነን።

ኣብ 50ታት እውን፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓኣ ንኽትብል፡ ነቲ ሰላም ከምጽእ ተባሂሉ ብሕቡራት መንግስታት እተወሰነ ናይ ፈደረሽን ውሳነ ከም ዝወድቕ ገይራ እያ፡ በዚ ኸኣ ናይቲ ኣብ ሃገርና ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ ሞትን ብርሰትን ጥፍኣትን ህልቂትን ቀንዲ ተጸዋዒት እያ። ከምዚ ብምግባራ ክትክሰስ ይግባኣ ነይሩ፡ ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ብምዃኑ ግን ዓገብ ዝበላ የልቦን። ግን ሕጂውን፡ ወድ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ እዩሞ፡ ምጥንቃቕስ ከድሊ እዩ።

ኣብ ገዛኻ ሰላም ዘየልቦ፡ ናብ እንዳማትካ ኬድካ ሰላም ከተቐብል ወይ ክትቀባበል ኣይከኣልን። ኣበይ ምስ ፈለጥካያ ደኣዩ ሰላም ተጎዝጒዝካ ናብዝን ናብትን ወዘኽዘኽ ትብል ዘሎኻ? መጀመርታ ኣብ ገዛኻ ሰላምን ቅሳነትን ምትእምማንን ትፈጥር እሞ፡ ብድሕሪኡ ምስቲ ጎረቤትካ ብዛዕባ ሰላም ከተዕልል ትኽእል። እታ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሰላም ሒዛ እትነፍር ርግቢት፡ ነቶም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ኤርትራ ዚማስኑ ዘለዉ ብኣሸሓት ዚቝጸሩ እሱራት እንተ ትርእዮም ነይራ፡ ነቲ ቆጽላ ደርብያቶ ምተመልሰት ነይራ፡ ወይውን ፈጺማ መኒና ናብ ደብረቢዘን ምተዓቝበት ነይራ።

ብተወሳኺ፡ ምስቲ ሰላም እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ፡ ነቲ ዝርካቡ መዓርጉ ክብ ተብለሉ ኣሎኻ ማለት እዩ። ናይ ሰሜን ኮረያ መራሒ፡ ኪም ዮንግ፡ ብዛዕባ ናይ ዞባ ኮረያ ሰላም ምስ ትራምፕ ምዝርራቡ ጠቒሙዎ እዩ። ናይ ሰላም ሰብ ዘይኮነ ከሎስ፡ ናይ ሰላም ሰብ መሲሉ ኣብ መላእ ዓለም ተቓሊሑሉ። ኣብ ገዝኡ ግን ሰላም የብሉን፡ እንተሎውን ናይ መቓብር ሰላም እዩ። ኣብ ሃገሩ፡ ኣብ ፈቐዶ ሕቡእ ጎዳጒድን ጋለርያታትን ግን ተኾዲመን መዓልተን ዚጽበያ ኑክለራውያን ቦምባታት ወይ ሮከታት ኣዲአን ትቝጸረን። ናይዚ ዓለም ዘገርም ግን፡ ባዕላ ኣመሪካ ኹሉ ዓይነት ንወድሰብ ዘጽንት መሳርያታት ኮሚራቶ ኸላ፡ ንኻልኦት ከይትሕዙ ኢላ ምፍርራሃ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዓለም ከኣዩ፡ እንትርፎ እቲ ኣብ በይናዊ ረብሓን በይናዊ ጸጥታን እተመርኮሰ ሰላም፡ ናይ ሓቅን ዘላቕን ሰላም ኪህሉ ዘይክእል፡ ንኽህሉውን ተስፋ ዘይብሉ።

ሰላም ናይ ወድሰብ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ኣይኮነን፡ ኣንጻር እንስሳዊ ባህርያትካ ተቓሊስካ እዩ ዚርከብ። ወድሰብ ከም ፍጡር፡ ኣብ ምትዅታዅን ኣብ ምቅላስን ኣብ ምዕብላልን ምግባትን ዝዘንበለ ባህርያ እዩ ዘለዎ። እዚ ባህርይዚ ኸኣዩ ምስ እንስሳታት ሓደ ዚገብሮ (survival of the fittest)። ኣብ ዓለም ንኺነብርውን ነዚ ባህርያታዚ ከንጸባርቖ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ለመምታዊ ዝኾነ (reptilian) ባህርያት ንኺላቐቕ ግን ምስ ኣነንቱን መሰረታዊ ደመነፍሱን (basic instincts) ኪቃለስ ግድን እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን (ብናተይ ኣረኣእያ)፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ተቕዋማት ወይ ቅርጽታት፡ ብገለ ሸነኸሲ በቲ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ደመነፍሳዊ ባህርያት እተበከለ እዩ ዚመስል ኪብሃል ይከኣል። እዚ ብከላዚ ኸኣዩ ንኹሉ ማሕበራዊ ወይ መንግስታዊ ስርዓት ብዘይ ኣፈላላይ ብኩል (infected) ዚገብሮ።

ካብዚ ብምግጋስ፡ ዝኾነ ናይ ሰላም ተበግሶ፡ ኣብቲ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ደመነፍሳዊ ባህርያት እተመርኮሰ ኣበራት (defects) ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሰላም ከምጽእ ዚደሊ ሰብ ካብ ኩሉ ሓላፊ ረብሓታትን፡ በይናዊ መኽሰባትን፡ ናይ ስልጣን ህርፋንን፡ ግዜያዊ ዝናን፡ ሕቡእ ኣጀንዳን ናጻ ንምዃን ምስ ነብሱ ብርቱዕ ቃልሲ ከካይድ ይግባእ።

ሰላም፡ ንብምጋሳ ቀሊል እዩ፡ ንምዕቃባ ግን፡ ካብ ብረታዊ ኵናት ዝለዓለ ናይ ኣነነትን ትዕቢትን ከንቱ ረብሓን ዝናን መስዋእቲ ከም ዘድልያ ክንግንዘብ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • meretse July 5, 2018

     ኢሰያስ ናብ ሜዳ ኤረትራ ክወጽእ እንከሎ ፡ ሓውኣብኡ መራሕ መንግስቲ ናይ ወሎ ክ/ሃገር ኢዩ ኔሩ። ድሕሪ ሜዳ ምውጽኡ ኢሰያስ ብመንገዲ ተስፋንኪኤል ጀርጆ ምስ ኢትይፕያን ሲ ኣይ ኤን ዝነበሮ ዝምድና
     ሰልፊ ናጽነት/ ክርስትያን ንውጻዕ ኣሎና ብዝብል ምስምስ ምፍጣር
     ድሕሪ “ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ” …….”ወያኔ” ኣብ ምፍጣርን ምሕያልን ዝነበሮ ጊደ
     ቀጺሉ… ምሕዝነት ወያኔ ኣብ ረብሕኡ ምውዓል ክሳብ ካኣብ ሕድሕዳዊ ውግእ ኣንጻር ተ/ሓ/ኤ ድሕሪኣኡን
     ምብርባር ወኣኔ ካብ ድቃስ ዝሶኣቦ ጠንቂ >>> ክሳብ ውድቀት ደርጊ ክልቲኦም ስንቆም ሓሙዅሽቲ ኔሩ” በዚ ምክንያት ኢዩ ከኣ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብመንጎኝነት ኮሆን ምስ ቀረቡ….. ኮሆን ካብ ኣፍ ኢሰያስ ዘይተጸበዮ ዘረባ ምስ ወጸ ኮሆን ዝደንጸዎ።ኩልና ሰሚዕናዮ ኢና። ኢሰያስ ኤረትራ ነጻ ሃገር ክትወጽእ ከም ዘይተቃለሰ ፡ ወልደፍደፍ ክብል ተራእዩ። ብኣንጻሩ መለስ እቲ ሽርሒ ናይ ኢሰያስ ኣቀዲሙ ስለ ዝፈለጦ፡ የሎን፡ ንሙሉእ ናጽነት ኢኩም ተቃሊስኩም፡ ኤረትራ ከኣ ነጻ ሃገር ትኩን ክብል ብትሪ ምስ ሞጎተ ኮሆን ዘዳናገረ ርክብ። መለስ ግን ንምንታይ ንኢሰያስ “ጎብየ ምስ መዘዝካ–ንየ ደኣ ንየ ኢልዎ”? ኢሰያስ ሕልሙ እንተፈቲሑ (ኢትጵያ ንምግዝእ) ወያኔ እቲ ኩሉ ዝከፈልዎ ቃልሲ ማይበላ ከም ዝኣቱ ፈልጦም ስለ ዝፈለጠ። ንስካትኩም ካብቲ ካልእ ኣካል ብምንታይ ትፍለዩ ኢሉ ኣብ ትሕቲኡ ጭርምራም ጨርቒ ናይ ወተሃደራዊ ስልጣን ኣሰኪሙ ክረግጾም ምዃኑ ጽቡቅ ጌሮም ፈልጦም ኔሮም። ንሶም ኣቀዲሞም ንሕልሙ ኢዮም ፈቲሖማ።። ይኩን’ምበር ኢሰያስ ብድሕሪት እንደገና ተጠውዩ መጺእዎም ኢዩ። ሕራይ ንሱ ካብ በልኩም ዶብ ዝበሃል ብዙሕ ትርጉም ኣይንሃቦ ክብል፡ ውልቀሰባትን፡ ሚድያን ኣብ ዝሓተትትሉ ግዜ ብጮው ቀትሪ ትርጉም ከም ዘይብሉ መሊሱ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ፡ ኣማኢታት ኢትይጲያውያን ዝተኣከብሉ ደጊምዎ ዘይኮነስ ካብኡ ሓሊፉ ክሳብ ብኮንፈደረሽን ዝየነብረሉ ምክኒያት ክንመሓደረሉ ዘይንክእለሉ ምክኒያት የብልናንን ክብል መዲሩ። ተጣቂዕሉ ከኣ። ኢሰያስ ኮንፈደረሽን ክብል እንከሎ ግን ነቲ ነቶም ምሉእ ናጽነተኩም ተረከቡ ዝብሉ ዝነበሩ ወያኔ ኮነ ኢሉ ኣብ ዓይኒ ኣምሓራ ንምእታው ኢዩ። ህዝቢ ኢትይጵያ ኤረትራ ከ’ዚ እናበለት ወያኔ ረሓቁልና ምባሎም ክትም ተንኮል ጌሮም ወስደሞ፡ ዕላማ ኢሰያስ’ውን ንሳ ኢያ ኔራ።

  • meretse July 5, 2018

    ግን ንኢሰያስ እዚኣ’ውን ኣይሰርሓትሉን። ቀጺሉ ካልእ ምህዞ ክምህዝ ኔርዎ። ኮነ ከኣ ሓድሽ ምህዞ >> ዕዳጋ ኢትዮጵያ ምላእ ንምልኣ ምቁጽጻር ። ሃብቲ ኢትዮጵያ > > > >ከም ቡን፣ መዓር፣ ቖርበት፣ በርበረ፣ ኮታ ኣሎ ዝብሃል ሃላኪ ከም ፍርያቱ ጌሩ ንዓለም ምብርካት። እቲ ዘገርም ከኣ ብሰልዶም። ነዚ ከተርጉም ከኣ ናይ ወያኔ መንግስቲ ብእሙናት ልእካቱ ኣብ ሓለዋ ኣእትዩ ድልየቱ ክሸይጥን ክልውጥን ፈተነ። ከለግስ ዝግብኦ’ውን እንዳ እልገሰ ( ከም ተጋ. ሓለፎም)። ኩነታቱ ዝተረድኡ ወያኔ ሕጂ’ውን ኤረትራ ነጻ ሃገር ኢያ። ድሕሪ ደጊም ነብሳ ትክኣል፡ ብነብሳ ትምሓደር ዝብል ስጉምቲ ምስ ወሰዱ ፡ ኢሰያስ ከም እንደገና ንወያኔ ከውድቅ እቲ ቀደም ባዕሉ ዝተሓሰሞ “ዶብ” ዝብል ምስምስ ብምልዓል ኣብ ውግኣ ኣትዩ። ውጽኢቱ ኩልና ስለ እንፈልጦ ናብኡ ምካድ ኣየድልን። ክዝክሮ ዝደሊ ነጥቢ ግን ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ባድመ ህግደፍ ካብ ባድመ ምውጻእን ዘይምውጻእን ከመልክት እንከሎ ዘስመረሉ ሓረግ >>> ምስ ምብራቕን ምዕራብ ፀሓይን ዝተኣሳሰር ከም ዝነብረ ንንዝክር ኢና። ኮር ተገምጠል፡ እቲ ንሱ ዝተጠቀሞ ሓረግ ኣፄ – ቴዎድሮስ ምስ ጅነራል ናብፒር— ኣብ መቅደላ ክውጋእ እንከሎ ዝተጠቀሞ ሓረግ ኢዩ ኔሩ። እዚ ሓረግ እዚኣ ካብ መለስ ንላዕሊ ንዕኡ ከመይ ዝያዳ ከም ዝተበጸሖ ነለሊ።
    ድሕሪ መሪር ኩናት ባድመ ከኣ ይተካእ ይለቀም– ናጽነት ኤረትራ ኣብ ማእከል ኤረትራ ኮይኖም ዘይኣምኑ ውድባት ፈጢሩ። ኣብ’ዚ ኮ ህዝቢ ኤረትራ ኣካል ህዝቢ ኢትይጵ ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ተነጊርዎ። እቶም ናጽነትኩም ውሰዱ ዝበሉን ጸላእቲ፡ እቶም ኤረትራ ኣካል ኢትይጵያ ኢያ ዝበሉ ከኣ ፈተውቲ ተወሲዶም ፡ ዕላምኦም ንምዕዋት ዝለዓለ ባጀትን ክእንገዱ ጸኒሖም። እሞ ደኣ ሎሚ ኢሰያስ ንሕና ንሶም ፡ንሶም ንሕና እንተበለ እንታይ የገርም። ኣብ ፈፍለማ መዓልታት ህዝቢ ትግራይ ከምኡውን ሓደ ክልተ ካድራት ንኣቢይ ትሃጸና እሎካ። ጉዳይና’ውን ብዕምቖት ትሪኦ ዘሎካ ኮይኑ ይስመዓና የሎን …. ወዘተ ዝብሉ ጨርሖታታት ሒዞም ምስ ወጹ ፡ ኢሰያስ ነዛ ክፍተት ኢዚኣ > > > (ህዝቢ ትግራይን ወያኔን ከም ጸረ እዚ’ዚ ዝረአ ዘሎ ለውጢ) ኣብ ዕዳጋ ሰጢሑ ንባዕሉ ከምደላይ ሰላምን ኣፍቃር ኣህዛብን ከመስክር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዩ፡ ወኣኔ —ባድመ >>> ጌም ኦቨር ክብል ተሰሚዑ። ጌም ኦቨር ንሰዓብቲ “ሓዳሽ ቃል” ክብደታ ግን ከም በዓል ዓውት ንሓፋሽ/ ዮሃና/ … ተቆጺራ ከም ሓድሽ ማስቲካ (ብዕሪር) ክሓይክዋ ይውዕሉ ኣሎዉ።
    ኣብ መጨረሻ ኢሰያስ ንበረካ ዘውጽኦ ሕልሚ ንምፍታሕ ብዝክኣሎ ይጽዕር ኣሎ። ስለ’ዚ ንሱ ዝገበረ የብሉን፡፤ ዝገብር ዘሎ እቲ ደድሕሪኡ ዝስዕብ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ኤረራ ኢዩ። እሞ … ሎሚ’ውን እንሆ ፈረስ እንሆ ጎልጎል።
    መምህር ኣማኒኤል ከም ቀደመይ የመስግነካ።

    • Simon G. July 6, 2018

      Brother Meretse,
      With all these credible evidences, the nHna nsu will rebuff it as Fake News. What can you do? I used to think Eritreans are smart but we are as dumb as Dengola!

      • meretse July 6, 2018

        Precisely brother. Isseyas is one person, he couldn’t do all this evil deeds all by himself. We have to tell ourselves we were dead wrong.

  • Hagos July 5, 2018

    Another good quote from the veteran mehir Amanuel:
    “ሰላም ምስ መን? ምስ ኩሉ። መኣስ? ኣብ ኩሉ እዋን። ኣብ ቅንዕና እተመርኮሰ ሰላም፡ ሰብን ግዜን ቦታን ኣይፈልን እዩ። ኩሉ ናይ ሰላም ውዕላትን ስምምዓትን ምርድዳእን ኣብ ሓደ ግዜ ዚካየድ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ መዓልቲ ወይ ቦታ ከይፈለኻ ናይ ሰላም ምልክታት ምርኣይ ግን ናይ ጽሩይ ልብን ናይ ቅኑዕ ዕላማን ነጸብራቕ እዩ።”

  • k.tewolde July 6, 2018

    ‘ እታ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሰላም ሒዛ እትነፍር ርግቢት፡ ነቶም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ኤርትራ ዚማስኑ ዘለዉ ብኣሸሓት ዚቝጸሩ እሱራት እንተ ትርእዮም ነይራ፡ ነቲ ቆጽላ ደርብያቶ ምተመልሰት ነይራ፡ ወይውን ፈጺማ መኒና ናብ ደብረቢዘን ምተዓቝበት ነይራ።’ In other words, the was no an olive brunch sporting bird dispatched,it was summons from the big bosses and they complied,something is in the works,you dig? Amazing article again,Thanks Memhir.

POST A COMMENT