Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. 2018 – ጋዜጣዊ መግለጺ

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሻዱሻይ ዓመታዊ ርኽክብ፡  ኣብ ሰነ 22-24 2018 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ተኻይዱ። ብመሰረት እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ናይ`ዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ፡ ንውህሉል ናይ ሓባር ተመክሮታት - ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍን፡ ብቪድዮን፡ ንምስናድን ትርጉም

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሻዱሻይ ዓመታዊ ርኽክብ፡  ኣብ ሰነ 22-24 2018 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ተኻይዱ። ብመሰረት እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ናይ`ዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ፡ ንውህሉል ናይ ሓባር ተመክሮታት – ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍን፡ ብቪድዮን፡ ንምስናድን ትርጉም ንምሃብን፡ ከም`ተን ዝሓለፋ ርኽክባት ዝልለ ኣሳልጦ ነይሩዎ።

ዓርቢ ሰነ 22 /2018፡ ንውዕሎታት ተጋድሎና ነቲ ሓርበኛውን ማሕበራውን ሃብቱ ዘዛኻኽርን፡ ንኣድላይነት ናይ`ዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ ዘጉልሕን ሓጎስ ዝመልኦ መኽፈቲ ምሸት ነይሩ።

ቀዳም ንግሆ፡ ሰነ 23/2018፡ ኣብ መኽፈቲ፡ ንተሳተፍቲ፡ ካብ ኤውሮጳን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ዝመጹ፡ ንተሳተፍኦምን ኣበርክቶኦምን ብኣሳናዳእቲ ምስጋና ቀሪቡ። ንዕላማ ዳግመ ርኽክብን፡ ናይ እንቋዕ ዳሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ፡ ስዒቡ፡ ኣብ 2016ን ኣብ 2017ን ንዝተሳላሰሉን ዝተተግበሩን ንቕድሚት ክረኣዩ ዝግበኦም ጉዳያትን ክሳብ ሕጂ ዝተሳላሰለ ዕዮታትን ተዘርዚሩ። ስዒቡ ሰማእታትና ብፍሉይ ንዝክረሉ ሰሙን ስለዝነበረ፡ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኣብ ስደት ብሞት ናይ ዝተፈለዩና ገዳይም ተጋደልቲ ኣሳእልን ኣስማትን ብስላይድስ ንተዘክሮኦም ዝተሳናደአ ብሙዚቃ ተሰንዩ ተራእዩ። እዚ ምርኢት`ዚ ንናይ ተሳተፍቲ ስምዒታትን  ብዕምቆት ዝተነከፈ ነይሩ።

ቀጺሉ መደብ ውልቀ ተመኩሮ ብሰለስተ ገዳይም ተጋደልቲ ብቐደም ተኸተል (1)ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሕክምና (2)ተመኩሮ ግንባር ደንከል ዝገልጽ ሰፊሕ ዝርዝራት (3)ተመኩሮ ስርያ/ሓይሊ ““ዓረም-ረም“ ካብ ሳሕል ክሳብ ወኪ ዛግር(1974) ቀሪቡ። ከምኡ`ውን፡ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ መዓልቲ ሰማእታት ንምኽባር ንዕለት 23 ሰነ 2018 ወሲኖም ነይሮም።እንተኾነ፡ ምስ ኣሰናዳእቲ ዳግመ ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤ፡ ተራኺቦም፡ ሓልዮትን ብዝመልኦ መንፈስ፡ ብሓባር ናብ`ቲ ናይ ዳግመ ርክብ ቦታ መጺኦም መደባቶም ኣካይዶም። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንሰማእታት ኤርትራ ዝለዓለ ክብሪ ዝህብ፡ ታሪኻውን ሃገራውን መግለጺታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ዝቐረባ ዓመታት ብሞት ናይ ዝተፈልዩ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ንስድራ ቤቶም ናይ ክብሪ ወረቐት ምስክር ኣበርኪቶም።

ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ፡  ብዶ/ር ጆሴፍ ቨኖሳ ናይ ታሪኽ ፕሮፈሶር፡ ብፍሉይ ናይ 20 ክፍለ-ዘመን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጽነዐ፡ ኣበርክቶ እስላም ንናጽነት ኤርትራ መጽሓፍ ዝጸሓፈ`ዩ። ዶ/ር ጆሴፍ  ኣብ ናይ 1940ታት ክሳብ 1960፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ተጋድሎ ንናጽነት  ኣብ ኣፍሪቃ ዝልለ ምዃኑን ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ዘለዎ ምትእስሳርን ጽልዋን ብሰነዳት ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

ካልኣይ ክፍሊ ድሕሪ ቀትሪ  ብሰለሰተ ኣባላት ገድላዊ ባይቶ ናይ ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩ (1975-1982) ንመጀመርታ ጊዜ ዝተኻየደ መኣዲ ዘተ`ዩ ነይሩ። እዚ ዘተ`ዚ፡ ነቲ ቀንዲ ርእሰሓሳባት ናይዚ መኣዲ ዘተ ዝጠመረ ኮይኑ ብዛዕባ ምስላፍ ሓደስቲ፣ ምሕራር ከተማታት፤ ምንቅስቓሳት ስምረት ሓይልታት ሰውራን ውግእ-ሕድሕድን፤ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት፤ ምድልዳል መሬት፣ ኣተኣላልያ ውሽጣዊ ግርጭታ፣ ዘተ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ነጥብታት ከም ኣባላት ገድላዊ፡ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ፡ ከመይ ተዋሲኦምሉ፣ ውሳኔታት ንዘድልዮም ከመይ ተፈጺሞምን…. ተዘክሮታቶም ኣቕሪቦም።

ሰንበት፡ ሰነ 24፡ 2018፡ ነቲ በብዓመቱ ዝቃናዕ ዘሎ ዳግመ-ርክባት፡ ካብ ዝብዱህና ዘለዉ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኩነታት ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ካባና ዝጥለብ ተግባራዊ ኣበርክቶን.. ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘትዩ። ንማእከላይ ሕክምና ዝምልከት፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ቀሪቡ። ናይ 2019 ዳግመ-ርክብ እንደገና ኣብ ኦክላንድ ክትግበር ምዃኑ ተወሲኑ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ንናይ 2018 ዳግመ ርክብ ክዉን ክኸውን ዘኽኣሉን፡ ን2019 ዳግም ከዳለዉ ሓላፍነት ንዝወሰዱ ናይ በይ-ኤርያ ካሊፎርኒያ ውፉያት ፍሉይ ምስጋና ከምዝግብኦም ኣስሚርሉ።

ክብርን ሞጎስን  ንስዉኣትና!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 6, 2018

    keep the torch burning,the pioneer organization that started it all might have been dismantled,however plenty of those who served proudly for the cause of liberation of their country in it are still alive and kicking and reminiscing the glory days.Looking good Eritrean brothers and sisters.Hope this reunion will take place in Hawashite soon.

POST A COMMENT