Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Tyusከም ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሃገረ- ሽወደን ብዕለት 15 መስከረም ኣረጋጊጸዮ ዝብል መንቐሊ ኣርስተይ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ኣብ ሃገርና እቲ መሰል ንኩላትና ተነፊጉና፡ ልዕልና ሕጊ ፈሪሱ፡ ምልካዊ ስርዓት ነጊሱ፡ ኩሉ ሰብ7ኣውን ደሞክራሲያውን መሰልና ከምዝተጋህሰ፡ መብዛሕትና ንሰማማዓሉ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ኣቕዲመ ብድሕሪ ባይታይ ክጅምር ኣገዳሲ ይመስለኒ።

goitom

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ምንኣስ ናጽነት እንተጸኒቱ፡ ናጽነት እንታይ ‘ዩ ፍትፍቱ?

ሃገረይ፡ ‘ከመይ ቀኒኺ’ ክብለኪ ከለኹ፡ ‘ከመይ ‘ለኻ ኣይትበሎ ኣብ ገጹ ረኣዮ’ ዝብሃል ዘረባ ዘኪርኪ፡ ንሕቶይ ብናይ እንክሒራ ፍሽኽታ ትገንሕዮ ትህልዊ። ኣይክሕዘልክን ‘የ። ማእሰርቲ ቀሽን ዓለምን፡ ሸኽን ኣማንን፡ ሚኒስተርን ጋዜጠኛን፡ ኣቦን ወላዲትን ተራ ኾይኑስ፡ ሎሚ ቅጽበታዊ ርሸና ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ፡ እወ፡ መቕዘፍቲ ናይቶም ምንኣስ ናጽነት ዝኾኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ትርእዪ ብምህላውኪ፡

mothersንብዓትን ቅርጸትን ብሰሪ ስዉእ፡ ዕልልታን ፍሽኽታን ምእንቲ ስዉእ ይእከልክን ኣዴታት ሃገረይ! ማህጸንክን ምንጪ ጀጋኑ፡ ልብኽን ሰፈር ልቦና እዩ። ልብኽን ንዝወግኣክን ገዲፍክን፡ ልብኽን ዝኣዘዘክን ስምዓ።