Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቅነ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ናብ ኤርትራ ክገሹ መዲቦም ዝነበሩ ኣብ ኣመሪካን ጀርመንን ዝምቕማጦም 2 ሽሕ ኤርትራውያን ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ መደብ መገሻኦም ከምዝሰረዙዎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ዊዓ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ኤርትራ ዝርከብ ህሮርማዊ ቦታ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኮንተይነራትን ኣሲሩዎም ዝጸንሑ 400 እሱራት፡ ሓለውቶም ጥሒዞም ድሕሪ ምምላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኤርትራ ተበቲኖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።