Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

yemaneandypfdjኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን  ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ናብ ካልኦት ሰባት ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት፡ ንኽልተ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ፕረዚደንት በሽር ኣስመራ ዝበጽሓሉ መዓልቲ፡ ማለት ሰኑይ 23 መጋቢት ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣስመራ ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ስነስርዓት ኣቀባብላ በሽር ንምድማቕ፡ ተገዲዶም፡ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ከምዝወዓሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

sawaገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ  ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።