Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ በቲ ጽባሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተጎልቢቡ፡ ካብ ስርዓቱ ኣምሊጦም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምጭዋይ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ  ብምምልካት፡ ስክፍታ ዘለዎም ኤርትራውያን ጥንቃቐቐ ከዘውትሩ ከምዝግባእ ምንጭታት ኣዘኻኺሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሓሙስ 12/07 ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም መጠነ ሰፊሕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።