Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ።

ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ናብ ካልኦት ሰባት ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት፡ ንኽልተ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

General Sibhatማዕርግ ድምር ውጺኢትን ሞያዊ ብቕዓትን ተሞክሮን እሩም ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ንዘልዎም ኣብነታውያን ሰባት ስለ ዘስታህል ወይ ስለ ዝግባእ: እቶም በዚ ስነ-ስርዓትን ሞያን ዝተኾስኮሱ ሰብ ወትሃደራዊ ማዕርግ ድማ: ምሉእ ዘይጉዱል ተሰማዕነት በቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዛቶምን ምምሕዳራቶምን ዝነጥፉ ሰባት ጽልዋ ክህልዎም ንቡር ኢዩ:: 

General Sibhatማዕርግ ድምር ውጺኢትን ሞያዊ ብቕዓትን ተሞክሮን እሩም ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ንዘልዎም ኣብነታውያን ሰባት ስለ ዘስታህል ወይ ስለ ዝግባእ: እቶም በዚ ስነ-ስርዓትን ሞያን ዝተኾስኮሱ ሰብ ወትሃደራዊ ማዕርግ ድማ: ምሉእ ዘይጉዱል ተሰማዕነት በቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዛቶምን ምምሕዳራቶምን ዝነጥፉ ሰባት ጽልዋ ክህልዎም ንቡር ኢዩ:: 

waelaሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።

Eritrean Youthንፖለቲካዊ ቃልሲ ማለተይ’ዩ። ነቲ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ድማ ክገልጽ ይፍትን። እቲ ብንኣሽቶና እንፈልጦ ጉልበታዊ ቃልሲ እሞ ኸኣ፡ ከይተጠማጠምካ ከመይ ኢሉ? ቃልሲ! ፖለቲካዊ ይኹን ጉልበታዊ ማዕዶ ንማዕዶ ተረሓሒቕካ ክኸውን ዘይክእል መስርሕ’ዩ።

asenaኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ (ሜሪላንድ) ዝምቕማጡ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ግዱስ ኤርትራዊ ተኸታታሊ ድምጺ ኣሰና፡ “ኣሰና ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን እትገሮ ዘላ ኣስተዋጽኦ ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ” ብምባል፡ ብሕሳብ ሓደ ዶላር ንመዓልቲ፡ ናይ ዓመት ማለት 365 ዶላር ኣመሪካ ኣበርኪቱ።

Girma asmeromኣምባሳደር ማለት ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ዝለዓለ ወኪል ሃገርን ህዝብን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ማለት`ዩ። ቀንዲ ዕማሙ ድማ፡- ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ ኣጉራዊ-ሕጊ ዝተሞርከሰ ክልተኣዊ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምምስራት ኢዩ። እቲ ዝምድና ኣብ ናጻ ማ8ዕረ መሰል ል0ኡላውነት ዝምርኮስ ብናጻ ድልየት ክልቴን ሃገራት ናብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ባህላዊ ማሕበራዊ፡ ሳይንሳዊ፡ ትምህርታዊ ጸጥታዊ ወዘተ፡ ነቲ ዝምድና ክምዕብልን ክሰፍሕን ይጽዕር። ኣብ መንጎ መንግስቱን ካልኦት ሃገራት ንዘሎ ርክብ፡ ንሃገር መልእኽቲ ይሰድድ መልሲ የምጽእ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

ስርዓት  ህግደፍ : “ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ  ምትእትታው  የብለይን” ኢሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኽሕደሉ ዘሎ እዋን ፡ ክልተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቱ ኣብ ሶማልያ ተሸሪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


ነጋሲ ሃብታይ ከምኡ ‘ውን ፓታዊ ገብረዝግኣቢሄር ዝተባህሉ ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም፡ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ Haaretz ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።

ነጋሲ ሃብታይ ከምኡ ‘ውን ፓታዊ ገብረዝግኣቢሄር ዝተባህሉ ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም፡ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ Haaretz ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።

ሲኞር ፔየር ጃኒ ፕሮስፐሪኒ < www.l’espreso >

1)ቀዳማይ ሚንስተር ሲልቪዮ በርልስኮኒ፡ድሕሪ ንርእሱ ዝከላኸል ሕጊ ኣውጺኡ ብፈራዶ ኣካል ድሕሪ ምንጻጉ፡ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ተባሂሉ ኔሩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ኣብ ብዙሓት ቅትለታት ዝተሳተፈ ማፍያ፡ማርቸሎ ኡርቲ ዝበሃል ሽርካ ሲልቪዮን ሲልቪዮ በርልስኮኒ ምስ ማፍያ ርክብ ከምዘለዎም ተናዚዙ።ድሕሪ ሲልቪዮ ዝመርሖ መንግስቲ ህላዌኡ ኣጠራጣሪ ስለዝኾነ፡ንዝመጽእ ምርጫ ምቅርራብ ብዝብል መደብ ኣባላት ሰልፊ ንምውዳብ ብዕለት 13-12-09 ስንበት መዓልቲ ኣብቲ ማእከል ሚላኖ ዝርከብ ዱዎሞ ዝተባህለ ቦታ መደረ ኣስሚዑ።

merkelኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ቪነንደን ኣብዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤትትምህርቲ፡ብ 11 መጋቢት 2009 ዘሕዝን ፍጻሜ ኣጓኒፉ። ቲም ክረትሽመር ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ፡ካብ ገዝኡ ብዝሰረቓ ናይ ኣቡኡ ብረት፡ዓሰርተክልተ ተመሃሮን መምህራንን፡ ሰለስተ ካልኦትን ገዛእ ርእሱን፡ ብሓፈሻ 16 ትንፋስ ኣጥፊኡ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንህዝብን መንግስትን ጀርመንን ንካልኦትን ዘሕዘነን ዘሰምበደን ኢዩ ነይሩ።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

johnመርዓን ሓዳርን  ሓደ ኣይኮነን። መርዓ ኣፍደገ ሓዳር እዩ። መርዓ ኹሉ ጽቡቕ እዩ ዝሓልፍ፡ ንሓዳር ግን ኩሉ ኣይክእላን፡ ወይ ንኹሉ ኣይትኾነሉን እያ። ሰብ ኪዳን ኣብ ሓዳር እዮም ዝፍተኑ። ተጋዳላይ ዮውሃንስን ተጋዳሊት ኢለንን ከኣ ን25 ዓመታት ነዚ ፈተነ ‘ዚ ሓሊፎም፡ ተዓዊቶምሉ።

BCመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ።