Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

waelaሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።

እዚ ሙሉእ ብምሉእ ዝብል ኣርእስቲ ምስልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ብሓጎስ ተድላ፡ ብሰላም ስኒት፡ ፍቕርን ልውሃትን፡ ዕብየትን ራህዋን ብምልኣት ሃገራዊ ሓድነት ዝገልጽ ዘይኮነስ፡ ብሙሉእ ጥፋእ፡ ንዴት፡ ሓዘን፡ ምፍልላይ፡ ክሳራ፡ ጸልማት፡ ስደት ሞት፡ ሓዘን ስቓይ፡ ዘይፍትሓዊ ማሕበራዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ድርሰት’ዩ።

ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡  በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ማለት ጸብጻባቱ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ ከመሓላልፍ ቅሩብ ብዘይምዃኑ ብዝፈጥረ ምስሕሓብ ካብ ዝነበሮ መዝነት ከም ዝደስከለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።