ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ሃገር እናባደመት ዝወለደት ኣደ ደቃ እናተመንጠለት እታ ነፍቅራ መሬት መንእሰያት ኣናበልዐት ዘይንላዘብ ዘይንጥርነፍ ዓንጋሊትና ንሓዋሩ ከይነጸፈት። ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ከም ምዉት ምድቃስ ብዘይ ቀባሮ ሬሳ ኣልቦ መልቀስ ዝቀተለን ዝመሓረን ብሓባር ክውደስ ንዳእትና መእሰሪ ዘይንገብረሉ ከይተበተነ ብንፋስ። ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ህዝብና ብህግደፍ እናጸነተ መሬትና ተሸይጡ ሃብትና እናተዘምተ ክብርና ተጋሂሱ መጻኢና