Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍረወይኒ፡ “ዓድና ገግየዮ”

ፍረወይኒ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብራ ስደት፡ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ስድራቤታ ክትበጽሕ ኣብ ቅነ ሃንሰ መስቀሉ ናብ ኤርትራ ከይዳ። ካብ ስድራቤትን ትውልዲ ዓዲን 20 ዓመታት ምፍላይ ነዊሕ’ኳ እንተኾነ ንፍረወይኒ ግን ዓዲ ምስ ኣተወት 40 ዓመታት ከምዝተፈልየት

ፍረወይኒ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብራ ስደት፡ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ስድራቤታ ክትበጽሕ ኣብ ቅነ ሃንሰ መስቀሉ ናብ ኤርትራ ከይዳ። ካብ ስድራቤትን ትውልዲ ዓዲን 20 ዓመታት ምፍላይ ነዊሕ’ኳ እንተኾነ ንፍረወይኒ ግን ዓዲ ምስ ኣተወት 40 ዓመታት ከምዝተፈልየት ኮይኑ’ዩ ተሰሚዕዋ። ብዙሕ ነገራት ተለውዊጡ ስለዝጸንሓ ድማ፡ “ዓድና ድዩ ገግዩኒ ዋላስ ኣነ’የ ንዓድና ገግየዮ” በለት ብልባ። ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣስመራ ካብ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ድሕሪ ምጽባይ፡ ክሳብ ዓንቀራ ኣብ ዝመልአትን ብእርጋን ገልጠምጠም ኣብ ትብል ኮፍ መበሊኣ ብርስሓት ዝጋዕግዐን ኣውቶቡስ ተሳፊራ ኣብ መስመር ኣስመራ ዓዲዃላ፡ እምኒ ሓይሊ ወረደት። ኣብ ጉዕዞኣ፡ ን 20 ዓመታት ተፈልይዋ ዝጸንሐ ጽሩይ ንፋስ ዓዳ እናኣስተማቀረትን ዕምባባ ገልገለ መስቀለ፡ በብዓይነቶም ኣታኽልቲ፡ ኣዝርእቲ፡ ኣዕዋፍን ጥሪትን ምስተዓዘበት ድማ ፍስሃ ወሰላም ወረሳ። እቲ ንዓመታት ብእግሪ ተጓዒዙ ዘይፈልጥ ኣካላታ ከኣ ሓይሊ ወሰኸሉ። ይኹን እምበር ከምቲ ፍረወይኒ ኣብ ዓዲ እንከላ ዝነበረ ህጡር ክራማትን ዋዕዋዕታ ጓሶት፡ ብጉጅለ ኣብ ለሰን ኮራቢትን ዝጽወት ያህለል፡ ጠለይ-ጠለይ፡ ኣኹድር፡ ተወሰጥን ካልእ ኣብ እዋን ክራማት ዝዝውተር ባህላዊ ጸወታ፡ ጥሪት ዝሕልዉ፡ መንእሰያትን ጎራዙን ኣይተዓዘበትን። ኣብ ጉዕዞኣ፡ ዝበዝሑ ብዕድመ ዝደፍኡ ብበትሪ ተደጊፎም ዝኸዱ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ’ውን መዓንጣ ዘይቆጸሩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣጋጢምዋ።

ድሕሪ 30 ደቂቕ ጎዕዞ እግሪ ዓዲ ምስኣተወት፡ መተዓብይታ ኣብ ቅርዓት ብዕልልታን ፍሽኽታን ክቅበልዋን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ስድራቤታ ብኣካል ክበጽሕዋን፡ ናይ ግዜ ንእስነታ ምስ መዛኑኣ ከተውግዕን ተሃንጠየት። እንተኾነ፡ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ንፈውሲ ማሕላ ዝኸውን ጥር ዝብል ሰብ ኣየጋጠማን፡ እቶም ክበጽሕዋ ዝመጹ’ውን ዓዲ ውዒልን ሓቦም ዘይጸረጉ ቆልዑን ነበሩ። ፍረወይኒ ኩነታቱ ስለዘስደመማ፡ “ጋሻ ብምጻሕ ብኣዋጅ ኣትሪፍክሞ ዲኹም ዋላስ ኣብዚ ዓዲ ፈታዊ የብልኩምን” ብምባል ነቶም ዓይኒ ዓይና ዝጥምትዋ ዝነበሩ ዝሸምገሉ ወለዳ ሓተተት። ወላዲታ፡ ብዘይንቡር ሕቶ ጓለን ተገሪመን ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ወይለዴኺ ክልተ ዓዲ ከምዘሎና ዘንጊዕኪ ዲኺ፡ ኣብዚ ኣብ መበቆል ዓዲ እንቅመጥ፡ ብሕማም ዝተደነስና፡ ዝኣረግናን ከምኡ’ውን ቆልዓ- ሰበይትን ጥራይ ኢና፡፡ እቶም ክሓርሱ፡ ክዓጽዱን ክወልዱን ክዝምዱን ዝኽእሉ ኣባጽሕን ጎራዙን ድማ ሳዋ’ዮም ሰፊሮም። ከምዚ ናትኪ ካብ ክልቲኡ ሓራ ዝኾኑ ድማ ኣብ ስደት ኣለዉ” ክብላ ብምስቁርቋር መለሳ። ፍረወይኒ፡ ንቤተሰብ መወቲ “ጽንዓት ይሃብኩም” ክትብልን ድኑሳት ከተጸናንዕን ገዛ ገዛ ክትበጽሕ እንከላ፡ ኣብ ንእዲን ዓራትን ዝተጋደሙ ኣረጋውያንን ሕሙማትን፡ ብኽቱር ሕሰም ገጸን ብማዳ ዝተድወነ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብስእነት መግቢ ኣዕጽምቲ ሒዞም ዝተረፉን ዝተበጃጀለ ክዳን ዝለበሱን ቆልዑን’ያ ታዓዚባ። የማነ ጸጋም ናይቲ ዝበጽሓቶ ቦታታት፡ ሰብ ሓሪምዎ መዐንደሪ እንስሳ ዘቤት ዝኾነን ብእልቢ ዘይብሉ ሳዕሪ ናብ ጣሻ ዝተቀየረ ዝዓነወ ኣባይቲ ምርኣይ’ውን ንፍረወይኒ ካብ ዘሕዘና ጉዳይ ነበረ። ፍረወይኒ፡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣቢላ ዝኣተወቶም ስድራቤታት፡ “ከመይ ኣለኹም ኣቦ-ኣደ” ኢላ ኣብ ትሓተሉ ዝወሃባ ዝነበረ መልሲ፡” ግዜ ሓሲሙ፡ ብጽምዋ ተዋሒጥና፡ ዝወለድናዮም ስኢናዮም፡ ብመንግስትና ተረሲዕና፡ ሓሪስና ከይንዕንገል ድማ ደቅና ሳዋ ሰፊሮም” ዝብሉ ናይ መረረ፡ ሕሰምን ተስፋ ምቁራጽን ዝብሉ ነበሩ። ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ወርሒ መስከረም፡ መፈለሚ ሓድሽ ዓመት፡ ህሮሩማ ዝናብን ጥሜትን ኣብቂዑ፡ ሰዊት ዑፉንን ባልዶንጓን ዝብልዓሉ ወቅቲ’ዩ። ኣብ ከበሳታት ሃገርና ድማ፡ ኣብ በዓል ሃንሰ መስቀለ፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ሽግ ወሊዖም ሆየ ሆየ ኣናበሉ ዓዲ ክኾሉን ድሙቅ ጓይላ ክገብሩን፡ “ዓኾዃይ ዓኾዃይ ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ቁራዕ እኽሊ እቶ” እናበሉ ገዛ ገዛ ክዘሩን ሓደ ካብ ብህላዊ ክብርታት ሕብረተሰብና’ዩ። ፍረወይኒ ግን እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ትፈልጦ ኣብ እዋን ሃንሰ መስቀለ ዝዝውተር ሃብታም ወግዒ ኣይጸንሓን። ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዘይኣኽሉ መንእሰያት ማዕረ ቆመቶም ዝኸውን ሽግ ሒዞም ኣብ ቅርዓት ክኾሉ ምስተዓዘበት፡ ብኽቱር ሓዘን ግዜ ንእስነታን መተዓብይታን ዘከረት።

ፍረወይኒ ካብ ኤርትራ ናብ ናይ ስደት ቦታኣ ምስተመልሰት፡ ድሃይ ስድራኣ፡ ቤተሰበይን ኩነታት ጉዕዞኣን ክፈልጥ ተለፎን ደወዊለ ረኸብኩዋ፡፡ “ስድራቤትን ዓድን ከመይ ጸኒሑኪ” ኢለ ምስሓተትኩዋ፡ “ኦይ ናይ ዓድና ገዲፍካ ተዛረብ፡ ናብ ኤርትራ ክትሓንን ተስፋ ክትቆርጽን ኢኻ ትኸይድ” በለትኒ። ሕማቅ ወረ ከይትነግረኒ እናሰጋእኩ፡ “ስድራ ገግዮሙኺ ድዮም” ኢለ ናብ መኣዲ ጭርቃን ከእትዋ ፈተንኩ። ቀጺላ፡ “ንስኻ’ሞ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ስለተቀመጥካን ኤርትራ ርኢኻያ ስለዘይትፈልጥን፡ ንስኻ ዘይኮንካ ንዓድኹም ትገግዮ ዓድኹም’ዩ ንዓኻ ዝጋግየካ” ብምባል ብኸፈር ስሓቅ ደርጉሐትን ኣብ ዓዲ ዝተዓዘበቶ ጉዳያት ዘርዘረትን። ብመልሲ ናይ ፍረወይኒ ብዙሕ ኣይተገረምኩን፡፡ የግዳስ እቲ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላምን ምዕባለን’ያ” ኢሎም ዘውርይዎን በቲ ሓደ፡ ብተቃወምቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ “ኤርትራ ገሃነብ እሳት ዜጋጋታ’ያ” ኢሎም ዝገልጽዎ ድማ በቲ ካልእ፡ ሚዛናውን ጭቡጥን ሓበሬታ ግን ረኺበ። ዝያዳ ኩለ ግን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጸልማትን ኣብ ማእሰርትን ዝነብር ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውጻእን፡ ኣብ ስደት ዝዋረድ ዘሎን ንዓዱ ክምለስ ወትሩ ሃንቀው ዝብልን ኤርትራዊ፡ ፈታሒ ኩሉ ሕሰማቱ ንሱ ባዕሉ ኤርትራዊ ምዃኑ ዳግማይ ተገንዚበ።  እቲ ዋዛ ዝመስል መፋነዊ ዕላል ፍረወይኒ ግን፡ ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሰ፡ “ሎምስ ድማ እቲ ኣምዑተይ ዝተቀብረሉን ዝዓበኹሉን ዓድና ኣዒንቲ ከፊቱ ኣእምሮ ሰኺዑ ክገግየኒ! ኣይፈልጠካን’የ ክብለኒ! ኣይረድ፡ ኣብዚ ኩነታት’ዚ ከይተባጻሕና ግዲ ምስ ዓድናን ንፈትዎም ስድራቤትናን ንርኣአ ንኸውን” በልኩ ብምስትንታንን መሪር ናፍቆትን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (10 መስከረም 2016)

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde September 11, 2016

    That’s the irony about a country called Eritrea,it is a land that has never been enjoyed by the very people who bled for it.I remember the days when I played the childhood games like salvati,chirchir,mai do tseba,handai,balina,kubaa’e,tele teley,foco ararico…….this time of the year hoye hoye…..the neighborhood was abuzz with dozens of kids playing together,a pure cacophony of bliss,those kids grew up and fought for their country, most of them martyrs and the rest scattered all over the world,there is nobody there I can relate to,’as the distance gets yonder,the heart gets a little less fonder.’ I don’t know if I miss home or my home misses me.For now I don’t have a home because someone forcefully evicted me and told me,it will cost you an arm and a leg to claim what is yours.Despite the turmoil in their respective homeland,the Philipino,the Haitian,the Guatamalan,the Peruvian,the Colombian,the Venezuelan…….coworkers ,they go home enjoy their family,take care of business without any precondition and nobody even notices they were there because IT IS HOME! In Eritrea…………feel the blank….

  • rezen September 11, 2016

    k.tewolde
    Re: your invitation to finish your last line

    Immediately, I thought of “PURGATORY” but went to Google for in-depth meaning. I like the following:
    “2. a place or condition of suffering or torment, esp one that is temporary”

    I preferred the above; because it gives me HOPE by the last word “temporary”’

    By the way I LOVE the photo of the two beautiful and innocent young women …. bordering moist of tears on my eyes for so many wonderful nostalgia.
    Ahhhh, what a TRAGEDY! (CURSE?)

    • k.tewolde September 12, 2016

      That’s the word rezen. You can’t wrap it up any better. The post come from the heart.

  • semere 2 September 12, 2016

    Dear Freweini,
    I am surprised that you are the only one who does know the real situation in Eritrea. The regime is surviving because of people like you in Diaspora who are supporting Isayas blindly.
    I have nothing against you, but I don’t trust your “suprise”: “ዓድና ገግየዮ”. Where do you live? Everybody knows what is happening. The only difference is that some people pretend and decide not to know.

    • semere 2 September 12, 2016

      Please Read first line
      ..You re the only one who does NOT know………

  • Haile stupid Drue September 12, 2016

    she is an idiot did,she expect Eritrea to be like Eroupe or,USA so what is your stupid point

  • Berhe Tensea September 15, 2016

    Very interesting, Eritrean villages under PFDJ totally changed to the worst. First of all, there no able bodied to be found except the old and sick..
    The regime has completely ignored the countryside, in terms of transportation, electricity, health facilities and schools.
    Yes no one will recognize his village if he or she had been out of the country for over twenty years.
    Eritrea under PFDJ is in stone ages and its existence in question.
    Death to the worst enemy of the people or the Tembenay.

POST A COMMENT