Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣስመራኣስመራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕማቕ ኢያ ዘላ። ኣብ ግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ድምጺ ጠያይት ይስማዕ ኣሎ። ንግሆ ሓያሎይ ሰባት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ከም ዝተጋጨወት መኪና ኣብ ኣንጎሎታት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።

Asmara Palace Hotel ብዓይኒ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሰምበል ብድሕሪ ሆቴል ኢንተር ኮንቲነንታል /ኣስማራ ፓላስ/ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሓደስቲ ናይ ተለኮሙኒኬሽን ህንጻታት ብሸበድበድ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትካል ተለኮሙኒኬሽን ሓደ ካብ ቀንዲ መሓውር ስለያ ህግደፍ ካብ ዝኸውን ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ።

Melottiቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ  ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።

እቲ ንኣካይዳ ኣመራርሓኡ ስሩዕ መቐለሲ መሓውር ሲኢኑሉ ዘሎ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ አፈወርቂ አብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ብዝጀመሮ ዘይውዳእ ናይ አዘዝቲ ሰራዊት አኼባ ትማሊ ብዝቐጸሎ ናይ ኣመሓደርቲ ዞባታት ዝተሰምየ በይንኣ ንጹል አኼባ አካይዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 22/10/2009 ብሰበስልጣን ሉኡኻት ኖርወይ፣ ብሽል ቦንደቪክ መራሒ መንግስቲ ነበርን ብፕረፈሶር ሸቲልን ዝተባህሉ አብቲ ዓቢ ጋዘጣ ናይ ኖርወይ አፍቶን ፖስቶን ዝተባለ:

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

airforceመጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2009 ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ወተሃደር ኣብ ውሽጢ ሓይሊ ኣየር ነተን ኣብ መዓርፎአን ኮፍ ኢለን ዝነበራ ነፈርቲ ብቡንባ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ሓንቲ ነፋሪት ክብድ ዝበለ ጉድኣት  ክወርዳ ኸሎ፡  ሓንቲ ነዳዲ ዘይነበራ ነፋሪት ብሓደ ጎድና ከፊላዊ ጉድኣት በጺሑዋ። ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉዎ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወተሃደር ቶኽሲ ከፊቶም:  ቶኽሲ ተመላሊሱ ድማ ሞይቱ። መንግስቲ ነቲ ወረ ከም ጽኑዕ ምስጢር ክሓብኦ እንተፈተነ፡ ናብ ህዝቢ ልሒኹ ፈኸም ክብል ጀሚሩሎ።

atlantaውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም ኣብ ምቕጻል ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ምስናይ መረጋገጺኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

asmeraኣብዚ ሰሙን ‘ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ሕሱም ጥምየት ምኽኣል ስኢኖም ካብ ዓዲ ናብ ኣስመራ ኣትዮም ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ ክርስትያናትን ጎደናታትን ዝልምኑ ዝነበሩ መሳኪን ግዳያት ጥምየት፡ ኡይ እናበሉ ንጉሆ ንጉሆ ገፊፉ ምስ ደቆም ናብ ጋሽባርካ ከግዕም ቀንዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ነቲ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዘሎ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብምትካእ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ክኸውን ተመዲቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ክንድኡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ሚኒስትር ምክልኻል ኮይኑ ክምደብ ከሎ፡ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ከምኡ’ውን ሜጀር ጀነርል ዑመር ጠዊል ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተወዚዖም፡ ዳርጋ ድስኩላት ከምዝኾኑ ንምግባሮም ተወጢኑ ከምዘሎ ይንገር።

ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።

Eriስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ፈነወ ራድዮ ተቓወምቲ ከይሰምዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ካሕሳይ ገብሪሂወት ንህዝቢ ናይቲ ዞባ ኣኪቡ ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝፍኖ ፈነወ ራድዮ ይኹን ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ከይሰማዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዒላበርዒድ ዝርከቡ ሰበስልጣን ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቦም።

dehaiEritreaክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለምንታይ ናብ ኢራን ከምዝገሸ ገሪሙኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን
ኣይግረምኩም። ንበዓል ናጽነት ዝኸውን ሽሻይን ሕብስትን ከምጽእ ኣይኮነን ከይዱ ዘሎ። መገሽኡ ምስ ውልቃዊ ጉዳዩ
ዝተኣሳሰረ እዩ።

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ‘ቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወራር ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ” ክብል  መንግስቲ ባዕሉ ብወግዒ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡  ትማሊ ቐዳም 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።