Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon 1ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።

US

እዚ ኣብ ቐጽሪ ጀፈርሶን መሞሪያል (Jefferson Memorial) ሕምብርቲ ዋና ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኮነት ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ነቶም ብዕለት 18 መስከረም 2001ን ቅድሚኡ’ን ጀሚሩ  ኣብ ሞቑሕ ብምስፋር ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ብኣሰቓቂ ኩነታት ዝቐተሎምን ዝቐትሎም ዘሎን ኩሎም ኤርትራዊን ንምዝካርን ዝዓለመ እዩ።