Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።