Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጀመርያ ነዚ ሎሚ መዓልቲ ብስም ኤደኪን ብስም ሲቪካውያን ማሕበራት ዝተጸውዔ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ንኣብ ሕቖን ማእገርን ናይ ህዝብኹም ተጻዒኑ ዘሎ ጨካን ግፍዕን ጭቆናን ናይ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ካብ ስሩ ንምምሓው እዩ። ስለቲ ተባዕን ቆራጽን ዝኾነ ህዝባዊ ሓላፍነትኩምን ተወፋይነትኩምን ድማ እንዳ ኣመስገና እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም ንብል።

YPFDJ

ኣብ ወጻኢ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበረን ኤርትራውያን ሲቪካውያንን ናይ ምትሕግጋዝን ማሕበራት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ተሓባቢሮም፡ ነተን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ተጠቐመን፡ ብግብሪ ግን መሓውር ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ኤርትዊ መበቆል ዘለዎም ዜግታት ኮይነን፡ እኩይ ተልእኾ ኣብ ምትግባር ተዋፊረን ዘለዋ ኣበየ ሃገሩ ዝርከባ ኤምባሲታት ስርዓት ህግደፍ ክስታት መስሪቶም ኣብ ቅድም ሕጊ ከቕርቡወን ኣሰና ሚድያ ፋውንዴሽን ጸዊዑ።

FESTኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ።

Lon 1ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።

ሻድሻይ ጉባኤ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 04/ 2008 ኣብ
ዝነበረ ኣዋን እብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ናይተን ኣብ ሸሞንተ ሃገራት
ኤውሮጳ ዝመደበረን ኣባላት መርበብ ዝዀና 10 በርገሳውያን ማሕበራት ተሳቲፎም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።