Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

waelaእዚ ሒዝናዮ ዘለና መዋእል፡  ኤርትራ ግዳይ ናይ ዝፈሸለ መንግስቲ ኮይና ኣብ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ኩነታት ብምህላዋ፡ ተወሃሂድና ብልዙብ ምርድዳእ ሰሚርና፡ ህዝብና ካብቲ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋ ውድቀት ከነድሕኖ፡ ካብን ናብን ክንጓየየሉ ዝግባእና ዘበን’ዩ።

FESTኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ።

Lon 1ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።