Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ቴለቪዥን ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ናይ ቡዛሓት ሃገራት ኣፍሪካ ከተዘንቱ ቀንያ። ቀንያ ጥራይ ዘይኮነ ግን መልክዕ ናይቲ ታሪኽን ተፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ገበናት ካኣ ቀዳማዩን ደሕረዋዩን ሓዋዊሳ ኮታ የታልል ይኸውንዩ ተባሂሉ ብዶኩመንታሪ ፊልምታት ዝተሰነየ መደብ ኣቕሪባ።

bay areaኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለምንታይ ናብ ኢራን ከምዝገሸ ገሪሙኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን
ኣይግረምኩም። ንበዓል ናጽነት ዝኸውን ሽሻይን ሕብስትን ከምጽእ ኣይኮነን ከይዱ ዘሎ። መገሽኡ ምስ ውልቃዊ ጉዳዩ
ዝተኣሳሰረ እዩ።