ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን ትርጉም ናጻ ፕረስ ኣማዕድየ ጠሚተ ናብ’ታ ኣድማስ ከስተማቕር ትርጉም ናጻ ፕረስ እንተዘይብሉኺ ኣብ ውልዶኺ ምልዕስ ምፈልፈለ ቃላትኪ ከም ዛራ ማይ ይፈስስ ጸሓይ ዒራዒሮ በርቲዑኪ ስኢንኪ ዝኹስኩስ ሓሊነ ዝኽሪ ቃላትኪ ከይሃስስ ሰይድ ዓብደልቃድር ክድበስ! መለኸት ብሩህ ተስፋ መቓልሕ መኣዲ ዘተ ትምህር ተብልሕ ፈልፋሊት ሓሳባት ከም ማይ ጃሕጃሕ ማቴዎስ: ዳዊት: ሰላምይንገስ ተሓሊኾም ብሞቑሕ ብመግረፍቲ ይነብዑ ዝርንዛሕ እዚ