Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረም!

መስከረም! እዛ ባሕቲ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት ቤትና ዝሃነጸት ኣጽኒዓ መሰረት በዕጽምቲ ጀጋኑ መንደቕ ምስ ዛዘመት *ጓዛ ብምፍጣራ ዚንጎ ከይከደነት                       *ተጀሚሩ ዚተቋረጸ ገዛ መፍቶ ዝናብ ኰይና ቤትና ምስ ጨቀወት ደቃ ተሳቒና መሪሩና ህይወት ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ናብ ፈቐዶ ስደት! ክንዲ ተፈሲህና ንሕበን ንኾርዕ ርእስና ደፊእና ንሓዝን

መስከረም!
እዛ ባሕቲ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት
ቤትና ዝሃነጸት ኣጽኒዓ መሰረት
በዕጽምቲ ጀጋኑ መንደቕ ምስ ዛዘመት
*ጓዛ ብምፍጣራ ዚንጎ ከይከደነት                       *ተጀሚሩ ዚተቋረጸ ገዛ
መፍቶ ዝናብ ኰይና ቤትና ምስ ጨቀወት
ደቃ ተሳቒና መሪሩና ህይወት
ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ናብ ፈቐዶ ስደት!
ክንዲ ተፈሲህና ንሕበን ንኾርዕ
ርእስና ደፊእና ንሓዝን ንነብዕ
ኣብ ክንዲ ብሓባር ንብድህ *ንመንዕ     *ንመንህ
ኣብ ቅድሚ መላኺ ብፍርሂ ነጣቕዕ!
ማዕዶና *ክብእልዉ ንሕና ግን ንደኪ             *ክብልጽግ
ኣዳናጊሩና ብጉልባብ *ኣውታርኪ                *ርእሰ ምኽኣል (ብእንግሊዝ)
እናተሳቐና ብምሕደራ ምልኪ
ነዛ ነብስና ኢና ንሓዝን ንበኪ!
እምበር’ቶም ጀጋኑስ ናይ ለውጢ ሃዋርያት
ሕማም ክፍውሱ ናይ ሃገር መንደዓት
“ይኣክል!” ዝበሉ ናይ ወለዲ ንብዓት
ኣብ *ጋጋ ንዘለዉ ህልዋት ስውኣት             *መቑሕ፡ መስገደል
መዓስ ይሕዘኖም ትርፎ ሓበን ኩርዓት!
ለበዋ ሰማእታት ሕድሪ ክትግብሩ
ህዝብና ብሰላም ኣብ ናጻ ሃገሩ
ናብ ምዕባለን ራህዋን ክስጉም ሓቢሩ
ሕሰም መከራኡ ከኽትም ሽግሩ
መገዶም ቀይሶም ለውጢ ንኽገብሩ
ብቕዋማዊ መንግስቲ ንመራሕ ተበሉ
ኣብ ጉድጓድ ተዓጽዮም ገበን ተቖጺሩ!
ንኽብሪ መስከረም ታሪኻዊት ወርሒ
ንዝኽሪ ዓዋተ ናይ ሰውራ መራሒ
ጸላም ተቐንጢጡ ሃገርና ክትወግሒ
ከምቶም ጀጋኑና ጠለብቲ ናይ ፍትሒ
ክንቃለስ ኢና ስዒርና *ንገብሒ!         *ንፍርሂ
ስለዚ ኣይትንብዑ ብማሕዩር ጀጋኑ
ሕልሞም ንኽትግበር ሎሚ ህያው ኮይኑ
ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ዘርኦም ሰሲኑ
ንመላኺ ኣብ ዓለም ኣውጺኡ ዕርቃኑ
ሓርነት ኣዝመራ እኖሆ ኣድበንቢኑ!
ኣትን ድምጺ ፍትሒ ኣብ ደገ ዘለኽን
ካብ ቀይዲ መላኺ ናጻ ዝወጻእክን
ነተን ዝተዓብሳ መቓልሕ ህዝብኽን
ብብዝሕን ዓይነትን ስለ ዝተካእክን
ካብዚ ውጹዕ ህዝቢ ምስጋና ይብጻሕክን!
ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ ጃንዳኡ ክዓኑ
ኣብ *ዙይን ተሰቒሉ ኣጐበር ተኸዲኑ      *ሬሳ ናብ መቓብር ዚወስድ ዓራት
ወየ ኪንብለሉ ሓመድ ድበ ኮይኑ
ግዜ ፍትሕን ራህዋን በጺሑ እዋኑ
መንግስቲ ክትከል ሰላም ዝዝፋኑ
ፍቕሪ ክነግስ’ዩ ድሙቕ ዝብርሃኑ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 16-09-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Meretse Asmelash September 16, 2013

    ዝሃብኩኩም ዓይኒ ካብ ዘይረእኩምላ
    ዝሃብኩኩም እዝኒ ካብ ዘይ ሰማዕኩምላ
    ዝሃብኩኩም እግሪ ካብ ዘይሰጎምኩምላ
    ዝሃብኩኩም ኢድ ካብ ዘይሰራህኩምላ

    ዕንይንይ በዚሑ ከበሳ ምስ ቖላ
    ንዝወደቀት ኦምስ ባላ ትደልዩላ
    እንተዘይ ኣለሊኩም ርግቢት ካብ ሽላ
    ም……………..ኣላ

  • ahmed saleh September 17, 2013

    Mesinas kubur haw Eritreawian blibi
    We set to unrealistic expectation from the start to give unreserved credit and support to individuals
    despite the brave patriots who paid their life belonged achievements negligence . As the result of
    behavior to serve the evil instead the God of love shows the blindness with collective passion . Only
    people who serve God of love , truth and fairness face the terrible responsibility to decide about
    things which is wrong or right whether in oneself or in another fellow Eritrean .
    ZELALEMAWI ZIKHRN KIBRN NSEWA’T AHWATNA

  • Semhar September 18, 2013

    If you want to know more about these individuals please listen to the interview of
    Yemane T/gergish on the utube.
    http://www.youtube.com/watch?v=UNxe9SoSvz4

POST A COMMENT