Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት…….

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት…….          12-09-13

ብዛዕባ ናይዚ ንርእሱ ምስ እምባ ተጸጊዑ ንዓና ግን ብሽፋን ናጻነትን ርእስኻ ምኽኣልን ምስ ኣሕዋትና ከምዘይንቃረብ ዝገበረ ሕማ ም ኢደ-ሰብ ንምዝራብ ድሌትን ግዜን ከይህልወና ይኽእል። እንተኾነ ብኣጋጣሚ መስከረም ተባሂሉ ብዝተዋህበ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ ዘዛርበና ኩነት ካብተረኽበ ዝመሰለና ክንብል መሰል ኢዩ። ብቐዳምት ግን፡-

ርሑስ ብስራት ምቕያር ወቕቲ ይግበረልና!  መስከረም ድማ ኩሉ ዘመን ንሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ትሕዝቶ ብዕምባባ ምምርሓባ ካብዘይበቐቐት፡ ነቲ “ድሕሪ ኢሳይያስ መን“? ክብል ተዓዚሙ ዘሎ ልብና ኣረጋጊኣ እንኮላይ ምስ ቅርጫት ሓድሽ ፖለቲካዊ መኣዲ ከተራኽበና እምነ።

ቃለ-መጠይቕ ፕረሲደንትና ክንሰምዕ ቀኒና። እንዃዕ ድማ ናብዚ መድረኽ‘ዚ በጻሕና። እንተኾነ ምናልባሽ “ሰብ ኢዩ ናብ ማይ ዝኸይድ“….. ስለዝሰማዕኩም ብኽቱር ምንዮት ሓርነት ድሮ ብሓሳብኩም ናብተን ነታዕቲ፡ ወሓዝቲ፡ መዕቆርቲ ማይ ዘዘኪርኩም ኣብ አን ትዕቆቡ ከይመስለኩም:፡ ንሳተን‘ሞ ድሮ ‘ሓደስቲ ተጋደልቲ‘ ከይጥቀሙለን ተባሂሉ ብውሑዱ ብሰራዊት ደምሒተ-እንድዕሎም ስለዝተከበባ ብዋዛ ተሓረርቲ ኣይክትኮኑን ኢኹም።

ነገር ካልእ ነገር ከምዘዘክር መጠን፡ እዚ ዘረባ ንእዋን ናጽነት ስለዘዘከረኒ ብልበይ “ሓዚላ ዘላን ተሓዚላ ዘላን ኩለን ሓደ“ በልኩ።

ኣብ ጽባሕ ነጻነት ኢዩ ዝነበረ። እቲ ዝገላበጥ ዝነበረ ሓያል ናጽነታዊ ፌስታን ፈንጠዝያን ዘፍ ኢሉ ሰብ ናብሰቡ ኣብ ዘቑ ላሕልሓሉ እዋን፡ እቲ ዲበላ-ዲበላ እናሸተተ ብሓደ ዝኣተወ ውጻእ መዓት ተጋዳላይ ድማ ዳርጋ ቡኡ ንቡኡ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ተኸፍለ። እቲ ቤተ-ሰቡ ርኹባት ዝኾኑ ቀዳማይ ደረጃ፡ “እንዃዕ ድሓን መጻእካ፡ እነሀልካ ገዛ፡ ማኪና ገንዘብ፡ ናብራኻ ግበር“…. ተባሂሉ ተጎንዐ።  እቲ ካልኣይ ደረጃ ድማ፡ “እምባአር ንሕና ነብስና ንኽእል ስለዝኾንና ብኣና ኣይትሰከፍ፡ ንስኻ ድማ መንግስትኻ ኣላትካ‘ሞ ነብስኻ ክኣል“ ተባህለ። ወዮ ሳልሳይ ደረጃ‘ሞ ኩላ ስድራኡ ቛሬጣ ስለዝተቐየረት “ወረ እንዃዕ ብደሓን ተመለስካና‘ምበር ዝተረፈና የለን“…… ተባሂሉ ሓላፍነት ናይቲ እንተነሳዕካዮ ዘኮማስዕ፡ ኢድ እን ተሓጺርካ ብክፉቱ ዝሓድር ኣፍ ህሉው ሬሳ ክስከም ተገደደ።

ብጭቡጥ እብለኩም ኣለኹ እቶም ኣብ መዓልቲ ናጻነት ብዓወት ዝኣተዉ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ብመምርሒ ከይተረፈ ኣብ ብልሽዉና ዝኣተዉሉ እዋን ከይዝረብ ስለዝተደለየ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ታሪኽና ንሱ ነበረ።በቲ ሓደ ምስ ዓወት ሰላም ዓዲ ምእታው፡ በቲ ካልእ ጥራይካ ምቑልሕላሕ ጥራይ ከይኣክል ድሮ እቶም መራኽብቲ ጸገም ድማ ምፍልላይ ካብ መጸ ካብኡ ዝኸፍአ ፈታኒ እዋን ኣይነበረን። ንበረኻ ዘዘምርሐ ኣብ ዓዲ ካብዝገደፎም መዛንኡ ኣዕሩኩቱ መማህርቱ ኣብ ዝብ ብጻሕ በጺሖም፡ ናብ ስደት ዘምርሑ‘ውን ተደላዲሎም ኢዮም ዝጸንሕዎ። ተጋዳላይ ግን ድሮ በታ ባዕሉ ዘምጻኣ ናጽነት ንዝኸፍአ ፈተና ዝተጋለጸላ እዋን ነበረት። ፈተና ውልቀ-ናብራን ዝኸፍአ ግዝኣት ወዲ-ሃገርን!!

ዋእ! ከምኡ ኢልካ ድኣ ክሳዕ መዓስ! ነገር ወተሃደር ተመሳሳሊ ግዲ ኮይኑ፡ ሽዑስ ዋላ ኣብተን ብሰራዊት ደርጊ “ትዳር በግድ፡ ፍቕር በሻማ“ እናበሉ ኣብራኾም ዝሰበሩለን ኣግነታት ተኾርምዩ ናብራ ክፍትን ተጋደለ። እሞ ብዙሕ ዝዓይነቱ ምፍሕፋሕ ድማ ተጀመረ። ገለ ካብቲ ዝተራእየ ብዙሕ ፈተናታት እታ ኣውራ ዘይተላቡ ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ዝተላዕለት ነበረት። ስለዚ ተጋዳላይ ጥርዓኑ ናብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣቕረበ።መንግስቲ ድማ ይመስለኒ ነብሱ ከውጽእ ነይርዎ።

ናይቲ ግዜ በዓል ስልጣን ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ክቡር ጀ.ስብሓት ኤፍሬም ተጋደልቱ ኣከበ። ነቲ ኩሉ ጥርዓን ዝሃቦም መልሲ ከኣ ሓንትን መራርን ነበረት። “እሞ ዓዓድኹም ኪዱ‘ምበር መንግስቲ ድኣ እንታይ ክገብረኩም“!

ቁልቁል ዝኣፋ ከምኡ ዝዓይነታ መልሲ ዘይተጸበየ ግሩህ ተጋዳላይ ነገሩ ደነቖ። ከምሓቂ ሽዑ ዝግበር ከይነብር ይኽእል፡ እንተ‘ቲ ናይ መጻኢ ኣጀንዳ ግን እቲ ሽዑ ዝተራእየ ጥራይን ሓድሽን  ኣይነበረን።

“ኣዴኻ ርገም፡ ኣዴኻ መርቕ“ ከምዝበሃል ኮይንዎ ንእዋኑ ብዘይካ ምጉርምራም ዝኾነ መልሰ-ተግባር ኣይተራእየን። ገለ ካብቶም ከምኡ ዓይነት መልሲ ብዘይምጽባዮም ጋን ዝተሰርሑ “ዋእ ኣንታ‘ዚ ጓህማም ድማ ከምዚ ክብል ጀሚሩ!“……… ካብ ምባል ሓሊፎም ከምዚ ናይ ሎሚ ዛንታ ጥበብ “ተባሪቓ“ ምስተኸሽሐት፡ ስብሓት ድማ ናብ ልቡ ዝተመልሰ ‘መንካዕ‘ ካብ ኮነስ፡ በቲ እዋን‘ቲ እታ ተባሪቓ ኣስናኑ ዘርገፈቶ ጥይት ብሓቂ ዶኾን ተባሪቓ ወይስ ኮነ ኢላ ከተላእሞ ዝሓለነት ትነብር“ ኢሉ ዝሓሰበ ኣይነበረን። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ዛዛሚ ኲናት ዓቅሚ ስብሃት ንምጅልሑ ዝለሓኴ ዘረባ‘ኻ እንተነበረ፡ ንሱ ከምሓደ ቅቡል መራሒ ነቲ ካሕዳይ ዘረባ (ዓዓድኹም ኪዱ) ክብል ዝተጸበየ ብዘይምንባሩ፡ ‘ኣጋግይዎ‘ ተባሂሉ ድ ኣ ተሓሊፉ ነበረ።

ሎሚ ድማ ፕ.ኢሳይያስ ተጋጎዩ። በቲ ሓደ፡ ክራይ ኣባይቲ ክኸፍል ዘይኽእል ሰራሕተኛ መንግስቲ (ብዘይካ ሰራዊት ኣየናይ በርጌስ ሰራሕተናኸ ኣልዩ) ምዃኑ እናገለጸ፡ ተመሊሱ “ማይ ዝደለየ ናብ ማይ ይኺድ“ ማለቱስ ከመይ  ኮን ይኸውን? ኣየናይ ዕቛር ወይ ዛራ ኮነ ፈልፋሊኸ ኣልዩ ኢዩ ሰራዊት ዘይብሉ? ኢልካ እንክሕሰብ ነገር መመሊሱ ከምዝኸረረ የነጽር።

ንምዃኑ ህዝቢ ሎሚኸ ካብዚ ነዊሕ ዓመታዊ መግለጺ እንታይ ኢዩ ክጽበ? ንሱ ከይመጸ ከምዝመጽእ ንዝተዛረቡ ሰባት ከምዝሕየ ሩን ዝስቀሉን ክግበር ጸኒሑ እንድዩ። ኣብ ሎሚ ተበጺሑ ንርእሱ ቀንዲ ናይ ህዝባዊ ርክባት (PR) ተጠቃሚ ክኸውን ክብል ኣሽካ ዕላል ቃላት ኣንቀላዊጡ ዘምጽኦ ሃጠው-ቀጠው ሕጋውነት ከልብሶ ክሳብ ምዙዛት መራሕቲ ተኣኪቦም ሓባራዊ ዘተ፡ (panel discussion) ክገብሩ ምዝራቡ ከ ድኣ እንታይ ዝኣመሰልዎ ምሕጽንታ ይበሃል? ሰብ ሞያ ከጽድቑ፤ ንሱ ክፍንጥሕ፡ ዜጋ ሃገራውነት   ከስርጽ ፤ንሱ ሃገራውነት ክፍንጥሕ፡ ኩሉ ዜጋ ሃገር ክሃንጽ ክቃለስ፤ ንሱ ሃገር ክድኩዕ ከፍርስ፡ ህዝቢ ንሓድነት ክዋደቕ፤ ንሱ ሓድነት ክ ዘርግ ክጅልሕ፡……… ካብ መዓስ ድኣሉ ፕረሲደንት ተሓላቒ ሃገር፡ መሳንይቲ መሳርሕቱ ዝኾነ?

ኦይ! ኣይትሓዙልና ደቀይ። የግዳስ እዚ ዕድመ ዘተስ እንታይ ኣምጽኦ? ጸሓይ ባድመዶ ኣንቆልቝላ ኮይና! ማለተይ ኢዩ። መቸም ን ዘይንቡር ጥንሲ ተሓቢእካ እንድዩ ዝፍጸም፡ መዓልቱ ምስኣኸለ ግና ሰብ ኣኪብካ ኢዩ ዝሕረስ ተባሂሉ ኢዩ። ኣብዚኣ በጺሓ ኣላ ህ ግደፍ። መሻኽሎ ዝበርትዓ ሞተር ሰልፎም ክንዲ ሎሚ ተኺኻ ኣይትፈልጥን። እንተደሊኹም ሃየ‘ንዶ ንእግረ-መገድና ነቲ መርኣያኡ ንተናኽፎ።

መቸም ቀለቤት ኪዳን መንግስትን ህዝብን ዘይሩ ዘይሩ ብኩነታት ቀረብ ኣገልግሎት ኢዩ ዝልካዕ። ቀረብ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ጸዓ ት ይምርኮስ። ንበል ከምኣብነት ጸዓት ኤለክትሪክ። ኤለክትሪክከ ካበይ ይምንጩ?

ኤለክትሪክ ብማይ፡ ብነዳዲ፡ ብጋዝ፡ ብንፋስ፡ ብሃፋ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ መዋእል ድማ ካብ ጸሓይ ከምዝርከብ ይፍለጥ ኢዩ። ካብዚ ኩሉ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ሓዲኡ ክቕርብ ዘይከኣለ መንግስቲ ኣብ ዕርዲ “ኣይፋል ንምወላ“ ተኾድጩ እንሆ። ዕዳጋ ናብ ዝሓሰረልካ ‘ውን ይኽየድ ኢዩ። እቲ ወሰን-ወሰን ዝበሎ ኢቲዮጲያዊ መሸጣ ጸዓት‘ውን ገለ ካብቲ ኣማራጺ ምኾነ። ትማሊ ትማሊ “ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ካሕሳ ከይተሰልዐ“ ኢሉ ንኩሉ መገዲ ሰላምን ምሕዝነትን ከምዘይተሓሰመን ጀማሪ ኲናት ኮይኑ ንርእሱ ክኽሕስ ከምዘይ ፈረመን፡ ሎሚ ታሪኽ ከህስስ ሓሊኑ ብዘይምኽኣሉ “የዋጽኣና እንተኾይኑ“…….ክብል ተሰሚዑ። እታ ሕመረት ግን ገና ክትዕብዓብ ኢያ ትድለ ዘላ። ንምዃኑ እንታይ ዲያ‘ታ ቀንዲ ተልእኾ?

ድላይኩም በሉዋ! ደይቀሪባ ኢያ‘ታ መዓልቲ። ኣነ ግን ናብቲ መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነቱ ክሓልፍ። ንነገሩ መንግስታዊ ትሕተ- ሃገራውነትከ እንታይ ማለት ኢዩ? ድማ ተላዘብሉ ኢኹም። በሉ እንታይ ስምዒት ከምዝህብ እናተረዳኣኒ እስከ ንቐጽል፡-

  1. ጽዓት ስለዘየሎ ከተማታት ይደፈና፡ ፋኑሳት፡ ጋዛት ድማ ክንጥቀም ንኽእል፡ ዘይምእንቲ ርእሱ ክወግሕ ኢዩ። ከምኡ ኢሉ ከእምን ንዝሃቀነ መራሒ ስዊች ከተማ ኣብ ትርኣሱ ከምዝገበረ ተመሲሉ ክግለጽ ክንደይ‘ዃ! ከምኡ ምስሓሰበ ኢዩ በሉ ፈስቲቫል ዝበሃል ንግደት ሃገር‘ውን ካብ ከተማ ኣውጺኡ ብሓንቲ ጀነረይተር ዝተኻረጀ። ኣስመራ ድሕሪ 112ን (ሓደ ምኢትን ዓሰርተው ክልተን) ዓመታት ከምሎሚ ተደፊና ኣይትፈልጥን።
  2. ጽዓት ስለዘየሎ ማይ የለን። እሞ ካብ ብጥንቱ‘ኮ ሰብ ኢዩ ናብ ማይ ዝኸይድ‘ምበር ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን። ዝናብ ከ ዝንብ፡ ማይ ክቕርብ ኢሉ ከይተጸገመ ናብ ማይ ዝረኽበሉ ክሽሕሻሕ እንታይ ጸግሞ ኣለዎ? መን ኢዮምከ‘ቶም ማይ ዝደ ልዩ? ብማለት ድማ ንኣገልግሎት‘ውን ምምጽራይ ህግደፍነት ከምዘድሊ ኣግሂዱ፡ ሓንቲ ኣብ ሰሙን ንሕርሙስ ክልተ-ሰለስተ ፍስቶታት ማይ ከምዘይቅርብ‘ውን ሓቢሩ። ኣስመራ ኣብ ሙሉእ መግዛእታዊ ዕምራ ከም ሎሚ ኣይጸምአትን።
  3. ጽዓት ስለዘየሎ ኣውቶቡሳት፡ ታክስታት የለዋ። እሞ ሰብ ብእግሩ፡ ብብሽክለታን መጭዓናን ዘይንቀሳቐስ እንታይ‘ዩ ሽግ ሩ? ብኣጋጣሚ መስከረም ካብተዘርበ፡ ኣብ እዋን መስከረምሲ ከምሓዳስ ዓመትና መጠን ደርጊ‘ዃ ግደፍዶ ንሰብ ንመቐ በሊ ዘመን ክብል ብነፈርቲ ከይተረፈ ኣባጊዕን ጻዕዳ ጣፍን ይቕርብ ነይሩ ይበሃል። እሞ ናህና ገደደ !!
  4. ጽዓት ስለዘየለ ኣገልግሎት ሕክምና የለን‘ሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ። እቲ ንወጻኢ ተባሂሉ ዝኽየድ ዝነበረ ደላይ ሕክምና፡ ዶላር ሒዙ ጥራይ ይምጻእ‘ምበር ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከመይዝኣመሰለ ዘመናዊ ሕክምናዶ ኣዳልይልኩም ኣይንሆን!………
  5. ጽዓት ስለዘየለ ትራክተራት ኣብ ዛሬባአን ይዘራዓ ባቃ! ተባሂሉ ብእዋኑ ክንደይ ተዘሪብሉ‘ዩ። ብፍላይ ንብዙሕ ዝመጠኑ ህዝቢ ነቶም ‘ዕጡቓት ተቓወምቲ‘ ከይናቢ ተሰጊኡ ክንሱ ብጉልባብ ማሕረስ ተባሂሉ ባርካ ኣብ ዝተጎንኮሉ እዋን ተመሳ ሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደን ንሕማምን ሞትን ከምዘቃልዖምን ትዝክሩ ትኾኑ። ክሳብ ካብ ሱዳን ትራክተራት ክካረዩ ንዝ ሓሰቡ ከምዘይኣፍቀደ‘ውን ተዘሪብሉ ኢዩ። ኣህዛብ ዓለም ምስንጣብ ዝናብ እናተቐዳደሙ። ……..
  6. ናይ ትካል ወርቂ‘ሞ ኣይዝረቦን። “ብዛዕባ እቶት ትካል ወርቂ ዘዘኪሩ ዘንባሁቕ እንተ ኣልዩ የምባሁቕ“ ኢዩ ተባሂሉ። ይት ረፍ ከምቲ ትጽቢትና ከኪሎ ወርቂ ክንዕደል፡ ሰብ ዕዳ ስለዝኾናስ ያኢ ወነንቲ ትካል ወርቂ ንብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ዋ ጋ ሓሓደ ኪሎ ወርቂ ብዶላር ከምዝእውዱና ክገልጽ ክንደይ ተጣቢቡ። እሞ ድማ ገለ ብልጭታ ምስጢር ከይትሰቱኽ እ ናተሸቑረረ ክንሱ ምስ እምባ ምጉብዕባዕ!! ብኣ ተሪፋቶ ምግባት ዶላር!! “ኣብ ኣጋ ጥፍኣቱ ንህዝቢ እዛ ትካል‘ዚኣ‘ውን ገዲ ፍሉ ከይሓልፍ ምእንቲ ክትዕጾ ዝተጣበቦ ኢዩ“ ይበሃል። ብዝተረፈ ኣብ ኣጀማምራኸ መን ተሓተተ? ሎሚ ‘ከሲራ‘ ተባሂ ሉ ወየ…. ካብኮነ፡ ትርፎ ክሻን ለኣኺኡን እቶታትን ክሳርኣን መንን በየናይ ሕጊ ቁጠባን ይፈልጣ? እቲ ዘይተኸፈለ ዕዮኸ?
  7. ጉዳይ ኣውፈርቲ ዘሸግሮ ኣይኮነን። እዞም ዘለው ሰብ ሃብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሩናዎይኣክል። ድሕሪ ሕጂ ግን ብሕጂ ኣጠራቒሞም ዝምዕብሉ ሰብማል ከርክቡሉ ኢዩ ዝትስፎ። ማለት ከምቲ ክሳብ ወዲ ምኢቲ ዓመት ክመርሕ እናተሃንጠየ ኣብ ኣኼባ ኣብ ሰድያኡ ዝህርስ መራሒ ዚምባወ ክኸውን እንተተሃንጠየ ኣብ ኣርሓ ዝደረቓ ሃገር ስለዘሎ ኣየክፋኣሉን ኢ ዩ። ብዝተረፈ ሕጊ ወፍርን ሕጊ ዝኣልቦኡ መንግስትን ከድኣ እንታይ ኣራኸቦም?
  8. ፕረሲደንት ባዛዕባ ወደባት ዝመጸ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፍጹም ዘየላቡ ተበግሶ ክውሰድ ምዃኑ ገሊጽልና ኣሎ። እሞ ድማ ጽ ዓት ኣብዘየብልና ግዜ። ሓራይ እንዶ! ቀጠርዶ ኣዘዘት ኢራን ብዘየገድስ ወደባትና ዞባውን ኣህጉራውን ኣገልግሎት ከምዘለ ዎ ጥራይ ዘይኮነስ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ከይተረፈ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብራሃ‘ኮ ኣብሪህዎ ኢዩ። ክእለት ሰባት መ መንጢልካ ክኢላ ክምሰል ስለዘይንበር መን‘ዩ ተጠቃሚ መንከ ዓሊቑ ጸኒሑ? ንምንታይ ድኣ ሕጂ ክንድኡ ጸደፍደፍ? ጎ ቦጎቦ ከይተባህለ ብግህዶ ዘይዝረብ! ዘይ እቲ ትእዛዝ ካብቲ መጸግዒና እምባ ኢዩ ዘንከራሩ ጥራይ‘ንዶ ጽምም።
  9. ጉዳይ መጐዓዝያ ካብቀንዲ ዘሻቐሎ ምዃኑ ወሓለ ገለጻኡ ለጊስልና። መደባቱ ድማ ጽርግያ ከምደምሱር ሃገር ብምዃኑ እ ቲ ዝኣረገ ውርሻ መግዛእትስ ግደፍዎ፡ ሓደስትን ናብ ኩሉ መኣዝንን ብክልተ ብሰለስተ መስመር ተር ኢለን ዝጓዓዛሉ ጽር ግያ ክሃንጽ ከምዝራኣዮ ቀሺሽና። ብኾፍካ ሕልሚ፡ ደቂስካ ሕልሚ፡…….ኣውራ ድማ ንዕቀት!  ክቡር ፕረሲደንትና…….
  10. ብዛዕባ መራኸብታት ዝመጸ ዛዕባ ድኻም ኤሪ-ቴል ነበረ። ኤሪቴል ካብተን ኣውፈርቲ ክውንኑወን ተባሂሉ ንጣላዕ ካብ ዝ ወረዳ ትካላት ሓንቲ ኢያ‘ኮ። ንሱ ይጽናሕ። ሎሚ ድማ ኩሉ ዜጋ ኣብ ዘዘለዎ ኩርናዕ ዓለም ኮይኑ ብቀጥታ ናይ ሳተላይ መስመር (ቫይበር) ገይሩ ናብ ቃሕታኡ ክራኸብ ከምዝወጠነ ገሊጹ። እዚ‘ሞ ብመሰረቱ ምስቲ ፖሊሲ ተነጽሎ ዝጋጮ ኢ ዩ። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኤርትራ ወናኒት ጠፈር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኾነት መጠን ዋኒን ትካል ቫይበር ክጥቀመላ መስ መር እንተኣፍቂዳ ናጻ ተጠቃሚት ከምትኸውን ሓቲቱ ከምዝነበረ ይዕለል። ሽዑ “ስራሕኩም ጥራይ ግበሩ“ ነበረ መልሲ መራሒና። ንሱ ሓቂ እንተኾይኑ ሎሚ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዝተረኽበ ንደቂ-ኤርትራ ክንድዚ ሓልዮት? እቲ ‘ስግኣት ስ ለያ‘ኸ ብኸመይ ተሓከመ? ዶስ ሳላ ቴክኖሎጂ እቲ ሓጹር ስለዝተጣሕሰ፡ መንግስቲ ድማ ከምቲ ነቶም ኣመሪካ ካብ ማእ ከል ዓዶም ዘህደመቶም መንእሰያት ምንፋጾም ካብዘይተረፈ ተጠቃሚ ክኸውን ምእንቲ ንነፋጾ ዘበጻጽሓ ላንድክሩዘራት ዝቐረበ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ዝተዋህቦ ናጻ ተጠቃምነት ኣብውሽጢ ክሸጦ ኮይኑ? ቅንይ ኢልና ምዕጻው ኩለን ናይ ኢድ ተሌፎናት ከይንሰምዕ ይኽደን!

ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ!!

ዘወንዘፍናዮ ኣይረሳዕናን ንግዚኡ ግን ናብ ካልኣይ ክፋል ቀጽሉ።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • sara gual eritra September 12, 2013

    YKDEN!!!
    mobilat eyen terifeneo zelewo
    kbur godefa GBU

  • zeyjignawedijeganu September 12, 2013

    zegerim eko yu:

    hade wedi Tanzania nibelo wedi Columbia mafia seb ( ab shawilat nihilinaka zifetaten botan akebabin zi’abeye , bikulu gexatu dima agedasi nikikewin enatemeneye zi’abeye seb, agedasninetu dima mis genzeb mis siltan ena’azamede zimexe wilqe seb, hashis zisheyit zineberen kali’en…bigele te’amir ab ertra tikun kalie hager siltan entezihizsi entay migebere elina nigimit? siltan tsegebeyo mo tekebeluni…beka terifuni zelo gizie biselam kinebir sile zidelis siltan tekebeluni…..

    bizieka siltanin genzebin kalie himam zeybilu sebsi entay kibil nixibeyo? kab hager endmatika miwinan ziti’em neger yelen mechem. abti ti’ewujo kuinat kindey deqi-hawebokan deqi akokan deqi hatinokan, deqi amokan ab hadega yiwediku? ab midri guna kulu seb na’aka guana yu. eti enko zemedika eti bankan eti siltanin tiray yu? zeysinika huxa kortumelu,,,,,,,,,,,,,,,,,zizekteme yizektim, zitesede eseded, zetesewe yisewa’e, zidenqore yidenqur, who cares! neti bikol’aka zikena’ekalu hizbi , akalu sile zeykonka kem zeyekini’e gierka kitrimiso ember aleka! edun egrun binaymisimis gemed gierka asirka netom ab wishti hubu’e amuroka zelewu natey tiblom wegenat kedimuwo tiblom ember…..mafiado hilina alewo yu….

    • Suleiman Salim September 12, 2013

      Why don’t you use Ge’ez alphabet?

  • MightyEmbasoyra September 12, 2013

    You will see this guy will make peace with ethiopia without any precondition. What will his followers say then. I am guessing they will repeat whatever words he use.

    • Suleiman Salim September 12, 2013

      Emba,

      Too early to talk about peace. You sound scared, I don’t know why.

      • MightyEmbasoyra September 13, 2013

        First, it is not just Emba but the mighty one Emba Soyra.
        Second, if you have principle, you should say if isays make peace with ethiopia without any precondition, you should stop being his blind follower. If not, you will be a flip flop.

  • NEW HOPE ERITREA September 12, 2013

    The Brilliant & wise Eritrean (not an oxymoron) !!!

    ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ¨መንግስቲ ክንቅይር ኢና¨ኢሎም ምስ ኣተንብሁ__ባባ ኢሳያስ ውጽኣት ጠጠው ምባል ኣብይዎ__ ኣብ ቃጣር ይኹን ኣብ ሲንጋፖር፣ ኢራን ፣ካብ ዶክተር ናብ ስፔሻሊስት እንተኸደ ነቲ ውጽኣቱ ጠጠው ዘብለሉ መድሃኒት ስኢኑ፣ኩሎም ስፔሻሊስትታት፣ኪድ ዓድኻ ኴንካ ሙት እምበር ንገብሮ የብልናን ምስ በልዎ ___፣ባባ ኢሳያስ ሙማት ብዙሕ ኣይፈትዋን ኢዩ፣ንዓያሹ__ምስዋእ ኢሉ ሽማ ቀይሩ ዘዔሽወላ ______(እናተከዘ)ብላክ ሌበልኒ ተኪላኒ ምስ ሲርያል እናቛሰየ እናቖረሰ ከሎ__ሓደ ኤርትራዊ ጠንቋላይ ቤተ መንግስቲ ኳሕ ኳሕ የብል__ባባ ኢሳያስ ወይ ወያነ ፣ወይ ፣ሲ ኣይ ኤ መሲልዎ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ይሕባእ__ድሓር ከም ዘይኮኑ ምስ ፈለጠ__

    ባባ ኢሳያስ__ እንታይ ደሊኻ ኣታ ፧
    ጠንቋላይ ___ ከሕውዮም የ መጺኤ ፕረሲደንተይ ¡
    ባባ ኢሳያስ __ እንታይ እዩ ስራሕካ ፧
    ጠንቋላይ ፣ ጠንቋላይ እየ ።
    ባባ ኢሳያስ ፣ከመይ ኣዴኻ____በል ድሓን__እንታይ ይፍለጥ ፣ኣቤሎ እቲ ቆጽለ መጽልኻ ፧
    ጠንቋላይ _ ቆጽለ መጽሊ ኣይኮነን ፣ኣብ ቅልጽምካ ዝእሰር ክታብ እዩ፧
    ሳባ (ብዓልቲ ቤቱ)__ እንቋዕ ኣብ ምዓንጣኻ (ሓሞትካ) ዝእሰር ኣይኮነ__
    ባባ ኢሳያስ __ እዛ ዓጋመ__ኣብዚሓቶ እምበር።
    ሳባ __ ዘፍርሃካ ኹሉ ዓጋመ እዩ ዝመስለካ ፧ ምሽክናይ ተደንግጽ
    ባባ ኢሳያስ ፥_ወያነ ሓቝፈ እናሓደርኩ ¡(ነቲ ናይ ሳባ ትግራውነት ከዘክር ኢሉ እዩ ፣ባባ ኢሳያስ ትግራዋይ ዘይኮነስ፣ህዝበ ትግርኛ ስለ ዝኾነ)
    ሳባ __ ነቲ ዊስኪ ኢኻ ሓቝፍካዮ ትሓድር ዘለኻ፣እምበር ቀደም ብዊስኪ ዝሞተ ሽ___
    ባባ ኢሳያስ __(ዘረብኣ ከየወድኣ)___ከመይ ደለት ብዓለገ___(ኢሉ)__ _ ነቲ ክታብ ካብቲ ጠንቋላይ መንዚዑ __፡ኣብ ቅልጽሙ ኣሰሮ።

    ወዮ ፣ባባ ኢሳያስ ፍርቂ ስዓት ከይጸንሔ__እቲ ውጽኣት ጥራይ ገዲፍዎ ዘይኮነስ፣ድርቀት ከብዲ ጌሩሉ ብጽምኢ ክሳዕ ዝወድቕ ኮይኑ።በቲ ትሪትሜንት ናይቲ ጠንቋላይ ገሪሙዎ__¨እዚ ወዲ ሸር___ጣ፣እንታይ ጌሩለይ ኮይኑ እዩ ¨ኢሉ ነታ ክታብ እናፈትሓ ከሎ___

    ሳባ __ ነዚ ጠንቋላይ ወዲ ሸር_ጣ ዴልካዮ ኢሱ፧__(ኣዲኡ ወይ ዓባዩ እንዳ ሜስ ኔርወን ይኸውን__) ኢላ ከይወድኤት ከላ__
    ባባ ኢሳያስ____ ርኤይዋ እዛ ጓል እንዳ ስባጋድስ፣እቲ ዘረብኣ ውን ጥዋይ ከም ናይዞም ዓጋመ __
    ሳባ __ ኣብ ዘይትፈልጦ ታሪኽ ፣ኣባ ስባጋዲስ ፣ካብ ኢሮብ ኤርትራዊት ኣደ ዝተወልደ__ሕግን ሓይልን ዘለዎ__ኢላ ሓቀኛ ታሪኽ ተንቲና ከይወድኤት ከላ__
    ባባ ኢሳያስ __ ነቲ ዝጻረፎ ዝነበረ ረሲዑ፣እዚ ጠንቋላይ ኣበይ_____ኢሉ ዘረባ ከይወድኤ ከሎ__ጠንቋላይ ጥብ ይብል።
    ___ባባ ኢሳያስ ነቲ ጠንቋላይ እናጠመተ__ናየበይ ዓዲ መድሃኒት እዩ__ከብደይ ብጣዕሚ ተርክሹ ኣሕሚሙኒ__እንተልኩስ፣እዚ ክታብካ ክኣ ከብደይ ኣድሪቑስ ክቐትለኒ ደልዩ__እንታይ እዩ ፧ ኢሉ ንጠንቋላይ ኣፍጠጠሉ ¡
    ጠንቋላይ __ እቲ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ እቲ ክታብ እዩ ዘሎ በለ።___(እሞ ባባ ኢሳያስ ነቲ ክታብ እንተኸፈቶስ)__ኣስማት ተደጋገመ ተጻሒፍዎ___እቲ ኣስማት ድማ
    ፩)ኢሳያስ ኣፈወርቂ
    ፪)የማነ ማንኪ
    ፫)የማነ ቻርሊ
    ፬)ዓሊ ዓብዱ__ወዘተ ኢሉ ¨ህግደፍ¨ኢሉ የጣቓልል።

    ባባ ኢሳያስ __ (ብስኽራን)እንታይ ዓይነቱ መድሃኒት እዩ እዚ ፧ __ኣስማተይን ፣ኣስማት መሪሕነት ህግደፍኒ ዝተጻሕፎ__
    ጠንቋላይ _ (እናፈርሔ)__ጎይታይ ፕረሲደንት __ከብድኹም ዘድርቕ እንዲኹም ደሊኹም፣ህግደፍ ድማ ኣንኳይዶ ንኸብድኹምሲ__ዓዲ ምሉእ ውን ዘድርቕ መንግስቲ እዩ__ኢሉ_፡ናብ ኢራ ኢሮ ተወስደ ይብሃል ።

    ነዚኣ እንተረሲኩም ነጻነት ኤርትራ ትዘክርኩም
    ነዚኣ እንተዘኪርኩም፣ምዕባለ ጎረቤት ሃገር ይፍጠረልኩም ሓሻካ።

    ግጥሚ፣ መስሓቕ ፣መስተውዓሊ ___ሓቅኹም ኢኹም ገሌኹም፣ዓጋመ ክትብሉኒ፣ግን ጎንደሬ ድምበዛናይ እየ ሓሻኹም።ከማይ ሓሙሽተ እንተዝህልውዋስ ፣እዛ ኤርትራ __ህግደፍ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ምወደቐ ኔሩ።
    እምባሕ ጥራይ ንበል ደቂ ኤረይ፣ምዕባለን ሓንጎልን ነዘን ዓጋመ ንግደፈለን__ንሕና ከይሰልጠንና ስልጡናት ኢና ሓሻካ ።

    • MightyEmbasoyra September 13, 2013

      NHE,
      I am impressed by your creative brain!
      What’s your background? I am kind of curious.

      • FAKE COUNTRY COLLAPSING September 13, 2013

        Respected Mighty Embasoyra

        I only speak 4-5 languages ,Although a 55 year old young & could not have been with mahber tiyatr asmera ,I did comedy & drama with Memhir Solomon ,Tsegay Negash & Yemane Lilo..during the relatively independent Dergi Era.መስተውዓልን ወዲ ሃብታምን ምዃን ጥዑም እዩ። The first drama I participated was at( enda sora )Alfa Romeo.
        Now ,I live in Sandiego ,I go ones in a long while to the Eritrean community in San Diego,that is dominated by my fellow deqi arbaAA Hamasenites, and full of regionalist fools.
        I LOVE MY ERITREAN PPL & FEEL THEIR PAIN DEPPPPPPPPPLY.

        Hawka M. Habte FCC

        • belay nega September 14, 2013

          MEHRETU HABTE

          I really appreciate your chameleon personality,you do not really care to be two person at a time.As I usually tell you you cannot be Eritrean,as no Eritrean labels his martyrs bandits as you do.
          You must be TIGRAWAY born and brought up in Asmara, under the heavy Eritreans shovenism. And now you are trying to revenge your personal feelings towards Eritreans,if at all you are from a rich family as you said,the success must have come at the expenses of some Eritreans who use to leave the country because of the chameleons.
          Last but not least if you were a friend to YEMANE LILO,is self answering “ዓርኪ ሰባር ነቃዕ”

          “I LOVE MY ERITREAN PPL & FEEL THEIR PAIN DEPPPPPPPPPLY.”

          “ለማያቅሽ ታጠኚ”

  • eritrean September 14, 2013

    Way hatew ketow. This room is full of crazies.

POST A COMMENT