Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርካ በሺር ኢሳቕ ዓብደላ ዎ ዝኸበርካ ኣምሃ ደመኒኮ፡ ምስ ኣሰና ዝገበኩሞ ቃለ-መሕትት ሰሚኤዮ።ኣቐዲመ ነቲ ክትገብርዎ ትሓስብዎ ዘለኹም ዋዕላ  ረቢ የቃንዓልኩም ኣምላኽ ከኣ የሳልጠልኩም ክብል ኣፍቅዱለይ።

piaኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Beshirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።