Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊት ጽዒና፡ ካብ ተሰነይ ተበጊሳ ናብ ኣስመራ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ ሓጋዝ ብነታጕ ድሕሪ ምቅጻላ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 30 ክሞቱ ከለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገሊጹ።

Puntlandኣመሪካ ኣንጻር’ቲ “ናይ ኤርትራ ናይ ውክልና ኢድ ኣለዎ” ኢሎም መራሕቲ ፑንትላንድ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ናይ ፑንትላንድ ኩነታት ስጉምቲ ክትወስድ ትሸባሸብ ከምዘላ ጂስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

ባድመኢትዮጵያ፡ ነታ ቀንዲ ሰበብ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይና ዝጸንሐት ባድመ ንኤርትራ ክትሓድገላ ከምዝተሰማመዐት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበረ ካብ ኣሾሸይትድ ፕረስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ዝረኸብናዮ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።