Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።

Somalilandኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።