Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሽግር ኤርትራ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኤርትራውያን መንእሰያት ሽግር ሃገርና ንምቕንጣጥ አብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት መዛዘሚ ንኽግበረሉ ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ንምድላው አብ ምሽብሻብ ንርከብ። እዚ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ ኮንፈረንስ ካብ 25-28 ግንቦት አብ ርእሲ ከተማ ሕ.መ.ኣ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ክካየድ እዩ። ነዚ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነቒሉ

READ MORE

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰብኣዊ መሰል፣ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ማእከል ናይ ዕላምኡ ገይሩ ካብ ዝቃለስ እንሆ ዓመታት ኣቚጺሩ። ነዚ ቅዱስ ዓላማ’ዚ ንምዕዋት ድማ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ኣብ ምጥርናፍን ናይ ቃልሲ ወኒኡ ክብ ኣብ ምባልን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ

READ MORE

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ (EYGM ) ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ አብ ውሽጢ ሃገር (EYIM) ዝተሰምየ ጽፉፍ ውዳበ ዘለዎ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝተመስረተ የበስር::አብ ምትታይ ናይዚ እግሪ ተኽሊ ማሕበር: እጃም ኩልና ደቅ ሃገር ብሓፈሻ: መንእሰያት ድማ ብፍላይ አገዳሲ ምዃኑ ጸቒጥና እናተላበና: እቶም ነዚ ስጉምቲ ወሲዶም

READ MORE

ህዝቢ ሚላኖ ብሓድነት ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ኳ እንተኾነት፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ናብ መጋበርያ ኽለዉጡዋ ሒዅ ካብ ምባል ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን። ኮይኑ ድማ ኣብ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ምስ ምምጻእ መንእሰያት ካብ

READ MORE

ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ብሓሶትን ብምትላልን ኪነብር ኣይክእልን እዩ᎓᎓ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ዘስተብሃሎ ኣይመስልን እዩ᎓᎓ተኽለ መንግስቱ ክኣ ትማሊ ቀዳም 21᎐01᎐2012 ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነዚ ሓቂ ጎስዩ ነቶም ሕልና ዘይብሎም ብጀካ ዝሰምዕ እዝኒ ዝዛረብ ኣፍ ዘይብሎም ሰብ ረብሓ ንዝኾኑ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፣መኸተ ብዝብል መታለሊ

READ MORE

ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ`ውን ደቁ፡ ዝተሰውኡላ ነጻነት ተነፊጋቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ንሞትን ንውርደትን፡ ንዘመናዊ ባርነትን፡ ካብ ዝቃላዕ እነሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እወ!! ኤርትራዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ብኣረሜናውያን ጀነራላትን፡ ክፍሊ ስለያን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ከም ደቂ ዛግራ

READ MORE

እዚ ለንቕነ ኣብ ናይ ሃገራውያንን ዓለምለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ንርእዮ ዘለና መጭወይቲ፣ ግፍዒ፣ ዓመጽ፣ ስቅያትን መቅተልትን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ በረካ ሲናይ ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ እቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት ህልቂት ናይ ጉዕዞ ስደት እዩ። ኣብ እዋን ሓዘና ዝፍስሑን ብሽግርና ዝወራዘዩን ንሶም ፈጠርቲ ጸገምና ምዃኖም

READ MORE

ንዘስተውዕል ብሓቂ ኣእምሮ ዘለዎን ዘገናዝብን እዚ ዘለናዮ መድረኽ ህጹጽ ሕቶ ህዝቢ፡ ሕቶ ብኩራት ፍትሕን ሓርነትን ክንምልሽ ንዘይመስረታውያን ፍፍልያት ኣጽቢብና ኣብ ሓደ ስፊሕ ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ተጠርኒፍና ክንቃለሰ ዝሓትት ምዕራፍ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓሲምዎን ሰፍ ዘይብል ምልኪ ኣብ ዝባኑ ተወጢሕዎን ዘሎ ወቕቲ

READ MORE

ራኢ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብምስዓር ሓንቲ ብቅዋምን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ምርኣይ’ዩ፡፡ ንሕና ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ልዕሊዑ ዝጽሒ ዘሎ ኣደራዕን ፡ መግደራን፡ ሑሱም መግዛእትን፡ ንህልው ኵነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ተነቓፊ ኵነታት ስለ ዘብጽሖ፡ እዚ ኵነታት

READ MORE

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል መንዩ ፈላላዪ መዛዘሚ ጽሑፍና  ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይ ህዝቢ ስሚዒታት ከነቕርብ ቃል ብዝእተናዮ መሰረት ካብ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ዝዓይነቱ ኣገባብ ተገላጊልና እቲ ዘየልቦ ግን ከኣ ህሉው ኮይኑ ከም ሕማም መናፍስቲ ኣብዘይጭበጥ ጸገም ሸሚሙና ዘሎ ፈርሱ ከነውጽዖ ኢና እኳ እንተዘይበልና

READ MORE

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት ኣዛራርባ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ባዓል ቦለኛ ዝካየድ ዝነበረ ኣምሲልካ

READ MORE

ክቡራት ኣንበብቲ፣ እዚ ፈሊምናዮ ዘለና ኣርእስቲ ንዓና ንኤርትራውያን ንጉዳይ ሓድነትና ዝምልከት ምዃኑ እንዳኣገንዘብና መበገሲና ኩልና ንጥምረትና እእጃምና ንምብርካት ነቶም ሕማም ዓበቕ ኮይኖም ነንሕድሕድና ከይንተሓቛቖፍ ንዝኽልክሉናን ዘየልቦ ነገራት ክንሓክኽ ሰለም ከይበልና ከምንሓድር ዝገብሩና ዘለው ፈሊና ንምፍላጥ ምዃኑ ብትሕትና ንገልጸልኩም። ጉዳያትና ኣብ ክንዲ ብምዝንጣል ብምክብባር፣ነድርን ሕርቃንን ገዲፍና

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ጊሰን (ጀርመን) ኣኼባ ህግደፍን ከምኡ ድማ ኣንጻር እዚ ኣኼባ ህግደፍ ዝቃወሙ መንእሰያት ዝመብዝሕተኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ኔሮም ብሕጽር ዝበለ ክልተ ውራይ ኣብ ሓደ ህሞት ። ቅድሚ ጽሑፈይ ምፍላመይ ነዚ ጽሑፍ “ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ“ ዝብለ ዘበገሰኒ ሓደ ፈታዊየይ ብስልኪ (ቴሌፎን) ዘዕለለኒ ክነግር

READ MORE

 

ዝኸበርካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ልባውን ሃገራውን ሰላምታና ነቐድመልካ። ኣብዚ እዋን ንዓና ንኤርትራውያን መዓልታዊ መነባብሮና ምስ ሞት፡ ስቓይ፡ ስደት፡ ማእሰርትን ግፍዕን ተኣሳሲሩሉ ዘሎ እዋን

 

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ፣ . . . Eritrean Civic Democratic Movement (ECDM) ዝብል መጸውዒ ሒዝና ሕጋዊ ሰውነት ከምዝለበስና ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራን ደላይ ፍትሒ ዓለምን ከነፍልጥ ክንእውጅ ኮለና ሓበን ይስማዓና።

  ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋልና፡ ነቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከብ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናዚዝታዊ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቃሊዕና ኔርና፡፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና ሰናይ ሰለሙን ለማ ዝተባህለ ኣብ ዴንማርክ መራሒ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሓደ በዓል ነብሱ ምቁጽጻር ሲኢኑ ንሰባት ስለ ዘጥቅዐ ን40 ምዓልታት

READ MORE

ኩልናከምእንፈልጦውድብሕቡራትሃገራትቤትምኽሪባይቶጸጥታኣብ 2009 ብቁ. 1907 ዝፍለጥናይማዕቀብብይን፡ኣብልዕሊምልካዊስርዓትብሰንኪእቲባዕሉዝጻሕተሮውግእምስጂቡትንኣብሶማልነቶምብግብረሽበራምስኣልቃዒዳርክብዘለዎምኣልሸባብኣንጻርመንግስቲሶማልስለዝሕግዝነዚእከይተግባራቱጠጠውከብልኢዩእምበርኣብልዕሊሕዝቢኤርትራኣይኮነን።


Netsereabናይቲ ውፉይ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ሃብተ ወ/ገርጊስ ድሕረ ባይታን ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ምንባሩን ኣብ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ሒዘ ክቐርብ ቃል ኣትየ ምንባረይ ዝፍለጥ’ዩ። ሃብተ ወ/ገርጊስ ንሱ ዋላ’ኳ ክፈልጠኒ እንተዘይኸኣለ፡ ኣነ ግን ኣብ ካርቱም ሕሱር ተግባር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣዓርየ ይፈልጦ ነበርኩ።

ዘተ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ኩሎም ተዋሳእቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ ብሓንሳብ ሓቢሮም ነቲ ህልዊ ሕጽረታትን ዕድላትን ዝመያየጡሉ ከምኡ ድማ ነዚ ሕቶታትዚከመይ ገሮም ከምዝገጥምዎም ስትራተጂ ንምውጻእ ዝሕግዞም መገዲ ኢዩ። ዘተ ዕዉት መታን ክኸውን ኣብ ሓቀኛ መትከላት ዝተመስረተ ኮይኑ ነቲ ልዝብ መምርሕን ቅርጻን ይህብ።

martyrቀዳም 18 ሰነ 2011 እቶም ሕድሪ ንስለ ሕድሪ ጀጋኑ እምበር ንመሸቀጢ ከምዘይኮነ ዝኣምኑን፥ ኣሚኖሙሉ ዝቃለሱን ኤርትራውያን 3.5 ማይል ወይውን ኣስታት 6 ኪ.ሜ ዝርሕቀቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ ጌሮም። እቲ ጉዕዞ ካብ ሌክ ሜሪት ዝርከብ ናይ ህዝቢ ላይብረሪ ተበጊሱ ነታ ምጭውቲ ቀላይ ሌክ ሜሪት ዜርካ ምምጻእ እዩ ኔሩ።

EyGMሎም መዓልቲ፡ ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እቶም ምእንቲ ናጽነት እታ ጠርናፊትን ሓቛፊትን ኩልና ዝኾነት ኣደ መሬት ህይወቶም ዝሃቡ ጀጋኑ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እተን ኣብ ጥሙይ ከብደንን ዕሩቕ ዝባነን ዕረን ዓንዴልን መሪሩና ከይበላ በጃ ሓርነት ህዝቢ ትንፋሰን ዝሃባ ሰማእታት ኤርትራ እያ።

Isuኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ  ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።

Isuኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ  ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።

Elsaኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት[ ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ።

ዝኸበርካ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከም ዝተኸታተልካዮ ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ተዋጢሮም ዓለም ክንዲ ዑንቂ ጸቢባቶም ንዘለው ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝተገብረ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ዕማም ብዓወት ተዛዚሙ ኢልና ኣበሲርናካ ኔርና።

Isuአብዚ አብከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዐቢ ጩራ ለውጢ ዝቐላቀለሉ ዘሎ እዋን ወላ ን አይተ ኩሉ ባዕሉ አየቕሰኖን አሎ። ከመይ ኢሉ ሞ ክቀስን;፡ እቲ ዘይምቅሳን ካአ ሕማቅ አሎ ጽቡቅ ናብ ቀጠር ብስራሕ ምክንያት( ማዓንጣ ምስ ተዘርገ) ኢዩ ዘንቅሳቅሶ። እዚ መገሻታት እዚ ክልተ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ፡

Wikiእዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ካብቲ ብዊኪሊክስ (Wikileaks) ዝለሓዀ ብ ኣምባሳደር ሮናልድ ከይ ሙክሙለን ካብ ኣስመራ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሰደዶ ዝተተርጎም’ዩ። ንትሕዝትኡ ኻኣ ሰናይ ንባብ፡ ተፈደሉ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ስርዓተ መንግስቲ ከምዚ እዩ፡ ከምዚ እባ ይመስል ኢልካ ብዛዕባኡ ገምጋም ክትህብ እንተኾንካ ቅድም ነቲ ኣቀዋውማ ኣዕኑድ ፖለቲካዊ ትካላቱ ምፍታሽ የድሊ።

ኣብ ሓደ ኣከባቢስ፡ ሓደ ብሕማም ደዌ ኣጻብዑ ዝሰኣነ መንእሰይ፡ ወለዱ ከመርዕዉዎ ስለ ዝነበሮም፡ ካብ ጎደቦ ዓዲ፡ ኩነታቱ ከይሓበሩ፡ ጎበዝ ወዲ ኣሎና’ሞ፡ ጓልኩም ሃቡና ኢሎም ይሓቱልኩም።

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ከመይ እላ ከም እተመስረተት ገሊጽና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። ይኹን ደኣምበር ዘራግት ማይ ዘላተን ከብቲ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝበሃል ፤ ገለ ውልቀ ሰባት ሕማቅ እምበር ጽቡቅ ክሪኡ ዘይፈትው ብኻሊእ መንገዲ ሕማቅ ክሪኡ ዝሕጎሱ ጽቡቕ ክሪኡ ክነብዑ ዝሓድሩ (Sadist) ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከምዘለው ኩልና እንፈልጦ ነገር እዩ።

መእተዊ፡

ሃገር ኣሎና፡ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ምሕደራ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፤ እንተሎ ከኣ ክንሰምዖ ድልዋት ኢና። እዚ ስለ ዝሰኣና ግን፡ ንቃለስ ኣሎና፤ እኻድኣ ከም ኣሕዛብ፡ ብሰንኪ’ቲ ርእሱ ዝተዘናበሎ መራሕን፡ ኣሳእኑን ኣእዳውን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓያሹ መጥፋእቲ ዓደቦኦምን፡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንርከብ። ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ህጹጽ ጠለብና እዩ።